መደብ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህጻናት፡ "ህጻናት ኣብ ማእከል" መደብ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህጻናት፡ "ህጻናት ኣብ ማእከል"  (Vatican Media)

መደብ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህጻናት፡ "ህጻናት ኣብ ማእከል"

ኣብ ሮማ ካብ ዕለት 25 - 26 ግንቦት ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ህጻናት ሮማ ኣብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ ናይ እግሪ ኩዕሶ ሜዳ ‘ስታዲዮም ኦሎምፒክ” ብሓባር ኣህጉራዊ መዓልቲ ህጻናት ከብዕሉ እዮም። እቶም ን101 ሃገራት ዝውክሉ ባህላዊ ክዳን ዝለበሱ ህጻናት ዘራኽብ ዓቢይ በዓል፡ መልእኽቲ ሰላም ዘቕርብ ከም ዝኾነን ድሕሪ ቀትሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ በዓል ተረኺቦም ካብ ህጻንት ንዝቐርበሎ ሕቶታት ክምልሱን ዕለት 26 ግንቦት ሰንበት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስነቶም ብዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴን ኢጣሊያዊ ናይ ፊልም ደራስን ቀራጽን ተዋሳእን ሮበርቶ በኒኚ፥ በይናዊ ቃለ ምርኢት ምስ ኣቕረቡ ክዛዘም እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይቲ ፍጻሜ ቀንዲ ተዋሳእቲ ዝኾኑ ህጻናት ኣብ ኩሉ ሰብ ኣብ መጻኢ ንቤተክርስትያንን ንሕብረተሰብ ደቂ ሰባትን ተስፋ ዘበራብር ዓቢ ቤተ ክርስቲያናዊ ምትእኽኻብ ከም ዝኾነን ናይ ትምህርትን ባህልን ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ኾሰ ቶለንቲኖ ደ መንዶንሳ ዋጋ ናይቲ ካብ ዕለት 25 - 26 ግንቦት ኣብ ሮማ ዝካየድ ዓለም ለኸ መዓልቲ ህጻናት ዝርዝር መደባት ንምቕራብ ዕለት 16 ግንቦት ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ህንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም፡ ክብርታት ናጽነትን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ምትሕግጋዝን ካብ ንእስነቶም ኣትሒዞም ከመሃሩን ከመሓላልፍዎን ከምዝኽእሉ ኣዘኻኺሮም፡ በዚ መንጽር እዚ፡ እቲ መዓልቲ ህጻናት ምልክት ሕብረትን "ትንቢት" ሓድነትን ሰላምን ዘቕርብ ምዃኑ ይሕብሩ።

ተበግሶታት ኣብ ዝተፈላለያ ናይ ከባቢ ኣብያተ ክርስቲያናት

እቶም ካርዲናል ኣብዚ ዓለም ለኸ መዓልቲ ህጻናት ብዙሓት ጉጅለታትን ማሕበራትን ውልቀ ሰባትን ኣብ ሮማ ክእከቡ ከም ዝኾኑን እቲ ፍጻመ ብደረጃ ሃገረ ስብከት ዝካየዱ ተበግሶታት እውን ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ብመሃዝነት ዝተፈላለያ ናይ ከባቢ ኣብያተ ክርስቲያናት ዝተገደፈ እዩ። እዚ ድማ ንመላእ ኣብ ዓለም ዝርከብ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ንምስታፍ ኮይኑ፡ ስለዚ እቲ ኣኼባ ኩሉ ሰብ ከም ህጻናት ኮይኑ ነቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝለዓዓል ምህዞታት ንኽነብር ዝዕድም እዩ ኢሎም። ኣስዒቦም እውን ኣተሓባባሪ ናይቲ መዓልቲ ሕጻናት ኣባ  ኤንዞ ፎርቱናቶ፡ "ዓለማዊ ማዕቅፍ" ናይቲ ፍጻመ ኣስሚሮም፥ "ናይ ተስፋን ንጐይቶት ውግእን መልእኽቲ እዩ። ንዓለም ብዓይኒ ህጻናት ክንጥምታ ንደሊ፡ ንሳቶም ድማ ተስፋ መጻኢ ህዝቢ እዮም።" ገርሄይና ልቦም "ህያብ ኣምላኽን ነቶም ክቕበልዎ ዝደልዩን ተኽእሎ ሰላምን” ዝውክል እዩ እንክብሉ ገሊጾም ብመሰረቱ እቲ መዓልቲ ህጻናት፡ ንብዙሓት ህጻናት ዝምዝመዙ፡ ዝቖሰሉ፡ ብስእነት መግብን ማይን ብዓመጽ ንዝሳቐዩ፡ እንጀራ ዘይኮነስ ዕጥቂ፡ ቃል ፍቕሪ ዘይኮነ ቃል ጽልኢ ንዝወሃቦም ህጻናት ንዝነብርዎ ዘሕዝን ኩነታቶም መልሲ እዩ ኢሎም።

