ድለ

እናቴ ሄለን ኣልፎርድ፡ መጻኢ ዓለም ንምድሓን ደቀባት ምዕቃብ ወሳኒ እዩ እናቴ ሄለን ኣልፎርድ፡ መጻኢ ዓለም ንምድሓን ደቀባት ምዕቃብ ወሳኒ እዩ 

እናቴ ሄለን ኣልፎርድ፡ መጻኢ ዓለም ንምድሓን ደቀባት ምዕቃብ ወሳኒ እዩ

ኣደ መንበር ጳጳሳዊ ተቕዋም ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠት እናቴ ሄለን ኣልፎርድ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ሃገረ ቫቲካን "ፍልጠት ደቀባትን ስነ-ፍልጠትን" ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ዝተኻየደ ዓውደ-መጽናዕቲ "ኣዝዩ ኣገዳሲ መምርሕን ነቲ ኩነታት ዘነጽር ስእልን ዝሃበ ምዃኑ ምስ ዜን ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ገሊጸን፡ ደቀባት ምስ ር.ሊ.ጳ. ዘካየድዎ ርክብ ካብቲ ብዙሕ ግዜ ዘሕልፍዎ ዝነበረ ስቓይ ድሕነት ክረኽቡ ይሕግዞም ኣሎ" ኢለን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠትን ወከልቲ ደቀባትን ንፈለማ እዋን ኣብ ቫቲካን ተራኺቦም ብዛዕባ እቲ ጸገማት ጥራይ ዘይኮነስ ልዕሊ ኩሉ ብዛዕባ መጻኢ ተስፋታትን ኣብ ዝመጽእ ዓመታት ዝፍጠሩ ብድሆታትን ከም እተመያየጡን፡ እዚ ዕላማ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ካብ ዕለት 14 – 15 መጋቢት ኣብ ሃገረ ቫቲካን፥ "ፍልጠት ደቀባትን ስነ-ፍልጠትን፥ ምውህሃድ ፍልጠትን ስነ-ፍልጠትን ኣብ ተቓላዕነትን መፍትሒ ንዘላቕነትን" ብዝብል ኣርኣስቲ ናይ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ክኸውን እንከሎ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እውን ነቶም ተጋባእያን ብዓብዪ ስምዒት ከም እተቐበልዎም ኣደ መንበር ናይቲ ጳጳሳዊ ተቕዋም ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠት እናቴ ሄለን ኣልፎርድ ገሊጸን፥ "ር.ሊ.ጳ. ምስ ደቀባት ዘካየድዎ ዝተፈላለዩ ርክባት ደቀባት ዘደንቕ ምንጪ ፍልጠት ምዃኖም ክስተውዓል ከም ዝገበረን እዚ ብተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ኣጸቢቑ ዝተደነቐ እውን ኮይኑ ኣሎ፡ ስለዚ ነዚ ጉዳይ እዚ ኽንስዕቦ ባህርያዊ ኮይኑ ይስምዓና። ብፍላይ ንተወከልቲ ህዝቢ ደቀባት እቲ ምስ ር.ሊ.ጳጳሳት ዘካየድዎ ርክባት ካብቲ ብዙሕ ግዜ ዜሕልፍዎ ዝነበረ ስቓይ ድሕነት ኪረኽቡ ገይርዎም እዩ” ኢለን።

ር.ሊ.ጳ.፦ ስነ ፍልጠትን ጥበብን ደቀባት ንምድሪ ብሓባር ምስቲ እተፈላለየ ልምድታትን ባህልታትን የዕቍባ፡ እዚ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ እዩ? ካብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ እንታይ ውጽኢት ተረኺቡ?

ኣብዚ ኣኼባ እዚ ኽልተ ዕላማ እዩ ዝነበረ - በቲ ሓደ ሸነኽ ንህዝብታት ንምዕቋብ ቋንቋኦም ንምዕቃብ ነታ ብዙሕ ነገራት ክንመሃረላ እንኽእል ዓለም ዝውክል ልምድታቶምን ባህልታቶምን ንምዕቃብ በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ኣብ ቅልውላው ከባቢ ኣየር ደገፍትና ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ምግንዛብን ከምኡውን እተፈላለዩ ዓይነት ሓምላይ ሃብትን እንስሳታትን ዘጋጥምም ጸገማት ንኽንፈትሖ ክሕግዙና ከም ዝኽእሉ ምግንዛብ ኢዩ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ር.ሊ.ጳ. ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎና ኽንካፈል እንኽእል ዝያዳ ሰብኣዊ ኣቀራርባ ተዛሪቦም እዮም። ኣብ መላእ ዓለም ዚነብሩ ሰባት ኣብኡ ተረኺቦም ነቲ ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ዘሎ ምህዳርን እተፈላለዩ ዓይነት ኣትክልትን ንምዕቋብ ብኸመይ ከም ዚዓዩ ገሊጾምልና እዮም። ንኣብነት ሓደ ካባታቶም ኣብ ሰሜናዊ ካናዳ ካብ ዚርከብ ቦታ እዩ መጺኡ፣ ኣብቲ ማሕበረሰቡ ኸኣ ብዛዕባ ዓሳነባሪ ፍልዩ መጽናዕቲ ከም ዝገብርን ካብቲ ዝገብርዎ መጽናዕቲ ድማ ዜደንቕ ነገራት ከም ዝረኸቡን ነዚ ተመክሮ እዚ ብስነ ፍልጠት ዝተደገፈ መጽናዕቲ ክግበር ድማ ንተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ኣካፊልሎሞ እዮም። ሎሚ ካብ ቀደም ብዛዕባ ደቀባት ብዙሕ ኣቃልቦ ይግበር ኣሎ። ብፍላይ ድማ ር.ሊ.ጳ. ብፍሉይ ኣገባብ ኣቢሎም ዝሃብሉ ቆላሕታ ኣብዚ መዳይ እዚ ዓቢ ግደ ዘለዎ እዩ።

