ካርዲናል ፓሮሊን ብዛዕባ ቻይና፡ ተኣዛዝነት ንር.ሊ.ጳ. ንፍቕሪ ሃገር ህያው ይገብሮ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መበቆላዊ ዜግነቶም ብዘየገድስ መንፈሳዊ መራሒ ኵሎም ኣብ ዓለም ዘለዉ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን እዮም፡ ይኹን እምበር እዚ ንር.ሊ.ጳ. ምእዛዝ እዚ ነቲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንሃገሩ ኺህልዋ ዘለዎ ፍቕሪ ዘይጎድእ ጥራይ ዘይኰነስ የንጽሖን ህያው ይገብሮን" ዝብላ ልዕሊ ሚእቲ ዓመት ይገብር ናብ ቻይና ናይ መጀመርታ ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ቸልሶ ኮስታንቲኒ ዝተዛረብዎ ቓላት ሎሚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣመላኺቶም፥ ሊቀ ጳጳሳት ኮስታንቲኒ ቀጺሎም እውን "ከምዚ ዝኣመሰለ ሕብረት ካብ ግዳማዊ ፖለቲካዊ ረብሓታት እተዓቝበን ኣብ ባህልን ሕብረተሰብን ጽኑዕ መልህቕ ዘለዋን እምነት ንምርካብ እቲ ዝበለጸ ውሕስነት ኢዩ" ከም ዝበሉን፡ ወንጌል ክርስቶስ ኣብ መሬት ቻይና ሱር ሰዲዱ ምስ ሕብረተሰብን ባህልን እቲ ዓዲ ኸም ዚቃዶ ንምግባር ጸገማትን ምድንጓያትን ምጽራርን እናሃለወ ኽነሱ ደኺመ ከይበሉን ከይተሓለሉን ከም ዘገልገሉ ካርዲናል ፓሮሊን የዘካኽሩ።
ሊቀ-ጳጳሳት ኮስታንቲኒ ነቲ ዕለት 21 ግንቦት ዝኽሪ መበል ሚእቲ ዓመት ዘብዕል ዘሎ ኣብ ቻይና ናይ መጀመርታን እንኮን ሲኖዶስ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዝዀነ ጉባኤ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቻይና ዝወደቡን ዘተባብዑን ምዃኖምን እዚ ዝኽሪ እዚ ምስ ትካል ዜና ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ምስ ሽማግለ ጉዳያት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ቻይናን ምስ ጳጳሳዊ ኡርባኒያኑም መንበረ ጥበብ ብምትሕብባር ኣብ ዝተዳለወ ኣህጉራዊ ዋዕላ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ዘስመሩሉ ሓሳብ ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ንፉዓት ኣመንቲ ንፉዓት ዜጋታት