 እቲ መደብ

ቀጺሎም ናይቲ መዓልቲ ህጻናት መደባቱ ብስእላዊ መግለጺ እንከቕርቡ፡ ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ ንግሆ ቁሸት ህጻናት ክኽፈትን ብድሕሪኡ ድማ ሮማ ኣብ ዝርከብ ኦሎምፒክ ስታዲዮን ብወግዒ እቲ በዓል ክኽፈት እዩ። ጋዜጠይና መድርኻት ተለቪዥን መራሒ ካርሎ ኮንቲ ነቶም ባህላዊ ክዳውንቲ ዝለበሱ ን101 ሃገራት ዝውክሉ ህጻናት ዘሳተፍን ሰላም ንምምጻእ ዝዓለመ መልእኽቶም ዘቃልሕ መደብ ክመርሕ እዩ። ስዒቡ ቃል ሰላምታ ካርዲናል ደ መንዶንሳን መራሒ ውሁድ ጥዑም ሙዚቃ ኣባ ማርኮ ፍሪሲና ዝተዳለወን ብመዘምራን ዘኪኖ ዲ ኦሮን መዘምራን ጋላስያ ደል ኣንቶንያኑም ብጠቕላላ 1500 ህጻናት ዝሓቑፍ ጉጅለ ህጻናት መዘምራ ምርኢት ክቕርቡ እዮም። ድሕሪኡ፡ ገለ ንኣሽቱን "ዓበይትን" ስነ - ጥበባውያን ከም በዓል ሬናቶ ዜሮ፡ ኣል ባኖ፡ ኦሪየታ በርቲ፡ ካሮሊና ቤንቨንጋ ዝኣመሰሉ ህቡባት ኢጣልያውያን ደረፍቲ ዘሳተፈ ምርኢታት ክቐርብ እዩ። ነዚ ስዒቡ መንፈሳዊ ኣስተንትኖን ምስክርነትን ክቐርብ እዩ። ናይ ሕጻናት ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ሓላፊት ፈጻሚ ኣካል ካትሪን ራስል መደረ ከተስምዕን ኢጣሊያዊ ናይ ፊልም ተዋሳእን ደራስን መስሓቕን ሊኖ ባንፊ፡ ናይ ቀረጻ ፊልም መራሒ ማቴዮ ጋሮን ምስ ቀንዲ ተዋሳኢ ናይታ ዳሕረወይቲ "ኢዮ ካፒታኖ" ኣብ ዘርእስታ ፊልሙ ቀንዲ ተዋሳኣይ ሰኔጋላዊ ሰይዶ ሳር ዝርከብዎም ቃል ከስምዑ እዮም።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ስታድዩም ኦሎምፒክ

ድሕሪ ቐትሪ ር.ሊ.ጳ. ፍራንችስኮ ናብ ስታድዩም ክኣትዉ ትጽቢት ይግበር። ድሕሪ እቲ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ህሞት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ መላእ ዓለም ብዝመጹ ወከልቲ ህጻናት ንዝቐረቡ ሕቶታት ክምልሱ እዮም። ብድሕሪኡ ንሓሙሽተ ደቓይቕ ዝጸንሕ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ኣብ መንጎ ህጻናትን ገለ ዓለምለኻዊ ፍሉጣት ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ክካየድ ምዃኑን እዚ ድማ ብነበር ሓላዊ ልዳት ናይ ኢጣሊያ ሃገራዊ ጋንታ ኲዕዞ እግርን ናይ ጋንታ ዮቨንቱስን ጂያንሉይጂ ቡፎን ዝምራሕ እዩ። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነዚ መደብ ግጥም ኲዕሶ እግሪ ከጀምሩ ከም ዝኾኑን ስዒቡ ‘ቀጽሪ ናይ ጸሓይ’ እተሰምየ ምርኢት ክቀርብ እዩ። እቲ መደብ ኣብ መላእ ዓለም ብዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሓን ክመሓላለፍ እዩ።

