ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ገምጋም ኣብ ልዕሊ ሩፕኒክ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ ዓንቀጸ እምነት ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ምስ ሓያሎ ናይ ደናግል ማሕበራት ብምርኻብ ብዛዕባ እቲ ተወላዲ ስሎቨኒያ ነበር ኣባል ማሕበር ኢየሱሳዊ ናይ ስነ ጥበብ ሊቅ ማርኮ ሩፕኒክ ጉይዳይ ብዝምልከት ዝተፈላለየ ሰነዳት ከም ዝኣከበ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ክሕብር እንከሎ፥ እቲ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ወርሒ ሰነ 2023 ዓ.ም. ብምኽንያት ዝቐረቡ ክስታት ካብ ማሕበር ኢየሱሳውያን ዝተሰጔ ኣብ ልዕሊ ሓያሎ ገዳማውያን ደቂ ኣንስትዮ ስነ-ኣእምሮኣውን ጾታውን ዓመጽ ከም ዝፈጸመ ዝተኸሰ ኣማእኪሉ ዛካይዶ መርመራታት ካብ ቤተ ክርስቲያን ወጻኢ ክሰፍሕ ይገብሮ ምህላዉ የመላኽት።
ዕለት 27 ጥቅምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ "እቲ መስርሕ መርመራ ብዘይ ምድንጓይ ክካየድ ነቲ ናይ ግዜ ገደብ ክለዓል" ድሕሪ ምውሳኖም፡ ነቲ ናይ ምርማር ዕማም ንናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ከም ዝሃቡ ክዝከር እንከሎ፡ ቅሱነቶም ነዚ ውሳኔ እዚ ዝወሰዱ፡ ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት፡ ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ኣተሓሕዛ መርመራታት ጉዳይ ሩፕኒክ ኣማእኪሉ ብዘቕረበሎም ጸብጻብ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ይሕብር።
ግቡእ ኣገባባት ምልላይ
ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዕለት 21 ለካቲት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ “ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ካብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝረኸቦ ሓላፍነት ስዒቡ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዐልዋይ ቤት ጽሕፈት ምስቶም ምስ ጉዳይ ሩፕኒክ ዝተኣሳሰረ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብቲ ጉዳይ ብዝተፈላለየ ደረጃ ዝተተንከፉን ነዚ መርመራ እዚ ዘካይዱ ምስ ዘለዉ ማሕበራትን ተቕዋማት ግዳማውያትን ርክብ የካይድ ምህላዉ ኣመላኺቱ፥ "እቲ መስርሕ መርመራ ናብቲ ቅድሚ ሕጂ ዘይተራኸበን ዘይተፈልጠን ክውንነታት ይሰፍሕ ምህላውን እዋናዊ ባእታታት ድሕሪ ምርካቡ፡ በዚ መሰረት ክስዓብ ዘለዎ ግቡእ ኣገባባት ምልላይ ወሳኒ ምዃኑ የመላኽት።
ክልተ ነበር ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት ዝሃበኦ መግለጺ
ረቡዕ 21 ለካቲት እውን ክልተ ውፉያት ኣባላት ማሕበረሰብ ሎዮላ ዝነበራ ዜጋታት ኣብቲ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ፈደራላዊ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ኢጣልያ ተረኺበን ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝሃባን ንሳተን ድማ ኢጣሊያዊት ግሎሪያ ብራንቺያኒን ተወላዲት ስሎቨኒያ ማሪዣም ኮቫክ ከም ዝኾናን እውን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣመላኺቱ፥ ክልቲአን ብጠበቓኤን ላውራ ስግሮ ኣብቲ ዝሃበኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ግሎሪያ ብራንቺያኒ መንእሰይ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ሩፕኒክ "ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ጾታውን ማህሰይቲ" ከም ዘውረደላ ክትገልጽ እንከላ፡ ተወላዲት ስሎቨኒያ ኮቫክ እውን ብወገና ብዛዕባ እቲ ካብቲ ነበር ካህን ዝወረዳ "መንፈሳዊ ሕልናውን ዓመጽን” ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ገዳማውያን ተቕዋማት መወከሲ ተገይሩ ዝረአ ዝነበረ ሰብ ዝፈጸሞ ኣብ ሎሚ ኮይና ክትርዮ እንኮላ ዓመጽ ምንባር ንኽትፈልጥን ከተለልዮን ከም ዝኸኣለት ትሕብር።
እተን ክልተ መነኮሳት ነበር፡ ሕጂ ብዘይ ዝኾነ "ውልቃዊ ሕነ ምፍዳይ" ሓቅን ፍትሕን ክረኽባ ተስፋ ከምዘለወን እውን ክም ዝገለጻን እቲ ስቓይ፡ ስቓይ ዝወረዶ ሰብ ጥራሕ እዩ ነቲ ሓቅን በደልን ክፈልጦ ዝኽል ከም ዝበላ ዜና ቫቲካን ዝሃበኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።