ድለ

2019.12.13 Piazza San Pietro, Vaticano, cupola di San Pietro, Petersdom Petersplatz 2019.12.13 Piazza San Pietro, Vaticano, cupola di San Pietro, Petersdom Petersplatz  

ቅድስቲ መንበር ኣብቲ ስዒቡ ዝወጸ ጸብጻብ ማኒቫል ኣወንታዊ ገምጋም ረኺባ

እቲ ቅድስቲ መንበር ኣብቲ ረሳሕ ገንዘብ ንምጽራይን ምወላ ግብረ-ሽበራ ንምቅላስ ዘተኰረ ብናይ ሕብረት ኤውሮጳ ቀዋሚ መርማሪ ኣካል ዝተገረ ናይ መጀመርታ "ስሩዕ ቀጺሉ ዝግበር ጸብጻብ" ኣወንታዊ ገምጋም ረኺባ።

ኣብ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ብመሰረት እቲ ዝሓለፈ ሰሉስ ዕለት 28 ግንቦት ብቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ፣ እቲ ናይ መጀመርታ "ስሩዕ ቀጺሉ ዝገብር ጸብጻብ" መርማሪ ኣካል ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣውሮጳ፣ እቲ ቅድስቲ መንበር ምስ ኣህጉራዊ ናይ ገንዘብ መዐቀኒታት ንምስምማዕ ኣብ ዝገብረቶ ጻዕሪ ኣገዳሲ ፍጻሜ ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ጸብጻብ ኣብቲ ኻብ 20 ኽሳዕ 24 ግንቦት 2024 ኣብ ስትራዝቡግ እተገብረ መበል 67 ናይ ምልኣተ ጉባኤ ኣኼባ ኣብ ዝቐረበ ገምጋም እተመርኰሰ ኢዩ ዝነበረ ።

እቲ ኣዋጅ ከም ዝሕብሮ "ሃገረ ቫቲካን እውን ሓዊስካ እቲ ቅድስቲ መንበር ኣብቲ ናይ መጀመርታ "ስሩዕ ቀጺሉ ዝግበር ጸብጻብ" ብኮሚተ ቁጠባ ኣወንታዊ ገምጋም ረኺባ ኣላ፣ እዚ ኸኣ ኣብቲ ቅድስቲ መንበር  ምስ ኣህጉራዊ ናይ ገንዘብ መዐቀኒታት ንምስምማዕ ዝገበረቶ ጻዕሪ ዓቢ ነጥበ-መቐይሮ ከም ዝዀነ ይገልጽ።

እቲ ኣባል ሃገራት ምስ ምጽራይ ረሳሕ ገንዘብን ምስ ምወላ ግብረ-ሽበራን ንምቅላስ ምስ ኣህጉራዊ መዐቀኒታት ዚሰማማዕ ምዃኑ ዚግምግም ኮሚተ ቁጠባ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ሚያዝያ 2021 ነቲ ቅድስቲ መንበር ዘካየደቶም ንትፈታት ገምጋማት ኣካዪዱ። እቲ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዝቐረበ ስዒቡ ዝቐረበ ጸብጻብ ነቲ ካብ ሽዑ ኣትሒዙ እተገብረ ምዕባሌታት ዝግምግም ኢዩ ዝንበረ።

ቀንዲ ርኽበታት

እቲ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ እቲ ቅድስቲ መንበር ንሕጋውን ስርዓታውን መዓቀኒታት ኣብ ምምሕያሽ ዓብዪ ለውጢ ከም ዝገበረት የጕልሕ ። እዚ ኮሚተ ድማ ነዚ ምዕባለታት እዚ ኣፍልጦ ሂቡሉ ይርከብ አሎ፣ እዚ ድማ ምስቲ ናይ ቁጠባዊ ስጕምቲ ጕጅለታት (FATF) ዘቕረቦ ምሕጽንታ ዝሰማማዕ ኢዩ ዝነበረ። እቲ ኣትኵሮ ዝተገብረሉ መዳያት ከአ እዚ ዚስዕብ እዩ ፦