ቅዳሴ ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ

ሰንበት ዕለት 26 ግንቦት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብር.ሊ.ጳ. ዚምራሕ መስዋዕቲ ቅዳሴ ቅድሚ ምጅማሩ ባህላዊ ኽዳውንቲ እተኸድኑ ቘልዑ ኺኣትዉ እዮም ድሕሪ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ድሕሪ ምድጋሞም ኸኣ ናይ ፊልም ደራስን ቀራጽን ተዋሳእን ሮበርቶ በኒኚ ነቲ ኣብታ መዓልቲ በይነ - ትዋስኦ ክቐርብ እዩ። ስዒቡ ናይ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ቅዱስ ኤጂዲዮ ኣቦ መንበር ማርኮ ኢምፓሊያዞ ኣብ ዝሃብዎ መገልጺ፥ እቶም ሕጻናት ባዕሎም ዘዳለውዎ ስእልታትን ደብዳበታትን ስራሓትን ከቕርቡን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጥራይ እዮም ንደቂ ሰባት ምስ ገዛእ ርእሶም ንኺዕረቑ ኺሕግዙ ዝብል ሓሳብ ጽዘቓልሕ መልእኽቲ ህጻናት ክቐርብን ኣብዚ ድማ መብዛሕትኦም ካብቶም ኣብኡ እተኣከቡ ቘልዑ ብናይ ግብረ - ሰናይ መተሓላልፎ ገለ ኻባታቶም ካብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ገሊኣቶም ካብ ኣፍጋኒስታን ገሊኣቶም ከኣ ካብ ሶርያ ዝመጹ ገለ ካብ ኣብኣታቶም ኣብ ኡጋንዳ ኬንያ ሊባኖስ ወይ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከብ መእለይ ስደተይናታት እተወልዱን ከምኡ እውን ካብ ዩክሬይን ዝመጹ ብጠቕላላ ካብ 7 ክሳዕ 11 ዝዕድሚኦም ህጻናት ክሳተፉ ምዃኖም ሓቢሮም፥ ዓለም ለኸ መዓልቲ ህጻናት፥ 'ሰብኣዊ ፍጥረት ንስቓይ ቈልዑ ከም ልሙድን ቅቡል ገይሩ ይነብሮ እንተ ደኣ’ሎ ዝሓትት ኮይኑ ነዚ ሕቶ ህጻናት እዚ መልሲ ንኽንህብ ዝጽውዕ ፍጻመ እውን ምዃኑ ይሕብሩ።

ምስክርነት ክልተ ተምሃሮ

ድሕሪኡ ክልተ መንእሰያት ሃና ኢሞርዲ፡ ካብ ናይጀርያ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ብማእከላይ ባሕሪ ኣቢላ ናብ ኢጣሊያ ዝኣተወትን፡ ከምኡ’ውን ራሂላ ሳያ፡ ካብ ኣፍጋኒስታን ዝመጸት ንደቂ ሃገራ ደቂ ኣስንትዮ ድምጺ ዝኾነት ስደተይናን ሮማ ኣብ ዝርከብ ላ ሳፒየንዛ መንበረ ጥበብ ዓውሎማዊ ሰነ ሰብኣውነት መጽናዕቲ ዝመሃራ ምስክርነት ከቕርባ እየን።

ኣብ መወዳእታ ምኽትል ኣተሓባባሪ ናይቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህጻናት ኣልዶ ካይኖሊ፡ እዚ ፍጻመ እዚ ጉዕዞ ከም ዝኸውንን ንቕድሚት ዘሰጉም መገዲ ዘንብርን እዩ እንክብል፡ ናይ ርእሰ ዞባ ላዚዮ ፍራንቸስኮ ሮካ ኣብ ሮማን ከባቢኣን ነቶም ኣብቲ ዓለም ለኸ መዓልቲ ህጻናት ዝሳተፉ ዝቐርብ እንግዶትን መጓዓዝያን ኣብ ዝምልከት ጉዳይ መግለጺ ምስ ሃበ ናይ ከተማ ሮማ ከንቲባ ሮበርቶ ጓልቲየሪ፡ ኣብ ምውዳብ እቲ ‘ፍጻመ’ ንምትሕብባር ዝተኣተወ ቃል ከም ዝሓበሩን፡ ኣቦ መንበር "ስፖርትን ጥዕናን" ማርኮ መዛሮማ፡ ኦሎምፒክ ስታዲዮም ነዚ ፍጻመ እዚ ከአንግድ ዓቢ ዕድል እዩ ኢሉ።

17 May 2024, 15:42