ከምቲ ናይ ጳጳሳዊ ኡርባኒያኑም መንበረ ጥበብ ሓላፊ ቪቸንዞ ቡዎንዎሞ ኣብ መእተዊኡ እቲ ኣህጉራዊ ዓውደ ጉባኤ ማለት ቀቅድሚ እቲ ኻብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ እተላእከ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ እቲ ፍጻሜ "ታሪኻዊ ዳግመ ህንጸት" ዘይኮነስ፡ እቲ ናይ ሲኖዶውነት ፍጻመ ንባዕሉ ከመይ ከም "መሰረትን መወከስን ናይቲ ክርስትያናዊ መልእኽቲ ኣብ ባህሊ ዘስርጽ ህላወ ትጉሃት ኣመንትን ብሉጻት ዜጋታት ከረጋግጽ ዝኽእል" ኮይኑ ዘገልግል ምዃኑ ሊቀ ጳጳሳት ኮስታንቲኒ ልዕሊ ሓደ ዘመን ይገብር ብዛዕባ እዚ ብዘየማትእ መገዲ ኸም ዘብርህዎ ገሊጾም። "ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቻይናውያን ካቶሊክ ንሃገሮም ኬፍቅሩን ንፍዓት ዜጋታት ኪዀኑን ከም ዘተባብዕዎምን። ር.ሊ.ጳ. ከም ኣምላኽ ንዅሎም ኣህዛብ የፍቅሩ፣ ነታ ክብርትን ኣደ ዓቢይ ህዝቦ ዝኾነት ቻይና የፍቅርዋ እዮም፡ እዚ እውን ንኩለን ሃገራት ዝምልከት ፍቕሪ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ዋጋ ቀዳማይን እንኮን ዋዕላ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቻይና ሎሚ
ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ንድሕሪት ምልስ ቢሎም ዋዕላ ሻንጋይ "ፍሉይ ዋዕላ" እኳ እንተዀነ "ዝያዳ ኣገዳስነት ዘለዎ" ምዃኑ ኣጕሊሖም፥ "ነተን ኣብነቱ ብምስዓብ ኣብተን ቀጺለን ዝነበራ ዓመታት ናይ ገዛእ ርእሰን ሃገራዊ ሲኖዶስ ንምብዓል ዝዳለዋ ብዙሓት ካልኦት ኣስፍሆተ ወንጌል ንዝቐርበለን ሃገራት ኣርኣያ ኢዩ ነይሩ።"
ብመሰረት ካርዲናል ፓሮሊን ብዛዕባ እቲ እተፈጸመ ነገራት ምዝካር ኣብዚ ሕጂ ዘሎ እዋን እውን "ዓብዪ ዋጋ" ኣለዎ፡ እዛ ቤተ-ክርስትያን እዚኣ ብመሰረት ጻውዒት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ህዝቢ ኣምላኽ "ኣብ ህይወት ቤተ-ክርስትያን ሓላፍነት ዝስምዖምን ቀንዲ ተዋሰእትን ክዀኑ" እንክብሉ ጻውዒት ብምቕራብ፡ እዚ እውን ኣብ ሲኖዳውነት ክትጽመድ ዝሃብዎ ምዕዳን ዘረጋግጾ እዩ። እዚ እቲ ካብ ዕለት 15 ግንቦት ክሳዕ ዕለት 12 ሰነ ኣብ ሻንጋይ ዝተኻየደ ቀዳማይን እንኮን ሲኖዶስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቻይና ዘሕለፍዎ ተመክሮ ኢዩ። ከምቲ ሊቀ ጳጳሳት ኮስታንቲኒ፡ “ካቴድራል ዝሃንጹ ትሑታት ሰራሕተኛታት ንመስል . . . እቲ ንድፊ ብናይ ስነ ህንጻ ንድፊ ዝተዋህበ ኮይኑ፡ ነፍሲ ወከፍ ግን ናብቲ ዓቢ ህንጸት ናይ ገዛእ ርእሱ ሕጡብ የምጽእ እዩ። ንዓና ሃንዳሲ ድማ ር.ሊ.ጳ. እዮም። ሰራሕተይናታት ይሓልፉ፡ መንበረ ጴጥሮስ ግና ይቕጽል” ከም ዝበልዎ።
ካብ "ናይ ወጻኢ ተልእኾ ወንጌል" ናብ "ልእኽቲ ወንጌል ቤተ ክርስቲያን"