  • ምጽራይን ምክልኻልን ረሳሕ ገንዘብ  ፦ ንጥፈታት ረሳሕ ገንዘብ ንምክልኻልን ንምቍጽጻርን ዜኽእል እተደላደለ ስጕምትን ሕጋዊ መሰናድዎታትን ከም ዝተገብረ ።
  • ምስ ግብረ-ሽበራ ዚተሓሓዝ ገንዘብ ንምዕጋት፦ ንጥፈታት ግብረ-ሽበራ ንምርካብን ንምክልኻልን ተባሂሉ እተገብረ እተመሓየሸ መምርሒታትን ምስኡ ተሰማሚዕካ ምንባርን።
  • ምኽዕባት ናይቲ ጃምላዊ ህልቂት ዜምጽእ ኣጽዋር ምቅላስ፦ ጃምላዊ ጥፍኣት ዘስዕብ ኣጽዋር ንኸይውስኽ ዚሕግዝ እዋናዊ መምርሒታት ምኽታል።

ኣወንታዊ ውጽኢት

እቲ ኮሚቴ ዘቕረቦ ጸብጻብ ሰፊሕን ኣወንታዊ ኢዩ ዝነበረ፣ ነቲ ቅድስቲ መንበር ስለቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ብትግሃት ዝገበረቶ ጻዕሪ ድማ ኣሞገሰ ። እቲ እተገብረ ምዕባለ ነቲ ቅድስቲ መንበር ምስ ናይ ቁጠባዊ መዓቀኒታት ሕብረት ኤውሮጳ ዝሰማማዕ ንምግባሩ ኢዩ ዝነበረ።

እቲ ኣብ ተቕዋማዊ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ቀዋሚ መርማሪ ኣካል ሕብረት ኤውሮጳ ዝወጸ  ጸብጻብ፣ እቲ ቅድስቲ መንበር ኣብ ቍጠባዊ ንጥፈታት ግሉጽነት ንምዕቃብን ንምምሕያሽን ዘለዋ ቘራጽነት ዘረጋግጽ ኢዩ ዝነበረ ። እዚ ኣወንታዊ ገምጋም እዚ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ትሕቲ ምምሕዳራ ዘለዉ እተፈላለዩ ሰበ - ስልጣን ዘሎ ውጽኢታዊ ምትሕብባር ዘጕልሕ ውን ኢዩ ።

ኣብ መጻኢ ዝካየድ ገምጋም

እቲ ቐጺሉ ዘሎ ተክኒካዊ ብቕዓት ናይቲ ቅድስቲ መንበር እተካይዶ ዘላ ምዕባሌታት ንምግምጋ ዝግበር ካብዚ ዓመት እዚ ጀሚሩ ንኣርባዕተ ዓመት ዝቕጽል መርመራታት ክካየድ ተመዲቡ ኣሎ ። እዚ ስዒቡ ዝካየድ ገምጋም እዚ ክፍሊ ናይቲ ምስ ኮሚተ ቀዋሚ መርማሪ ሕብረት ኤውሮጳ ሰሚሮም ዝመላለሱ መንግስታት ዘጠቓልል "6ይ ዙርያ ሓባራዊ ገምጋም" ክኸውን ዝከኣል ኢዩ።

ንተጻዋርነት ቈራጽነት ምግባር

እቲ ቅድስቲ መንበር ብቐጻሊ እትገብሮ ምምሕያሽ ምሉእ ቍጠባዊ ግሉጽነት ንምግባርን ኣህጉራዊ መዐቀኒታት ንምሕላውን ዝገበረቶ ተወፋይነት ዘንጸባርቕ ኢዩ፣ እቲ መግለጺ ኣስዕብ ኣቢሉ እቲ ስሩዕ ስዒቡ ዝመጸ ጸብጻብ ዘለዎ ኣወንታዊ ውጽኢት "ናይ ኵሎም ሰበ-ስልጣን ምምሕዳር ብሓባር ዚዓይዎ ዕዮን ኸምኡ ውን ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ቅድስቲ መንበር ዘሎ (እንተላይ ንሃገረ ቫቲካን ወሲኽካ) ምሉእ ብምሉእ ቁጠባዊ ግሉጽነት ከም ዝህሉ" ዜርኢ ምዃኑ ገለጸ።

30 May 2024, 14:36