SRI LANKA-RELIGION-ISLAM-RAMADAN SRI LANKA-RELIGION-ISLAM-RAMADAN  (AFP or licensors)

ቅድስቲ መንበር ብምኽንያት ራማዳን፦ ዓለምለኻዊ ሰላም ንምርካብ ብሓባር ምዕያይ ተተባብዕ

ናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዚግበር ዘተ ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ንዅለን ሃይማኖታት "ናይ ጽልእን ዓመጻን ውግእን ሓዊ" ኼጥፍኣን፣ ኣብ ክንዳኡ ልኡም ዝኾነ ሽምዓ ሰላም ኬብርሃ ብምምሕጻን፣ ንወርሒ ራማዳን ምኽንያት ብዝምግባር ዓመታዊ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

በሰንኪ እቲ ኣብ ዓለም እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ግጭታት፣ እቲ ብዛዕባ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ ነቲ ብምኽንያት ወርሒ ራማዳንን ‘ኢድ ኣል-ፈጥር’ ናብ ሰዓብምቲ እምነት ምስልምና ኣሕዋትን ኣሓትን ንዘመሓላልፎ ዓመታዊ መልእኽቱ፣ ሎም ዓመት ብዛዕባ ሰላም ንምርካብ ኣብ ዚግበር ዕዮ ኸም ዜተኵር ገይርዎ ኣሎ ።

እዚ ናይ "ቅርበትን ዕርክነትን" መልእኽቲ ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት 15 መጋቢት ዝወጸ፣ ምእመናን ክርስትናን ሰዓብቲ እምነት ምስልምናን "ሓዊ ውግእ ከጥፍኡን ሽምዓ ሰላም ከብርሁን" ጻውዒት የቕረበሎም።

እዚ ኸኣ ካብ ወተሃደራዊ ውግእ ኣትሒዙ፣ ኽሳዕ እቲ ምስ መንግስትታት እተወደበ ናይ ገበን ዕጡቓት ሸፋቱን ዘካይድዎ ግጭታትን ከምኡውን ምስ ሰላማውያን ሰባት ዚተሓሓዝ እተፈላለየ ዕጡቕ ግጭታትን ዘመልክ እዩ ።

ገለ ሰባት በቲ "ርኹስ" ንግዲ ኣጽዋር ይሕበኑ

እቲ መልእኽቲ ኣስዒቡ ነቲ ቐጻሊ ዝኾነ መፍረ ኣጽዋርን ከምኡውን ንግዲ ኣጽዋርን ቀንዲ ምኽንያት ውግእ ምዃኑ ብምግላጽ ኣብ ጠንቅታት ግጭታት ዘተኰረ መልእኽቲ ኢዩ። እዚ ድማ ምስቲ "ሰብኣዊ ባህጊ ስልጣንን፣ ምድረ ገጻዊ -ፖለቲካዊ ህርፋንን ከምኡውን ቍጠባዊ ረብሓታትን” ተተሓሒዙ ዝኸይድ ምዃኑ ውን የመልክት ።

ወላእኳ "በቲ ኣዕናዊ ሳዕቤናቱ" ዝሳቐዩ ብዙሓት እንተ ሃለዉ፣ ገለ ካልኦት ግን "በቲ ካብዚ ዘይስነ-ምግባራዊ ንግዲ ዝርከብ ዓቢ ቍጠባዊ ረብሓ ጽቡቅ ጌሮም ዝሕጐሱ" እውን ኣለዉ። ነዚ ሓሳብ እዚ ንምጉላሕ ሓደ ኃው ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝበልዎ ሓሳብት ብምጥቃስ "ኣብ ደም ሓውና ቕጫ ምቑሳይ ኢዩ” ክብል ይምስሎ ።

ኣብ ውግእ ኵሉ ሰብ ይጠፍእ

ንናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ኣብ መንጐ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ሚገል ኣንጀል ኣዩሶ ኺሶን ከምኡውን እቶም ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ዝፈረሙ ጸሓፊኦም የኔታ ኢንዱኒል ኮዲቱዋኩ ጃናካራትንነ ካንካናማሌጅን በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ "ሰላምን ደሓንን ንምርካብ ዘሎ ባህጊ ኣብ ነፍሲ ዅሉ ሰናይ ሰብ ሱር ዝሰደደ ኢዩ " ብምባል የጕልሑ ።