ካርዲናል ነዚ ሓሳባት እዚ ብኣወንታዊ መዳያት ግን ከኣ ብዘይምዕሩይነት ኣብ ዝልለይ ኩነታት ምንባሩ ኣብሪሆም፡ እዚ ኸኣ ብሰንኪ “ዳርጋ ንበይኑ ህላወ ወጻእተይናታት ካህናትን” ከምኡውን “ገለ ዓንኬላት ልኡካነ ወንጌል ምስቲ ብዓበይቲ ምዕራባውያን ሓይልታት ዝተመስረተ ናይ ምሕጋዝ ኣገባባት ጉስነትን ዝተወሰነ ምትእስሳር ከም ዝነበሮን በዚ ምትእስሳር እዚ እውን ዝውሰን ከም ዝነበረ ገሊጾም፥ ኣብዚ መንጽር እዚ ሊቀ ጳጳስ ኮስታንቲኒ በቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 15 Maximum Illud - ልዑል ተልእኾ ብዝብል ኣርእስቲ ብዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊት መልእኽቲ ዝተደፋፍአ ተልእኾ ወንጌልን ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብን ኣገባባቶም ኣንቢሮምን እዚ ድማ ኣብ ቻይና ሓፈሻዊ ሲኖዶስ ቤተ ክርስቲያን ክግበር ኣለዎ ናብ ዝብል “እምነት” ከምርሑ ከም ዝገበሮም ካርዲናል ፓሮሊን ኣብሪሆም፥
ይኹን እምበር፡ ፈለማ፡ ሊቀ ጳጳስ ኮስታንቲኒ፡ “ብብጻይነትን (ፍቕርን) ተወፋይነትን “ወንጌል ናብ ቻይና ዘምጽኡ . . . ብዙሓት ወጻእተይናታት ልኡካነ ወንጌል” ኣፍልጦ እናሃቡ፡ እምነት ካቶሊክ ምስ ህይወት ቻይናውያን ብዝበለጸ ንምውህሃድ ጻዕሪ ክግበር ከም ዘለዎ” ዝተረድኡ ከም ዝነበሩን . . . ካብ ኣምር ‘ናይ ወጻኢ ተልእኾታት’ ናብ ‘ልእኽቲ ወንጌል ቤተክርስትያን’ ንምስግጋር ህጹጽ ምዃኑ ከም ዘስተውዓሉ” ካርዲናል ፓሮሊን ኣስተብሂሎም፥ ስለዚ ድማ እዩ ናይ ደቀባት ካህናት ሱታፌ ንምስጓም ኣዳልይ ዝኾነ።”
በዚ ዕላማ እዚ፥ “ኣብ 1926 ዓ.ም. ቅብእት ቐዳሞት ሽዱሽተ ቻይናውያን ጳጳሳት ዝደገፉ፣ ብተመሳሳሊ ዕላማ ድማ ኣብታ ዝቐጸለት ዓመት ጉባኤ ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ” ከም ዝቖመ ካርዲናል ፓሮሊን የዘኻኽሩ።
ብጀካ እዚ፡ ብናይ ቻይና ስነ-ጥበባውን ስነ-ህንጻውን ቅርጽታት ኣቢሉ ድማ እምነት ካቶሊክ ዝያዳ ጭቡጥ ክኸውን መገዲ ከም ዝኸፈተን እዚ እውን ብህልትውና ምዃኑ ሓቢሮም፥ በዚ መሰረት እውን ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝቐርብ ዝነበረ ነቐፌታን ብመራኸቢ ብዙሓን ዝንዛሕ ዝነበረ ጸረ ጎስጓሳት ብተግባር መልሲ ይህቡ ነይሮም ኢሎም።
ምሕዳስ እቲ ስምምዕ
እቲ ሊቀ ጳጳሳት ኮስታንቲኒ ዝሓደግዎ ውርሻ ኣብዚ ግዜና በጺሑ እዩ፡ እዚ ኸኣ በቲ ኣቡናት ንምሻም ካብ 2018 ዓ.ም. እተገብረ ግዝያዊ ስምምዕ ኣቢልካ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይናን ምስ ጳጳሳትን ዘሎ ጽቡቕ ርክብ ኣብ ምድልዳል ይረኣ ከም ዘሎ ገሊጾም፡ እዚ ኸምዚ ኢሉ እንከሎ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ መደረኦም "ኣብ ቻይና ርጉእ ህላወ ቤተ ክርስቲያን" ንኽህሉ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፥ ዋላ ኣብ መጀመርታ መልክዕ ጳጳሳዊ ውክልና ወይ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ክሕዝ እንተዘይከኣለ ገና ርክባትና ክውስኽን ከዕምቖን ከም ዝኽእልን እዚ ድማ ዕላማና'ዩ" ከም ዝበሉን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ባህሊ ቤተ ክርስቲያን
