ድለ

ምኽሪ ክኢላታት ኣብ ቫቲካን ክቡር ስራሕ ይጠልብ ምኽሪ ክኢላታት ኣብ ቫቲካን ክቡር ስራሕ ይጠልብ  (AFP or licensors)

ምኽሪ ክኢላታት ኣብ ቫቲካን ክቡር ስራሕ ይጠልብ

ዋና ጸሓፊ ካቶሊካዊ ኣህጉራዊ ሽማግለ ሓልዮ ስደተይናታት (ICMC) ኣቡነ ሮበርት ቪቲሎ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፥ ኣብቲ ኣብ ቫቲካን ኣብ ዝካየድ ምይይጥ ዚሳተፉ ኣህጉራውያን ክኢላታት ነቲ ዘይንጸል - ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብሓባር ዚምወልዎ መሰላትን ሰብኣዊ ማዕቅን ዘለዎ ኩነታት ሰራሕተይናታት ብኸመይ ዝድግፍን ውጽኢታዊ ማሕበራዊ ለውጢ ንኺረኽቡ ኣጋጣሚ ምዃኑ ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዓለምለኻዊ ውድብ ዕዮ "ክሳብ 2030 ዓ.ም. ዕላማታት ማሕበራዊ ልምዓት ንምዕዋት ንምድንፋዕ" ዓለምለኻዊ ጥምረት ማሕበራዊ ፍትሒ ከም ዘጣየሰን። ንዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ኣህጉራዊ ካቶሊካዊ ሽማግለ ጉዳያት ስደት ኣዝዩ ተመሳሳሊ ዕላማ ዘለዎ “መጻኢ ስራሕ፡ ዕዮ ድሕሪ ዓዋዲ መልኽቲ ስቡህ ኣንተ” ዝብል መደብ ከቕርብ ሓጊዙ እዩ። ብዙሓት ካብተን ኣብቲ መደብ ዝሳተፋ ካቶሊካውያን ማሕበራት ምስ ካልኦት ኣብ እምነት ዝተመርኮሰን ማሕበረሰብ መሰረት ዝገበረን ትካላት ተመሳሳሊ ዕላማ ዘለወን ኮይነን ኣብዚ ጥምረት ተጸንቢረን እየን።

ኣቡነ ሮበርት ቪቲሎ ዋና ጸሓፊ ኣህጉራዊ ዛስዕባ ጉዳያት ስደተኛታት ዝሓልይ ካቶሊካዊ ሽማግለ (ICMC) ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ብዛዕባ እቲ ኣብ ቫቲካን ካብ ዕለት 8 - 10 ግንቦት "ምክንኻን ስራሕ እዩ ስራሕ ምክንኻን እዩ ብዝብል ኣርእስቲ ንኽካየድ ዝጸወዖ ዓለምለኻዊ ለውጢ ዘምጽእ ማሕበረሰብ ንምህናጽን ንዓለምለኻዊ መደብ ምዕባለ ኣበርክቶ ንምግባርን ዝሓቀነ ዓውደ ምኽኻር ኣማእኪሎም መብርሂ ሂቦም።

እቶም ካቶሊካዊ ኣህጉራዊ ሽማግለ ሓልዮ ስደተይናታት ከምኡውን በቲ ዘይንጸል ሰብኣዊ ምዕባለ ንምድንፋዕ ዝዓዪ ብናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብሓባር ኣብ ዝተወደበ ኣኼባ ኣብ ሮማ ዝእከቡ ኣህጉራውያን ክኢላታት ተሳተፍቲ ረቡዕ ንግሆ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም እተራኸቡ ሓቢሮም፥

ኣብቲ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣቡነ ቪቲሎ እዚ ኣጋጣሚ እዚ ኣድላዪ ምዃኑ እቲ ዝግበር ዘሎ ዕዮ እቲ ምይይጥ እንታይ ከም ዘርክብን ከምኡውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዕዮኦምን ነዚ ኣገዳሲ ጕዳያት እዚ ዝኣተዉዎ መብጽዓታትን ዝህብዎ ድጋፍን ኣድላዪ ምዃኑ ኣመላኺቶም።

ኣቡነ ቪቲሎ፡ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ቫቲካን 'ሓልዮት ስራሕ እዩ፡ ስራሕ ሓልዮት እዩ’ ዓለምለኻዊ ለውጢ ዘምጽእ ማሕበረሰብ ንምህናጽን ንዓለም ለኻዊ መደብ ምዕባለ ኣበርክቶ ንምግባርን” ዝብል ኣርእስቲ እንታይ ማለት እዩ?

