TOPSHOT-FRANCE-CLIMATE-FIRE TOPSHOT-FRANCE-CLIMATE-FIRE  (AFP or licensors)

ዓለምለኻዊ ኽኢላታትን መራሕቲ ሃገራትን ኣብ ዋዕላ ክሊማ ሃገረ ቫቲካን ይጋብኡ

ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠትን ዞባውያንን አከባብያውን መራሕትን ከምኡ ውን ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዝርከባ መናብርተ ጠበብ ዝመጹ ክኢላታትን "ካብ ምዝባዕ ኣከባቢያዊ ኩነታት ኣየር ኽሳዕ ተጻዋርነት ኩነታት ኣየር " ዘርእስቱ ብጳጳሳዊ ተቅዋም ስነ-ፍልጠትን ከምኡ ውን ብጳጳሳዊ ተቅዋም ሕብረተሰብኣዊ ስነ-ፍልጠትን ዘተሰናደወ ዋዕላ ንምክያድ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ይርከቡ ኣለው።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ እተፈላለዩ ዅርናዓት ዓለም ዝመጹ ኽኢላታትን መራሕትን ነቲ ንምድሪ ኣንጸላልይዋ ዘሎ ምዝባዕ ኣከባቢያዊ ኩነታት ኣየር ንምግምጋም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተጋቢኦም ይርከቡ ኣለዉ ። እቲ ብቅድስቲ መንበር እተሰናደወ ዋዕላ ብጳጳሳዊ ተቕዋም ስነ-ፍልጠትን ከምኡውን ብጳጳሳዊ ተቕዋም ሕብረተሰብኣዊ ስነ-ፍልጠትን ማእከልነት ዝምራሕ ዘሎ ዋዕላ “ካብ ቅልውላው ኣከባቢያዊ ኩነታት ኣየር ክሳብ ተጸዋርነት ክሊማ” ዘርእስቱ ንሰለስተ መዓልቲ ዝወስድ ዋዕላ የካይዱ ኣለዉ።

ሓሳባትን መፍትሒታትን ምልውዋጥ

እቲ ካብ 15 ኽሳዕ 17 ግንቦት ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ብዛዕባ ለውጢ ዅነታት ኣየር ንክኢላታት ምስ ከንቲባታት ከተማን መራሕቲ መንግስትን ዘተሓባብር ጉባኤ ኢዩ። እዞም ተጋባእቲ ድማ ካብ ክፍሊ ዓለማት ኣመሪካን እስያን ኣፍሪቃን ዝመጹ እዮም ። ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዚርከቡ መናብርተ ጥበብ  ዝመጹ ተመራመርቲ እውን ኣብዚ ዕዮ እዚ ይካፈሉ ምህላዎም ውን ተፈሊጡ ኣሎ ። ኣባላት እቲ ዋዕላ ኣብቲ ኣብ ከተማ ቫቲካን ዚግበር መርሓ ግብር ናይ ገዛእ ርእሶም መደረታትን መጽናዕትታትን ውን የቕርቡ ኣለዉ ።

ተጻዋርነት ክሊማ ምድንፋዕ

እቶም ኣብቲ ዋዕላ እተሳተፉ ተሳተፍቲ ንክበድ ናይቲ ንዓለምና ኣጋጢምዋ  ዘሎ ቕልውላው ኣከባቢያዊ ኩነታት ኣየርን ከምኡ ውን ምውሳኽ ሙቐት ዓለምን ኣብ ዝቕጽል  ኣብ መጀመርታ 2030ታት ብ1.5 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ልዕል ክብል ምዃኑ ምስ ሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ብኸመይ ከም ዝወሰከ ብምግንዛብ ኣፍልጦ ይህቡሉ ኣለዉ። ነቲ ዓለምለኻዊ ኣጠቓቕማ ናይቲ ሙቐት ዘዛብዕ ዘሎ ብከላ ንምቕናስ እተገብረ ጻዕርታት ኣብ ግምት ብምእታው፣ እዚ ብራኸ ናይ ሙቐት እዚ ኣብ ዝመጽእ ፍርቂ ዘመን ዝለዓለ ክኸውን ትጽቢት ዝግበረሉ እኳ እንተዀነ 'ተጻዋርነት ክሊማ' ንምድንፋዕ ግን ካልእ መዳያት ብህጹጽ ስጉምታት ክውሰድ ከም ዘለዎ ውን ይዝትዩ ኣለዉ ። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ደቂ ሰብ ነቲ ለውጢ ዅነታት ኣየር ዘኸትል ዘሎ ኽቱር ሳዕቤን ብኸመይ ኪቈጻጸርዎን ኪለምድዎን ኪሰግርዎን ከም ዘለዎም ዘተሓባብር ዋዕላ እዩ ።