“ኣብ ቻይና እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ምስ ፍቓድ እግዚኣብሔር እትሰማማዕ፣ ብሉጽ ባህላዊ ውርሻ ቻይና እትቕበልን ሎሚ ብሕብረተሰብ ቻይና ተቐባልነት እትረክብን ቅድስትን ካቶሊካዊትን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምህናጽ ንርከብ - ቻይናዊ ናይ ሻንጋይ ኣቡን ጁዘፐ ሸን በን እውን ብወገኖም ብዛዕባ ህሉው ኵነታት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኣብ ሃገሮም እንክሕብሩ፥ "ምዕባለ ቤተ-ክርስትያን ቻይና ንወንጌል ክርስቶስ እሙን ክኸውን ኣለዎ እዚ እውን "ንባህላዊ እምነት ካቶሊክ" እሙን ምዃን ማለት እዩ፥ ምስ በሉ ኣብ 1949 ዓ.ም. እታ ሓዳስ ቻይና ኣብ እተመስረተትላ ዓመት፥ ቤተ-ክርስትያን "ነቲ ሓድሽ ፖለቲካዊ ስርዓት ብቐጻሊ ክትለምዶ እናጸዓረት ወትሩ ንእምነት ካቶሊክ እምንቲ ዀይና ከም ዝቐጸለትን፥ ኣብቲ ግዜ "እቲ ብመንግስቲ ቻይና እተኣታተወ መምርሕታትን ሕግታትን ናጽነት እምነት ካቶሊክ ንምቕያር ዝኣመተ ከም ዘይነበረን የግዳስ ካህናትን ምመናንን ንረብሓታት ህዝቢ ቻይና ኺጣበቑን ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ሃገራት ናጻ እዮም ዝብል ተስፋዝገበረ እዩ” እንክብሉ ከም ዘብርሁ ኣፍሊጡ።
ናይ ሕሉፍ ጸገማት
ኣቡን ሸን ቢን እቲ ሽዑ ዋና ጸሓፊ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ዝነበረ ሺ ዦንግሱን መንግስቲ ቻይና ነቶም ምስ ቫቲካን ሃይማኖታዊ ርክብ ዘለዎም ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ከም ዘይጻረሮም ኣረጋጊጹ፥ "ንረብሓታት ህዝቢ ቻይና እንተ ዘይተቓዊሞምን ንልዑላውነት ቻይና እንተ ዘይጥሒሶምን ጥራይ እዩ፥ ቫቲካን እውን ነቲ ኣብ ቻይና ዘለዋ ጽልኢ ዝመልኦ ዘምስል መምርሕታት ኸም ዝቐየረቶ ኣዘኻኺሮም፥
ኣቡን ሻንጋይ ነቲ ኣብ መንጎ ቤተ-ክርስትያንን ቻይናን ዘሎ ጸገማት እውን ዘኪሮም፥ እዚ ኸኣ ገለ ካብቲ ብሰንኪ "ናይ ኣውሮጳ ባህላዊ ጸብለልትነት ሓያል ስምዒት" ናይቶም "ንክርስትያናዊ ሃይማኖት ተጠቒሞም ንማሕበረሰብን ባህልን ቻይና ክቕይሩ ዝሓሰቡ ብዝነበረ ልኡካነ ወንጌል ዝነቐለ እዩ።።
እዚ ኸኣ "ብብዙሓት ቻይናውያን ተቓውሞ ክቕርቦን ከምኡውን "ናይ ወንጌል ፍቕሪ ኣብ ህዝቢ ቻይና ንኸይዝርጋሕ ዕንቅፋት ኰይኑ ኢዩ።"
