ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ወርሒ ሓምለ ናብ ዩክረይን ምብጻሕ ከካይዱ ኢዮም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ጳጳሳዊ ተወካሊ ገይሮም ብምሻም፣ ኣብ ዓመታዊ ንግደት ላቲናዊ ሥርዓት ዝኽተሉ ዩክረይናውያን ናብቲ ኣብ በርዲቺቭ ዝርከብ ሃገራዊ መካነ ንግደት ቅድስቲ ማርያም ዘደብረ ቀርሜሎስ ንኽሳተፉ መዘዝዎም።
ብመሰረት እቲ ብቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብቲ ሰንበት 21 ሓምለ 2024 ዝካየድ ናይ መዛዘሚ ጽምብል ናይቲ ንግደት ኪመርሑ እዩም።
ቤተ መቕደስ በርዲቺቭ
ዓመታዊ ብገምጋም 4000 ዝዀኑ ነጋድያን ንኣይቆና ኣደ ኣምላኽ ንምኽባር ናብቲ ኣብ ዩክረይን እቲ ዝዓበየ ናይ ላቲናዊ ሥርዓት ዝኽተሉ ጽንብል ዝዀነ ኣብ ዞባ ዛይቶሚየር ዝርከብ ቤተ-መቕደስ በርዲቺፍ ብምኻድ ንግደት ይፍጽሙ ኢዮም።
እቶም ዕራቀ እግር ካህናት ዘደብረ ቀርሜሎስ ዝተሰምዩ ማሕበር ነቲ ቤተ መቕደስን ገዳምን ናይ ምምሕዳርን ምክንኻንን ሓላፍነት ኣለዎም ። ነቲ ብግዜ ሶቭየት ዝወረደ ጕድኣት ንምጽጋን ኣብዚ ኣብ መበል 17 ዘመን እተመስረተ ታሪኻዊ ቦታ ብዙሕ ጽዒሮም እዮም።
እታ ኣብ ታሕተዋይ ክፋል ናይቲ ቤተ-ክርስትያን ዝርከብ ቦታ ክፍሊ ናይቲ ገዳም ኮይኑ፣ ካህናት ዘደብረ ቀርሜሎስ ኣብ ግዜ ከቢድ ኩነታትን ደብዳባትን ውግኣትን ነቶም ኣብቲ ኸባቢ ዝነብሩ ሰባት ከም መዕቈቢ ገይሮም ይጥቀሙሉ ዝነበሩን ዘለዉን ኢዩ።