ስጉምቲ ምውሳድን ምትዕርራይን ምምሕዳርን

ኣብ ዓለም እቲ እንኮ መልእልተ ባህርያዊ ስነ-ፍልጠት ብዓይነቱ ፍሉይ ዝኾን ናይ ቫቲካን ጳጳሳዊ ተቕዋም ስነፍልጠት "ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ቅኑዕ ስነ-ፍልጠት ምምዕባልን፣ ነጻነቱ ምኽባርን ንምርግጋጽን ከምኡ ውን ብዛዕባ ምዕባለ ስነ-ፍልጠትን ምርምራትን ንምግባር ምትብባዕ" ተልእኾኡ ዝኾነ ፍሉይ ተቕዋም ኢዩ። ብ2022 ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠንትን መራሕቲ ፖለቲካን ከምኡውን መራሕቲ እምነትን  ለውጢ ዅነታት ኣየር ዜምጽኦ ስነ-ፍልጠታውን ማሕበራውን ብድሆታት ብዝሓሸ መገዲ ንኺርድእዎ ከምኡ ውን ነቶም ተጻዋርነት ክፈጥሩ ዝኽእሉ ሰባትን ቁጠባዊ ሥርዓታትን ፍታሕ ንኺረኽቡ ንምሕጋዝ ሓድሽ ተበግሶ ጀሚሩ ይርከብ አሎ። እቲ ንኣከባቢያዊ ኩነታት ኣየር ተጻዋርነት ከም ዚህልዎ ዚገልጽ ሓሳብ ቀንዲ ኽፋል ናይቲ ሰለስተ ነጥቢ ዘለዎ ንድፊ ንምትግባር ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሰለስተ መዓልቲ ዝወሰደ ምይይጥ እዩ፣ እዚ ኸኣ ሓደጋታት ኣከባቢያዊ ኩነታት ኣየር ንምንካይ ዚግበር ጻዕሪ እዩ፣ ነቲ ዘይተርፍ ሓደጋታት ንምጽዋር ምስ ኵነታት ምውህሃድ፣ ቀጻሊ ሓደጋታት ናይ ምንካይን ምትዕርራይናይን ስጕምትታት ከም ዝህሉ ዝገብር ማሕበራዊ ለውጢ ዘደንፍዕ ዋዕላ ኢዩ።

ብሓድነት ምዕያይ

እቶም ኣብቲ ዋዕላ ዝሳተፉ ዘለዉ ኣባልት ንምዝባዕ ኣከባቢያዊ ዅነታት ኣየር ግብረ መልሲ ንምሃብ እተፈላለዩ ዓይነት ንጥፈታትን ኣብ ዓለምለኻዊ ዘይማዕርነትን ዝኣመሰለ ምስኡ ዝተሓሓዝ ኣከባብያዊ ብድሆታት ከተኵሩ ኢዮም፣ ንጽልዋ ናይዚ ሓቅታት ንምቍጽጻርን ንምቅላልን ከኣ መፍትሒታትን ምድላዋትን ክመያየጡን ከቕርቡን ኢዮም። ኣዳለውቲ ናይዚ ዋዕላ እዚ ምስ ተመራመርቲን መሃንድሳትን ነጋዶን ክኢላታት ስነ-ፍልጠትን መራሕቲ ማሕበረሰብን እምነታትን መንግስታዊ ትካላትን ከምኡ ውን ምስ ዝሰፍሐ ህዝቢ እተተሓሓዘ ብዙሕ ስነ-ፍልጠታዊ ምቅርራባትን ሽርክነትን ከም ዝሓትት ኣፍልጦ ብምሃብ ዝገብርዎ ዘለዉ ተበግሶ ኢዩ።

ምድረ ገጻዊ ተጻዋርነት ክሊማ ዚምልከት ስርዓት ንምቑም

እዚ ጻዕርታት እዚ በቲ ዅሎም ተሳተፍቲ ዝተሰማምዑሉ ናይ ምድረ ገጻዊ ኩነታት ኣየር ንዘለዎ ተጻዋርነት ዝገልጽ ውዕል ኣብ መደምደምታ ናይቲ ዋዕላ ብምኽታትም ክዛዘም ኢዩ። እዚ ሰነድ እዚ ልክዕ ከም ናይ ሞንትሪያል ውዕል ንተጻዋርነት ክሊማ ዝኸውን መምርሒታትን ስጕምትን ክህብ ኢዩ።  ድሕርዚ እቲ ውዕል ናብቶም ኣብ መላእ ዓለም ንዘለዋ ሃገራት ንምክፋል ዝካየድ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ስምምዕ ዋዕላ ክቐርብ ኢዩ።

ንሰብኣዊ ህይወት ምኽባር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ “ሰብህዎ ለእግዚአብሔር!” ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳኖ ዝቕረብዎ ሓሳብ ዓለም ብሰንኪ ለውጢ ዅነታት ኣየር ከጋጥማ ንዝኽእል ሓደጋታት ኣጕሊሖሞ ይርከቡ። እዚ ኸኣ ብፍላይ ነቶም ኣዝዮም እተቓልዑ ሰባት ዝጸልዎምን ከምኡውን ነዚ ቕልውላው እዚ ንምፍታሕ ብህጹጽ ብሓባር ምዕያይ ኣድላዪ ምዃኑ ብዘቕረብዎ ጻውዒት ኢዩ ዝካየድ ዘሎ ።

 

"እዚ ዓለምለኻዊ ማሕበራዊ ጕዳይ ኢዩ ምስ ክብሪ ህይወት ወድሰብ ድማ ኣጸቢቑ ዝተኣሳሰር ኢዩ። ጳጳሳት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ 'ንሓድሕድና ስለ እንተሓላለን ንምድሪ ስለ እንከናኸንን ' ብዛዕባ ለውጢ ዅነታት ኣየር ዘሎና ሻቕሎት ካብ ምድረ ገጻዊ ኣተሓሳስባ ንላዕሊ ምዃኑ ብዚግባእ ገሊጾም እዮም።"

16 May 2024, 15:53