እዚ ምምኽኻር ኣካል ናይቲ ኣህጉራዊ ጉዳይ ስደት ዝከታተል ካቶሊካዊ ሽማግለ ምስ ኣስታት 30 ዝተፈላለያ ኣህጉራውያን ካቶሊካውያን ትካላት ብምትሕብባር ንዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ከዳልዎ ዝጸንሐ መደብ ኮይኑ፡ መጸውዕ ናይቲ ውጥን ድማ "መጻኢ ስራሕ፥ ዕዮ ድሕሪ ይሴባህ ዘርእስታ ዓዋዲት መልኽቲ" ዝብል እዩ። እዚ ውጥን እዚ ብብርክት ዝበሉ ዝተፈላለያ ኣባላት ትካላት ናይቲ መደብ ዝተኸወኑ ተኸታተልቲ ናይ መጽናዕቲ ተበግሶታት፡ ምክፋል ጽቡቕ ልምድታትን ጽሑፋትን ዘጠቓለለ እዩ። ቀዳማይ ምዕራፍ ናይቲ መደብ ክንዛዝሞ ከለና፡ ብዛዕባኡ ጸብጻብ ኣዳሊና፡ ኣብ መብዛሕትኡ ዝተገብረ መጽናዕቲ ዝተቐልቀለ ልዕሊኡ ዝኾነ ጉዳያት ርኢና፡ ኣብቲ ኣስተንትኖታትን ምክፋል ብሉጻት ተሞክሮታትን ድማ፡ "ሓልዮት ስራሕ እዩ። ስራሕ ሓልዮት እዩ" ዝብል መርሕ ቃል ዝገበረ ምንባሩን፡ ካልእ ትርጉም ዘለዎ ድማ እዚ ውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ሓላዪ ማሕበረሰብ ክዛረቡ ከለዉ ብዙሕ ግዜ ዝጠቐስዎ ኣርእስቲ እዩ፣ ክልቲኡ ኣብቲ ይሴባህ ዘርእቱ ዓዋዲ መልኽቶምን ኣብታ ሓዋርያዊት ምዕዳኖም ሰብሕዎ ለእግዚኣብሔርን ብዛዕባ ሓልዮት ፍጥረት ዝህብዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ እዩ። ሕጂ ድማ ካልኣይ ምዕራፍ ናይዚ መደብ ንጅምሮ ኣለና፣ እዚ ድማ እዚ ድማ ምስ ቅድስቲ መንበር ዛዕባ ኵለንታዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብሓባር ዝምወል ናይ ዘተ መድረኽ እዩ።

ካብ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ከምኡ’ውን ኣብ መላእ ኤውሮጳ ንማሕበራዊ ፍትሒ ኣብ ምውዳብን ንኹሉ ፍትሕን ግብኡን ሰብኣዊ ዓቐን ዘለዎ ስራሕን ኣብ ምርግጋጽ ዝነጥፉ ምስ ሰራሕተይናታት ዝሰርሑን ዛዕባ ስራሕን ዝውድቡን ኣህጉራውያን ካቶሊካዊ ትካላት ዝውክሉን ዝሰርሑ ኣስታት 60 ዝኾኑ ክኢላታት ኣለዉና፡ እዚ ካልኣይ ምዕራፍ ናይቲ መደብ እዩ . . . ከምኡ እናገበርና ድማ ኣብቲ እንሰርሖ ስራሕ ዝያዳ ሲኖዳዊ ኣቀራርባ ክንሕዝ ንደሊ፣ በዚ ኸኣ፣ ምስቲ ቅዱስ ኣቦ ዝገበርዎ ዝመሳሰል ዓቢ ምስማዕ ንገብር ኣለና። ምስ ኣብቲ ምኽክር ዝሳተፉ ምሁራት፡ ሰበስልጣንን ኣባላትን ማሕበር ሰራሕተኛታት፡ ከምኡ’ውን ወከልቲ ኣህጉራዊ ውድብ ዕዮ’ውን ከም ዝኾኑ ድማ ይሕብሩ።

ኣብዚ ምዕራፍ እዚ ብደረጃ ዞባ ንመጻኢ ስራሕ ዝምልከት ቀንዲ ኣርእስታት ዘቕርብ ዞባዊ ጉጅለታት ኣወዲብና፣ እንደገና ድማ እቶም ዝወጹ ዘለዉ ስግረ-ዶባዊ ኣርእስታት፦ ሰብኣዊ ዓቐን ዘለዎ ስራሕ ኣብ ዕዮ ቀረብ መግብን ኣብ ናይ ማዕንድ ኢንዳትሪታትን፤ ማሕበራዊ ፍትሒ፣ ክብርን ዘይምዕሩይነትን፤ ሓለዋ ስደተይናታት ብፍላይ ድማ ስደተይናታት ሰራሕተይታትን ተቓላዕቲ ዝኾኑን፤ ከምኡ’ውን ኣብ ትሕቲ ቁጠባዊ ቅልውላዋትን ኣብ ትሕቲ ለውጢ ከባቢ ኣየርን ዝግበር ፍትሓዊ ከባብያዊ ምስግጋር።

