ድለ

ዮሓንስ መበል 23ን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን፡ ኣብ ማእከል ህዝቢ ዝርከቡ ጓሶት ዮሓንስ መበል 23ን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን፡ ኣብ ማእከል ህዝቢ ዝርከቡ ጓሶት 

ዮሓንስ መበል 23ን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን፡ ኣብ ማእከል ህዝቢ ዝርከቡ ጓሶት

ዓሰርተ ዓመት ይገብር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዮሓንስ መበል 23ን ከምኡውን ንዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ ቅዱሳን እንክብሉ ከም ዝኣወጁን ኣብቲ ታሪኻዊ ህውከትን ወጥርን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብህይወት ዝነበሩ ነቲ ምስ ኢየሱስ ምርኻብ ዝጽግዎ ተስፋን ሓጐስን ዝመስከሩ እንክብሉ ከም ዝገለጽዎም ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃግረ ቫቲካን

ቅዱሳን እንታዎት እዮም? ቅድም ቀዳድም ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብተደጋጋሚ ዘዘኻኽሩና "ብሉጻት" ሰባት ኣይኰኑን። እንተዀነ ግን ኣብ ሓባራዊ ኣተሓሳስባ እንኮላይ ኣብቶም ዘይኣመንቲ እውን ከይተረፈ ቅድስና ምስ ፍሉይነት ተመሳሳሊ ትርጕም እዩ ዘለዎ። ስምካ ኣብቲ ዓውደ - ኣዋርሕ እውን ህልው ኣይኹን።

ይኹን እምበር ኵሎም እቶም እተጠምቁ ናብ ቅድስና ከም ዝጽውዑን እዚ እውን ዓሚቝን ቀጻልን መጽናዕቲ ክግበረሉ ዝግብኦ ናይ ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ ምዃኑ ብምዝኽካር፡ ካብቶም ኣብ ዓውደ - ኣዋርሕ ብቤተ - ክርስትያን ቅዱሳን ተባሂሎም ዝግለጹ ንላዕሊ ብዙሓት ኣብ መዓልታዊ ህይወትን ኣብ ጥቓናን ምህላዎም ኣጒሊሖም ኣብታ Gaudete et exsultate - ተፈስሑ ወተሓሰዩ ዘርእስታ ዝለገስዎ ሓዋርያዊ ም ዕዳን፡ ቅድስና’ "ኣብ ትዕግስቲ ህዝቢ ኣምላኽ - ኣብቶም ንደቆም ብዓብዪ ፍቕሪ ዘዕብይዎም ወለዲ ኣብቶም ንስድራቤቶም ንምድጋፍ ኣበርቲዖም ዝዓዩ ሰብኡትን ኣንስትን ኣብቶም ፍሽኽታኦም ዘየጥፍኡ ብዕድመ ዝደፍኡ ገዳማውያንን ገዳማውያንትን ልኡካነ ወንጌልን ሰባት" ይረአ ኣንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ዘዘኻኽር እዩ።

ዮሓንስ መበል 23ን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን በዚ ቅድስናን ትዕግስትን ሕዝበ እግዚኣብሔር ብሙሉእ ልቦም ኣሚኖም፣ ርእሶም ንኣቦ ኣሕሊፎም ብእኡ ክምርሑ ዝፈቐዱ፣ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ዕለት 27 ሚያዝያ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ዝተርኽብሉ ኩላዊት ቤተ ክርስቲያን ብመራሒኣ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣቢላ ቅድስና ከም ዝኣወጀትሎም ይዝከር።

ኣንጀሎ ሮንካሊን ካሮል ዎይቲላን – ኣብ ቬኒስን ክራኮቪያን ብቕደም ተኸተል፡ ድሒሩኡ ድማ ኣብ ሮማ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብቲ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣገልግሎቶም – ከምቲ ሎሚ ኾርገ ማሪዮ በርጎግልዮ ዝብልዎ፥ “ሽታ ኣባጊዕ ዘለዎም ጓሶት” እዮም ነይሮም። ቁስሊ ክርስቶስ ንኽትንክፉ ዘይፈርሑ ኣብ ማእከል ህዝቢ ጓሶት ኮይኖም ዝነበሩ፣ ኣብ መከራ ናይተን ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ ኣካል ኣሓትን ኣሕዋትን ዝተንከፉ። ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን – ካብ ተኣዛዝን ተባዕን ልቢ ዮሓንስ መበል 23 ዝተወልደ ኣብ መንእሰይ ጳጳስ ካሮል ዎይቲላ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ውዕዉዓት ደገፍቱ ዝነበሩ – ምስሊ ኣካል ክርስቶስ ምስቲ ኣብ ተመክሮ ናይቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ዝግለጽ ናይ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ተመክሮ ዘተኣሳሰር እዩ።

ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ፈለማ ለብዒ ደሓር ከኣ ኣብ ዩክረይን ዝተባርዐ ውግእ ሕጂ ኸኣ እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ሓድሽ ግጭት ብሓደ ተኣኪቡ ስቓይን ፍርህን ህውከትን ይዘርእ ኣሎ። ይኹን እምበር እቲ ሮንካሊን ዎይቲላን ዚነብሩሉ ዝነበሩ እዋን እተሓላለኸ እውን እዩ ነይሩ። ዮሓንስ መበል 23 ናይ ኩባ ቅልውላው ሚሳይል ዝገጠሙን። ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ከም ካህን መጠን ኣብ ሃገሮም ፖላንድ ራዕዲ ናዚ ዝገጠሙ ከምኡውን ከም ኣቡን መጠን ደሓር እውን ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘጋጠሞም ዘስካሕክሕ ዴሳዊ ውልቀ - ምልካዊ ስርዓት ብትንቢታዊ ጽንዓት ኣብ መንጎ እተን ኣብ ዝሑል ውግእ ዝነበራ ኽልተ ቀጽርታት ዓለም እተገብረ ግጭት ናብ ዘደንቕ ምብትታን ሕብረት ሶቭየት ዝመረሐ ሓደ ምዕራፍ ታሪኽ ዓለም ዝዛዘመ ሃዋሁ ዝገጠሙ እዮም።

እዞም ክልተ ኣብ መበል 20 ክፍለ ዘመን ዝነበሩ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ኣብ ግዜኦም ዘጋጠመ መዓት ብተስፋ ምቑራጽ መልሲ ኣይሃቡን። ኣብቲ ሽዑ ከም ሕጂ ንነገራት ንምምሕያሽ ንምሕጋዝ ካብ ምውፋር ብዛዕባ እንታይ ጌጋ ከምዘሎ ከማርሩ ዝመርጹ ዝመስሉ ምስ ዝነበሩ “ነብያት ጥፍኣት” ኣይተጸንበሩን። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነዞም ክልተ ደቂ ቤተ ክርስቲያን ቅድስና ንምእዋጅ ኣብ ዝሰርዕዎ መሰዋዕተ ቅዳሴ ዘስምዕዎ ስብከት፥ ኣብ ዮሓንስ መበል 23ን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን “እምነት ዝያዳ ሓያል ነይራ – ኣብ ተበጃዊ ሰብን ጎይታ ታሪኽን ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ” ዝነበሮም እምነት ብርቱዕ ምንባሩ ገሊጾም፡ እዚ እምነት እዚ ብሓሴት ዝተገልጸ እዩ። እቶም ኣብ ሕይወቶም ምስ ክርስቶስ ዝተራኸቡ ጥራይ ክህብዎ ዝኽእሉ።

. . .  “እዞም ክልተ ቅዱሳን ከም ህያብ ካብቲ ዝተንስኤ ጎይታ ዝተቐበልዎ ተስፋን ሓጐስን ከምዚ ዝበለ እዩ ነይሩ፣ ብግዲኦም ድማ ንህዝቢ ኣምላኽ ብብዝሒ ዘካፈልዎ . . .  እቲ ቅዱስ ኣቦና ዘቕረብዎ ምስጋና ንኽልቲኦም ቅዱሳን ምስ ምሕላፍ ዓመታት ዝሃስስ ዘይኮነስ ሕጂ ካብ ሰማይ ንቤተ ክርስቲያን፣ ንህዝቢ ኣምላኽ፣ ኣብ ምድራዊ ህይወቶም ብፍቕርን ብተወፋይነት ዘገልገሉ ሰባት ክህልዉ ከም ዘማልዱ ኣብ ምእማን ዝተሰርተ እዩ።

27 April 2024, 17:23