2024.03.15 resentation of a booklet in the Herder Thema series entitled "God's strong daughters" regarding the approach to women in the church (also as an important topic of World Synod) hosted at the Embassy of the Federal Republic of Germany to the Holy 2024.03.15 resentation of a booklet in the Herder Thema series entitled "God's strong daughters" regarding the approach to women in the church (also as an important topic of World Synod) hosted at the Embassy of the Federal Republic of Germany to the Holy 

ልኡኽ መንግስቲ ጀርመን ናብ ቅድስቲ መንበር፦ ተራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዝገልጽ መጽሓፍ

ልኡኽ መግስቲ ጀርመን ናብ ቅድስቲ መንበር ኣብቲ ዝቕጽል ዘሎ ሲኖዶስ ብዛዕባ ሲኖዳውነትን ኣብቲ "ንመሰላት ደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት ሕቶታት" ብምትኳርን ነታ ብሀርደር-ቨርላግ እተሓርመት "ናይ ኣምላኽ ድልዱላት ኣዋልድ - ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ጽፍሕታት ኣድማሳዊ ካቶሊካዊነት" ዘርእስታ መጽሓፍ ከም ወፈያ ኣቕሪቡ ።

ኣብ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብታ ፍልይቲ ሕታም ናይ ሀርደር-ቨርላግን ዝሓለፈ ቀውዒ እተሓትመት ናይ ጀርመን ሕታም 36 ደቂ ኣንስትዮን ሰለስተ ሰብኡትን ዝተሳተፉላ፣ ብዛዕባ ዅነታት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ እተፈላለያ ሃገራት ዓለም ሓበሬታ ብምሃብ እጃሞም ኣበርከቱ ።

ሓንቲ ኻብቶም ደረስቲ ካታሊና ሰርዳ ፕላናስ እትበሃል ቺለዊት ናይ ስነ መለኮት ሊቅ ። ኣብቲ ኣብ ፍራንክፈርት ዝርከብ ቅዱስ ጊዮርጊስ ተቅዋም ዓለምለኻዊ ቤተ-ክርስትያንን ተልእኾ ወንጌልን (IWM) ተሓባባሪት ምርምር ኰይና ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮን ክህነታዊ ኣገልግሎትን ዓለምለኻዊ መጽናዕቲ ዝገበረት እያ።

ብዛዕባ እቲ ደቂ ኣንስትዮ ዲቁና ክቕበላ ይኽእላ ዶ? ተባሂሉ ዚለዓል ሕቶ ብሓድሽ ጕጅለ መጽናዕቲ ክጽናዕ ኣለዎ ትብል።

"ዲቁና ኣነ ከም ዝኣምነሉ” ትብል ኣብ መግለጺኣ “ኣብ እተፈላለያ ኸባቢ ዘለዋ ኣብያተ-ክርስትያን ምስ ናይ ጉስነታዊ ድሌተን ዝሰማማዕ እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ ናይ ምምርማር ናጽነት ዘለወን ዝብል ኣረኣእያ ኣርእስቲ ክኸውን ከም ዝኽእል እኣምን ኢየ። ኣብ ገሊኡ ኸባቢታት ንእተፈላለያ ኣብያተ-ክርስትያን እተፈላለየ ስጕምትታት ወይ ሕግታት እንተ ዚህልወና ነይሩ ኣብ ከም ዲቁና ደቂ ኣንስትዮ ዝኣመሰለ ጕዳያት ምምሕያሽ ክንገብር ምኸኣልና ነይሩ" ክትብል ትገልጽ።

ኣቡነ ግምየር ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኣገልግሎት ቤተ-ክርስትያን

ኣቦ መንበር ናይቲ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ስዊዘርላንድ ብፁዕ ኣቡነ ፌሊክስ ግምየር እውን ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ኣብቲ ዘለውዎ ኸባቢ ዓብዪ ፍልልይ ስለ ዝረኣዩ ፍልይ ዝበለ መፍትሒታት ክርከብ ይምሕጸኑ ።

"ንባህልታት ምዕራባዊ ኣውሮጳ ወይ ከኣ ነቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ዘሎ ባህልታት፣ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ከም ሰብኡት ኣብ ምግልጋል ተመሳሳሊ ባይታ ኺረኽባ ኸም ዘለወን ሕቶ ክኸውን ዝኽእል ኣይኮነን" ይብል ። "ብተወሳኾ ድማ ኸምዚ እዩ ዚስምዓኒ። ይኹን እምበር ነዚ ናብ ሮማ ምምጻእ ቀሊል ኣይኮነን ። ኵሉ ነገር ኣብ ኵሉ ቦታ ብሓደ ዓይነት መምርሒ ክካየድ ኣየድልን እዩ ። ብዛዕባ መጻኢ ግን ኽንበ ኣይክእልን እየ ። እንተዀነ ግን ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ማእከላት ምምሕዳር ምህላው ኣብ ዝምልከት ጕዳይ ኣብ ዛዕባ ኢዩ ዘሎ፣ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ እውን ከም መስቀላዊ ኣርእስቲ ኮይኑ ኢዩ ዝግለጽ ዘሎ - ኣገልግሎት ይኹን መዓርጋት ብዘየገድስ ደቂ ኣንስትዮ ኣብኡ ኢየን ዘለዋ ጥራይ ዘይኰናስ እምነት ኣብ ምትሕልላፍ ውን ኣካላት ክርስቶስ ኢየን ። ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኵሉ ጽፍሕታት እየን ዚሳተፋ" ድማ በሉ።

ኣቡነ ግምየር ከም ተወካሊ ናይ ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳር ስዊዘርላንድ መጠን ኣብቲ ኣብ ጥቅምቲ 2024 ኣብ ቫቲካን ዝካየድ ካልኣይ ክፋል ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ከም ብሓድሽ ከም ዝሳተፉ ውን ኣመልከቱ ።

19 March 2024, 11:07