ስለዚ ኣብዚ ኣኼባ እዚ እዞም 60 ክኢላታትን ኣብቲ ዓውዲ ዝነጥፉ ሰባትን ነዚ ከስተንትኑን ምስቲ ኣብ ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ዝግበር ዘሎ ዝመሳሰል ናይ ሓባር ማሕበራዊ ምርዳእ ኣገባብ ክጥቀሙን ኣብዚ ኣርከቡ። ብተወሳኺ ካብዚ ኣስተንትኖ እዚ ብሓባር ንመጻኢ ዝምልከት ፍኖተ- መክዓ ከማዕብሉ እዮም፣ ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት ዓመታት ክንሰርሖ ዝግበኣና ስራሕ ዘመላኽት። እዚ ውጥን እዚ ኣብ ከባቢ እቲ "ሓልዮት ስራሕ እዩ፡ ስራሕ ሓልዮት እዩ” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ዓለምለኻዊ ለውጢ ዘምጽእ ማሕበረሰብ ናይ ምህናጽ ውጥን ስለ ዝዀነ ኣብዚ ምስትውዓል እዚ ክንጽመድ ከሎና እቲ ቕዱስ ኣቦና፥ “ሓልዮት ስራሕ እዩ፡ ስራሕ ሓልዮት እዩ” ደኣ እምበር ብዛዕባ ምክንኻን ስራሕ ጥራይ ክስራሕ ከም ዘይብሉን እዚ እውን ብዛዕባ እቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ብዕድመ ዝደፍኡ ካብ ስራሕ ዓለም ዝተነጸሉ ብፍላይ ኣብ መወዳእታ ወይ ቀጻሊ ለብዒ ኮቪድ ነቶም ገና ተነቀፍቲ ንዝኾኑ ንምሕጋዝ ብዙሓት ሰራሕተይናታት ክንክን የድልየና፡ እንተዀነ ግን እቲ ቅዱስ ኣቦና "ክንክን ስራሕ ኢዩ ስራሕ ክንክን ኢዩ" ዝብልዎ ኩሉ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ስራሕ ይፍጸም ብዘየገድስ ኵሉ ስራሕ ዝከናኸን ክኸውን ኣለዎ ማለት ኢዩ ወትሩ ድማ ኣብ ሰራሕተይናታት ከነተኵር ኣሎና ማለት ኢዩ ብፍላይ እቶም ፍትሓውን ቅኑዕን ደሞዝን ጽቡቕ ናይ ስራሕ ኵነታትን ዚደልዩ ።

ከምቲ ዝገለጽክምዎ ክኢላታት ምኽሪ ብዛዕባ እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብዙሕ ኣቓልቦ ዝሰሓበሉ ሓሙሽተ ቐዳምነት ዚወሃቦም ጕዳያት ክንክንን ስራሕን ኪምርምሩ እዮም። ብኣረኣእያኹም እቲ ር.ሊ.ጳ. ንዅሉ እቲ ኣብዚ መዳይ እዚ እትገብርዎ ጻዕርታት ዘተባብዖ ነገር እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ?

ዋጋ ናይዚ ኣስተንትኖን ምትብባዕን ናብ ተግባር ዝመርሕ፡ ብፍላይ ድማ ዝዓበየ ማሕበራዊ ፍትሒ ንዓለም ምምጻእ ዝብል ይመስለኒ። ኩሉ ግዜ በዚ መንፈስ እዚ፡ ሕጂ ብዓለምለኻዊ ውድብ ዕዮ (ILO) ዝጅመር ዘሎ መሳጢ ጎናዊ ጻዕሪ ኣሎ፡ እዚ ውጥን እዚ ንዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ምምዕባል ምሳና ኣዝዩ ተሳቲፉ። በዚ መንጽር እዚ፡ ILO - ዓለም ለኸ ውድብ ስራሕ ዝዓበየ ማሕበራዊ ፍትሒ ንምህናጽ ናብ ካልኦት ትካላት ሕቡራት ሃገራት፡ ናብ መንግስታትን ናብ በርገሳውያን ማሕበራትን ኣብ መላእ ዓለም ይበጽሕ ኣሎ። ንማሕበራዊ ፍትሒ ዝኸውን ጥምረት። እዚ ድማ ክሳብ 2030 ዓ.ም. ነቲ ማሕበራዊ ዘላቒ ምዕባለ ዘውጽኦ ሸቶታት ንኽንወቅዕ ክሕግዘና ኢዩ። እቲ ብዛዕባ መጻኢ ስራሕ ነዚ ውጥን እዚ ዘተሓባብሮ ዘሎ ኣህጉራዊ ካቶሊካዊ ሽማግለ ጉዳያት ስደተይናታት እዩ። መብዛሕትአን ኣባላት ማሕበራት ካቶሊክ ኣህጉራዊ ውድብ ስራሕ ጥምረት ማሕበራዊ ፍትሒ ክህሉ ኣብ ምዕያይ ጥምረት ከም ዝገበራን ስለዚ ኣብ ዓለም ዝያዳ ማሕበራዊ ፍትሒ ንምርካብ ስጕምቲ ኽንውስን ከምኡውን ብዘይ ሰራሕተይናታት ቍጠባ ምርካብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኸም ዚኸውንን ኣብ ዓለም ፍትሒ ዘለዎ ሕብረተሰብ ምህናጽ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኸም ዚኸውንን ከነዘኻኽር ንደሊ።