ዕንወት ትሕተቕርጺ ዀነ ንብረት ንህይወት ኣጸጋሚ ወይ ዘይከኣል ከም ዚገብሮ ድማ ገሊጾም ። ኣብ ርእሲ እዚውን እቶም ካብ መረበቶም እተመዛበሉ ከምኡውን ስደተኛታት ብሰንኪ ውግእ ክስደዱ እተገደዱሉ ዘጓንፎም ዘጨንቕ ዅነታት የጕልሑ፣ ብዘየማትእ መገዲ ድማ "ኵሉ ውግእ ቅትለት ዘይረብሕ ዕሽነት ከምኡውን ጸልማት ኢዩ" ከምኡውን "ኣብ ውግእ ኵሉ ሰብ ይጠፍእ" ብምባል ኣትሪሮም ይገልጹ።

ንህይወት ዜኽብር ሕልና ምጥራይ

እዚ ንወርሒ ንራማዳን ምኽንያት ብምግባር ዝተላእከ መልእኽቲ ኵለን ሃይማኖታት ንህይወት ሰብ ከም ሓደ ቅዱስን ክቡርን ነገር ገይረን ስለ ዚርእያኦ ኣኽብሮትን ዕቝባን ክግበር ከም ዚግባእ የዘኻኽሩ። ቍጽሪ እተን ናይ ሞት መቕጻዕቲ ዘለወን ሃገራት በብዓመቱ ይንኪ ምህላዉ እውን ብሓጐስ ይዝክረዎ  ።

"ነዚ መሰረታዊ ኽብሪ ማለት ንህይወት ዘሎና ኣኽብሮት ከም ብሓድሽ ምስ እንግንዘቦ ንውግእ ክነጽጎን ንሰላም ኣኽቢርና ክንርእዮን ኣሎና ንዝብል፣ እምነት ኣበርክቶ ክገብር ይኽእል ኢዩ።"

እዚ መልእኽቲ ሕልና ክህነጽ ከም ዘለዎን "ነቲ ፍጹም ዋጋ ህይወት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከምኡውን ነቲ ኣካላዊ ውሕስነቱን ድሕንነቱን ከምኡውን ንምዕሩግ ህይወት ዘለዎ መሰልን ንምኽባር" ክምልመል ከም ዘለዎ ምሕጽንታ የቅርቡ ። እዚ ንቕድሚት ዚግስግስ መገዲ እዚ "ኣብ ውግእን፣ ንዝዀነ ይኹን ግጭትን፣ ንዅሉ ኲናትን ንምዅናንን ንምንጻግን" ኣበርክቶ ክገብር ዝኽእል ክንዲ ዝኾነ ኢዩ።

ሓዊ ጽልኢ ንምጥፋእ ሓድነት

እቲ መልእኽቲ ነቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ከም ኣምላኽ ሰላምን ምንጪ ሰላምን መጠን ከምኡውን ሰላም መለኮታዊ ውህበት እኳ እንተዀነ ፍረ ጻዕርታት ደቅሰብ እውን ኢዩ ክብል የመላኽት ። ኪምስረትን ኪዕቀብን ድማ ኣለዎ ይብሉ ።

ቀጺሉ ውን እቲ መልእኽቲ ከምዚ ብምባል የጕልሕ - "ነቲ ናይ ጽልእን ዓመጻን ውግእን ሓዊ ኣብ ምጥፋእ ንሕበር፣ ኣብ ክንዳኡስ ኣብቲ ሃብታም ሰብኣውን ሃይማኖታውን ልምድታትና ዝርከብ ምንጪ ሰላም ብምጥቃም ሕያውነት ዝመልኦ ናይ ሰላም ሽምዓ ነብርህ፣" ድማ ይብል።

ኣብ መደምደምታ "ኣብዚ ወርሒ ራመዳን እትጾምዎ ጾምን ካልእ እትፍጽምዎ ሃይማኖታዊ ተግባራትን ከምኡውን 'እቲ መዛዘሚ ዝኾነ ኢድ ኣል-ፊትር ብዙሕ ፍረ ሰላምን ተስፋን ሓጐስን የምጽኣልኩም።' ክብሉ መልእኽቶም ይዛዝሙ።

19 March 2024, 11:05