ስለምንታይ ወትሩ ኣብ ​​ልዕሊ እዞም ህዝብታት እዚ ዘይምትእምማን ነይሩ?

ባዕዳውያን ገዛእቲ ሃገራት ኣብተን ሓደስቲ ሃገራት ምስ በጽሑ፡ ዘደንቕ ባህሪ ተፈጥሮ ረኺቦም እዮም፡ ይኹን እምበር ከኽብርዎ ግን ኣይከኣሉን። ብፍላይ ኣብ ላቲን ኣመሪካ፡ ህዝቢ እቲ ከባቢ ኣብ መጀመርታ ኣዝዩ ይነዓቕ ነይሩ፡ ድሒሩ ጥራይ እዩ ንዓኣቶም እውን ሰብኣዊ መሰላት ክሕለወሎም ዝጀመረ። ሎሚ እውን ክፍወስ ዘለዎ ዓሚቝ ቁስሊ ኣሎ።

መንግስታትን ኣህጉራውያን ትካላትን ነዞም ውሑዳት ንምሕላው ዝገብርዎ ዘለዉ ኣበርክቶ ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ እዩ?

ሕጂ ንገዛእ ርእሶም ክከላኸልሉ ዘኽሎም ሕጋዊ መሰረት እንተድኣ ኣልይዎም ነዞም ህዝብታት እዚኣቶም ፈጺሙ እተፈልየ ዅነታት ኢዩ ዘጋጥሞም። ብፍላይ ኣህጉራዊ ውዕላት ኣዝዮም ኣገደስቲ እዮም፣ ምኽንያቱ ዋላ ኣዝዩ ዘይምቹእ ሃገራዊ ኩነታት እንተጋጢሙ ንነብሶም ብዕቱብ ክከላኸሉ ስለዘኽእሉ።

ኣብ መወዳእታ ካብዚ ኣኼባ እንታይ ወጺኡ?

ኣብዚ እዋን እዚ ነዚ መዳይ እዚ ንምምሕያሽ እተፈላለየ ንጥፈታት ብምግባር ኣብ ሰለስተ ኽፍልታት ዘለዎ ናይ መወዳእታ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ንምቕራብ ንሰርሕ ኣሎና ፣ እዚ ኣዋጅ እዚ ቀዳማይ ክፋል ምኽባርን ዘተን ንዝብል ርእሰ ጉዳይ እተወፈየ ኮይኑ፡ እቲ ኻልኣይ ክፋል ከኣ ዛዕባ ፖለቲካን ብኸመይ ብሓባር ሓደስቲ ውጥናት ምምዕባል ንዝብል ቅዉም ሓሳብ እተወፈየ እዩ። ሎሚ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠትን ፖለቲከይናታትን ደቀባትን ሓበሬታ ኺእከቡን ኬካፍሉን ሓድሽ መጋበርያ ከጥቀሙ ዘኽእሎም እተራቑ መሳርሒታት ኣሎ። ነቶም ሓደስቲ መጋበርያታት ብምጥቃም ብፍላይ ድማ ምስ ኣቃውማ መግብን ሕርሻን ዝምልከቱ ስርዓታት ንምሕያል ፈቲንና ኢና። ነቲ ዘሎ ለውጢ ከባቢ ኣየር ኣብ ግምት ምእታው ጠቓሚ እዩ፣ ብእኡ ዝመጽእ ስደትን ምዝብልናን ልዕሊ ስሳ ሚልዮን ሰባትን ተዛማዲ 25% ገጽ ምድርን ዝትንክፍ እዩ።  ኩሎም ንመጻኢ ዓለም ወሳኒ ቦታታት ዘለዎም ስለ ዝኾኑ ጸገማቶም ንዓና እውን ይጸልዉና እንክብላ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ዛዚመን።

20 March 2024, 16:21