ካርዲናል ፈርናንደዝ ምስ ፓትሪያርክ ተዋድሮስ ዳግማዊ፥ “Fiducia supplicans - ስኢል ተኣም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዕለት 22 ግንቦት ናይ መላእ ምስሪ ኦርቶዶክሳዊት ቆጵጣዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ተዋድሮድስ ዳግማዊ ኣብ ካይሮ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ቪክቶር ማኑኤል ፈርናንደዝ ተቐቢሎም፥ ብዛዕባ ኣዋጅ “Fiducia supplicans - ስኢል ተኣምኖ” ከምኡ እውን ብዛዕባ “መውስቦ ተመሳሳሊ ጾታ” ብዝምልከት ዕለት 7 መጋቢት ቅዱስ ሲኖዶስ ቆጵጣዊት ቤተ ክርስቲያን ዘመሓላለፎ ኣዋጅ ኣማኪሎም ከም እተዘራረቡ ናይ ምስሪ ቆጵጣዊት ቤተ ክርስቲያን ዘውጸኦ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ካርዲናል ፈርናንደዝ ንብጹዕ ወቅዱስ ፓትሪያርክ ተዋድሮድ ዳግማዊ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘመሓላለፉሎም ሰላምታ ኣቕሪቦም፡ እቲ ዝተኻየደ ርክብን ዝተገብረ ዘተን እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ብናይ ቅድስቲ መንበር ጉዳይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት Fiducia supplicans - ስኢል ተኣምኖ” ዝብል እርእስቲ ዝደንገጎ” ውሳኔ ናይ ምስሪ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊ ቆጵጣዊ ቤተ ክርስቲያን ዘይቅቡል እንክብሉ ዘመሓላለፎ ውሳኔ ማእከል ዝገበረ ምንባሩ ዜና ቫቲካን ናይ ምስሪ ቆጵጣዊት ቤተ ክርስቲያን ሓበሬታ ጠቒሱ ከመላኽት እንከሎ፥ ካርዲናል ፈርናንደዝ ኣብቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ Fiducia supplicans - ስኢል ተኣምኖ” ዝብል እርእስቲ ዘለዎ ናይ ውሳኔ ሰነድ ኮነ እቲ ስዒቡ ዝመጸ Dignitas infinita - ክብር ዘኣልቦ ጽንፍ ዘርስቱ ሰነድ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሰረተ - እምነት ዛዕባ መውስቦ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ሕብረት ጥራይ ምዃኑን ነቲ "ሓደኣዊ ጾታዊ መርዓ" ኸም ዝጻረሮን ዘረገግጽ ምዃኑን ነዚ ሰረተ እምነት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያ ዘውሕስን እውን እዩ እንክብሉ ከም ዘብርሁ ኣመላኺቱ፥ ዕለት 7 መጋቢት ቆጵጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሲኖዶስ ዝሃቦ ውሳኔን ዘመላኽቶ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እትካፈሎ ከም ዝኾነትን ብዛዕባ ጉስነታዊ ኣቀራርባ ዝምልከት ምዃኑን እዚ እውን እወንታዊ ራእይ ከም ዘለዋ ኣብሪሆም ክምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ Fiducia supplicans - ስኢል ተኣምኖ” ናይ ውሳኔ ሰነድ ዝበልዎ፥ እቲ ቡራኬ ነቲ ሰብ እምበር ነቲ ዝቐውም ህብረት ኣይኮነን። ክልተ ሰባት ብሓባር ቀሪቦም ቡራኬ እንተ ድኣ ሓቲቶም፥ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ምልክት መስቀል ብምግባርን ሓጺር ጸሎት ብምውሳኽን ክባረኹ ይኽእሉ እዮም። እዚ ግን ንሓጺር እዋን፡ ብፍቓድ፡ ብዘይ ዝኾነ ስርዓት፡ ብዘይ ስርዓተ ኣምልኾ፡ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ነዚ ቡራኬ ምስ መርዓ ከደናግር ዝኽእል ግዳማዊ መግለጺ ክኸውን ኣለዎ” እንክብሉ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
እቲ ኣገዳሲ ነገር እዚ ዓይነት ተራን ድንገታውን ጓሳውን ቡራኬ ኣብ መገዲ ኣብ እዋን ንግደትን ኩሉ ሰብ ኩነታቱ ብዘየገድስ ክቕበሎ ከም ዝኽእል ገሊጾም። ኣብዚ ጉዳይ እዚ – ካርዲናል ፈርናንደዝ እቲ – ሕቶ "ቀዳሲ ጸጋ ዝምልከት ናይቶም ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን "ጭቡጥ ጸጋታት" ቢላ እተገልጾም ሓገዛት መንፈስ ቅዱስ፡ ንሓጥእ ናብ ምልዋጥን ብስለትን ዝደፍእ እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ዘተ ፓትሪያርክ ተዋድሮስ ዳግማዊ ንካርድናል ፈርናንደዝ ብዛዕባ ታሪኻዊ፡ ባህላውን ማሕበራውን ስነ - ምግባር ህዝቢ ምስሪ፡ ኣብ ምሉእ ታሪኹ ምስ ሩባ ዓቢይ ብቐረባ ዝተኣሳሰር ምዃኑ’ውን ከም ዝሓበረዎምን ካርዲናል ፈርናንደዝ ኣብቲ ኣብ ካይሮ ኣብ ዘካየድዎ ምብጻሕ ምስ ካልኦት ፓትርያርክን ጳጳሳትን - ካቶሊካውያን፡ ኦርቶዶክሳውያንን ፕሮቴስታንትን - ተራኺቦም ምስ ናይ ዓንቀጸ እምነት ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዘራኽቡ ጉዳያት ከም እተመያየጡ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።