መገዲ ብህልትውና
ሎሚ ቻይናውያን "ብዘመናዊ ኣገባብ ሃገሮም ኣቢሎም ንህዝቢ ቻይና ዓብዪ ምሕዳስ" ክገብሩ ኸለዉ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን "ናብ ሓደ ኣንፈት ክትጐዓዝ ኣለዋ" እዚ ማለት ድማ ምስ ሕብረተሰብን ባህልን ቻይና ዝሰማማዕ መገዲ ብምስዓብ” ቢሎም ንቻይናውያን ካህናትን ምእመናንን፥ "ንሃገሮምን ንቤተ-ክርስትያኖምን ከፍቅሩ ንዕቤት ቤተ-ክርስትያን ከኣ ምስ ህዝቢ ኣጸቢቖም ከተሓሕዝዎ" ጻውዒት ኣቕሪቦም። ኣብዚ መዳይ እዚ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ "ንፉዕ ክርስትያን ምዃን ንፉዕ ዜጋ ምዃን ጥራይ ዘይኰነስ ዘይንጸል ክፍሊ ናይቲ ክርስትያን ምዃን ኢዩ" እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ይጠቕሱ።
መደረ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ
ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ናይ ቻይና ተቕዋም ማሕበራዊ ስነ ፍልጠት ፕሮፈሰር ዠንግ ሺያኦዩንን ፕሮፌሰር ሊዩ ጉኦፐንግን ዠንግ ሻዮዩን መደረ ከም ዘስመዓን ፕሮፈሰር ሺያኦዩን፥ ሎሚ ኣብ ቻይና ብመሰረት መንግስቲ 98 ሃገረ ስብከታት፡ 9 መንፈሳዊ ማሕበራትን፡ 6,000 ኣብያተ ክርስቲያናት፡ ከምኡ’ውን 6 ሚልዮን ኣመንቲ፡ ልዕሊ 8,000 ገዳማውያንን ልኡካነ ወንጌልን ኣብ ትሕቲ “ምሉእ ውሕስነት ሃይማኖታዊ ናጽነት” ከምዘለዉ ሓቢራ፡ እቲ ኣብ መንጎ ቻይናን ቅድስቲ መንበርን እተገብረ ስምምዕ ኪሕደስ ተስፋ ኸም ዘለዋ ድማ ከም ዝገለጸት ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ድሕሪኡ ኣብ መንበረ ጥበብ ካቶሊክ ሚላን ናይ ቻይና ታሪኽ መምህር ዝዀነት ፕሮፌሰር ኤሊሳ ጃንፒየሮ "ልኡካነ ወንጌል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ቻይናን ዓለምን ዘሕደርዎ ኣገዳስን ብዙሕ ግዜ ትሑተ ግምት ዝወሃቦ ጽልዋ " ዘኪራ ኣስዒባ እውን - "ካብታ ኣብ ቻይና ዘላ ቤተ-ክርስትያን ነታ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ናይ ተልእኾ ወንጌል ዞባታት ዝቐየረ ድራኽ ክህሉ ኣበርክቶ ከም ዝገበረን እዚ ድማ፥ "ንባህሊ ኣውሮጳ ዘይትጸውር ጥራይ ዘይኰነስ" ኩላዊት ቤተ-ክርስትያን ኣብ ኣእምሮኣ ንኽትስእል ሓጊዝዋ ኢዩ።" "ቅድስቲ መንበር ነቲ ዋዕላ ንምብዓል ብጽንዓቱን ብተግባራቱን ... ኣብ ካህናት ቻይና ኸም እትውከል ከም ዝገበራን።"
"እዚ ንቤተ-ክርስትያን ኣብቲ ስዒቡ ዝነበረ ዓሰርተታት ዓመታት ንዝነበረ ጸገማት ንኽትጻወሮ ብዙሕ ሓጊዝዋ ኢዩ" ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።