ኣብቲ ኣብ ምንቅስቓስ ንዝርከቡ ተቓላዕቲ ሰባት ሓገዝን ሓለዋን ዝህብን ንስደተይታትን ስደተኛታትን ዘላቒ ፍታሕ ክወሃብ ዝጣበቕን ኣህጉራዊ ካቶሊካዊ ሽማግለ ጉዳያት ስደት ብዙሕ ተመኩሮ ኣለኩም። ብዛዕባ እዚ ፍኖተ-መልክዓ ክትዛረቡ እንኮለኹም ኣብቲ ናይ መዓልታት ዘተ እንታይ ፍሉይ ኣገዳስነት ዘለዎ ኮይኑ ትርእዮ፡ ጻዕርታት ምኽክርከ ብኸመይ ለውጢ ከምጽእ ይኽእል?

ጽቡቕ እቲ ICMC - ኣህጉራዊ ካቶሊካዊ ሽማግለ ጉዳያ ስደተይናታት ኣዝዩ ይሻቐልን ምስ ናይ መላእ ሃገራት ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት ካልኦት ብካቶሊካውያን ዝተደፋፍኡ ትካላትን ፍትሒ ንምርግጋጽ ብጭቡጥን ብዙሕ ግዜን ንሰርሕን፣ ነቶም ስደተኛታት ሰራሕተይናታትን እቶም ዶባት ዝሰግሩን እቶም ስደተይናታት ሰራሕተይናታትን ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ፍልይቲ ሃገር ፍትሒ ንምርግጋጽ። ስርሖም ዋጋ ንኽወሃቦ፡ ስሩዕ ንኽኸውን፡ ሰባት ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት፡ ንዘመናዊ መልክዕ ጊልያነት ኣብ ዓውዲ ስራሕ ንዝግበር ምዝመዛን ተቓላዕቲ ከይኮኑ ንምሕጋዝ ቃል ኣቲና ኣለና። ኣብ ብዙሓት ሃገራት፡ እተን ኣዝየን ሃብታማት ሓዊስካ፡ ቁጠባ ንኽቕጽል ኣብ ስደተይናታት ሓይሊ ስራሕ ከም ዝምርኮሳ ንርኢ። እዚ ኣዝዩ የሻቕለና እዩ። እቲ ዘገርም ግን ኣብዚ ፕሮጀክት እዚ ነዚ ናይ ምስማዕ መስርሕ እዚ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ከባብያዊ ደረጃ ኽንገብሮ ኸለና እቲ ሓሙሽተ ቐንዲ ኣርእስትታት ማለት ኣብ ሰንሰለት ቀረብ ምግቢ ሰብኣዊ ዓቐን ዘለዎ ስራሕ ኣብ ናይ ማዕድን ኢንዳስትሪታት ማሕበራዊ ፍትሒ ዕቝባ ስደተይናታት ከምኡውን ሓልዮ ከባብን ስደተይናታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ እዚ ኸባቢታት እዚ ኣገዳሲ ቦታ ኸም ዘለዎም እተረጋገጸ እዩ፣ . . . ስለዚ እዚ ባእታታት እዚ ኣጸቢቑ እተኣሳሰረ ምዃኑ ብሓቂ ንርእዮ ኢና እቲ ፍኖተ መልክዓ ኸኣ ዝያዳ ምስትንታን ግብራዊ ተመክሮታት ምክፋል ኣብ መጻኢ ኸኣ ኣብ ዓለም ቅንዕናን ለውጢ ዘምጽእን ማሕበረሰብ ንምህናጽ ዝያዳ ስጕምቲ ኽውሰድ ተስፋ ንገብር።

09 May 2024, 16:47