ድለ

መስህብን ሰላምን፡ መልእኽቲ ተስፋ ዓለምለኸ መዓልቲ መስህብ 2024 ዓ.ም. መስህብን ሰላምን፡ መልእኽቲ ተስፋ ዓለምለኸ መዓልቲ መስህብ 2024 ዓ.ም.   (AFP or licensors)

መስህብን ሰላምን፡ መልእኽቲ ተስፋ ዓለምለኸ መዓልቲ መስህብ 2024 ዓ.ም.

ናይ ስብከተ ወንጌል ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕልዋይ ቤት ጽሕፈት ብምኽንያት ዕለት 27 ግንቦት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ተዘኪሩ ዝውዕል ዓለምለኻዊ መዓልቲ በጻሕትን ገያሾን፥ “መስህብን ሰላምን” ብዝብል ኣርእስቲ ናይ 2024 ዓ.ም. መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፈን ኣብቲ መልእኽቲ ድማ ኣብታ ብግጭት እትልለ ዓለም ንሕውነትን ንምርድዳእን ተወፋይነት ክግበር ይላቦ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዓለም ለኸ መዓልቲ መስህብ/ በጻሕትን ገያሾን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዕለት 27 መስከረም ዝበዓል ኮይኑ፥  እቲ ናይ ለም ዘበን ዝኽሪ “መስህብን ሰላምን” ብዝብል መርሕ ቃል፥ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ ኣብ መንጎ መስህብን ሰላምን ዘሎ ምትእስሳር የጒልሕ።

ኣብቲ መልእኽቲ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ተራዳኢ ህየንተ ሊቀ ጳጳሳት ሪኖ ፊዚከላ ብመስህብ ምርኻብን ምልውዋጥን ባህልታት ከም ዝፍጸምን ሰላም ኣብ ምዕባይ እውን ክጻወቶ ዝኽእል ኣገዳሲ ተራ ኣብቲ መልእኽቲ ኣጒሊሖም፥ "ኣብ መስህብ ፍሉይ መልክዕ ዝረክብ ኣብ መንጎ ህዝብታት ዝካየድ ባህላዊ ምልውዋጥ እውን ናብ ጭቡጥ ተወፋይነት ሰላም ክቕየር ይኽእል'ዩ" ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኲናት ዘስዕቦ ኣዕናዊ ጽልዋ

ነዚ ብምንጽጻር ሊቀ ጳጳሳት ፊዚከላ፥ ኲናት ኣብ መስህብ ዘስዕቦ ኣዕናዊ ጽልዋ ኣፍልጦ ብምሃብ፥ “በጻሕቲ ዓዲ ዘይምህላዎም ኣብ ህዝቢ ብዝግባእ ክብሪ ንምንባር ኣድላዪ መልክዕ መነባብሮ ዝስእን ተወሳኺ መግለጺ ድኽነት ይፈጥር” እንክብሉ እውን የጠንቅቑ ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

በዚ ምኽንያት እዚ እዩ እቲ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ተራዳኢ ህየንተ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ ብፍላይ ኣብ ጽላት መስህብ ዝሰርሑ ሰባት ኣብ ምስፍሕፋሕ መልእኽቲ ሰላም ኣበርክቶ ክገብሩ ከም ዝኽሉ ኣረጋጊጾም፥

ቀጺሉ ንብዙሓት ካህናትን ዓለማውያን ምመናንን መስህብን መንፈሳዊ ንግደትን ንምዕባይ ውፉያት ኮይኖም፡ ዋላ’ኳ ብሰንኪ ጸጥታዊ ገደባት ብድሆታት እንተሃለዎም፡ ኣብዚ መዳይ እዚ ስለ ዘርእይዎ ተወፋይነት ምስጋናኦም ኣቕሪቦም፥ “ናብቲ ብባህሊ ሃብታም እምነትናን ታሪኽናን ዝሕዛ ሃገራት ዝኸይድ መስመራት ንግደት ኣብ ቀረባ እዋን ዳግማይ ክጅምር ዘብቅዕ ተኽእሎ ህያው ብምግባር፡ ሓድሽ መገድታት ክኸፍቱ” ከም ዘተባብዑ የመላኽት።

ፍራንቸስኮ ዝገብርዎ ደገፍ

እቲ መልእኽቲ ንዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መስህብ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ናይ ርክብ ባህሊ ንኽህሉ ዝገብርዎ ጎስጓስ እውን ዘንጸባርቕ ከም ዝኾነን፥ ሊቀ ጳጳሳት ፊዚከላ፥ “እቲ ንሚልዮናት በጻሕቲ ዘንቀሳቕስ ተገዳስነት ብቐሊሉ ምስቲ ንሕውነት ዝግበር ተወፋይነት ክውሃሃድ ይኽእል እዩ፣ በዚ ድማ መርበብ ‘ልኡኻት ሰላም’ ክፈጥር ይሕግዝ” ቢሎም፥ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንጎረቤት ክፉት ናይ ምዃን ዓቕሚ ዘለዎ . . . ኣብ ስድራቤት ኣህዛብ“ ንዓለም ብቑዕን ሓቀይናን ክፉትነት ክህሉ” እንክብሉ ኣብ ናይ 2024 ዓ.ም. ዕለት 1 ጥሪ ኣብ ዝተዘርገሐ መልእኽቲ ሰላም ዘቕርብዎ ጻውዒት ዘቃልሕ ከም ዝኾነን ኣስዒቦም እውን ናብቲ ኣብ 2025 ዓ.ም. ዝካየድ ዓመት ኢዮቤል ምልስ ቢሎም፥ ሊቀ ጳጳሳት ፊዚከላ ቅዱስ ዓመት፡ ካብ ምኽፋት ቅዱስ ማዕጾ ጀሚሩ፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ መንፈሳውያን ነጋዶ ነቲ ናይ ኢዮቤል ሓሴት ክመሃሩን፡ ናይ ሰላም ከምኡ እውን ናይ ዕርቂ ተስፋ ሒዞም ክኸዱን ስለ ዘኽእሎም፡ ፍሉይ ትርጉም ከም ዘለዎ ሓቢሮም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ሊቀ ጳጳሳት ፊዚከላ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ዓለም ቀጻሊ ግጭታትን ብድሆታትን ኣብ እትገጥመሉ ዘሎ እዋን፡ ጻውዒት ሰላም ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጾም፥ ሕጂ’ውን “እቲ ዕንወትን ሞትን ዘምጽእ ኣጽዋር ክዕበስን ዕንወትን ሞትን ምምጻእ ደው ክብል ምሕላም ልዕሊ ዓቐን ድዩ? እንክብሉ ሕቶ ብምቕራብ፥ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፥ "መስህብን ሰላምን ምስ ተስፋ ተደሚሩ ነዛ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መስህብ 2024 ዓ.ም. ነቶም ኣብ መዳይ ምስህብ ዝዓዩ ዝዀኑ ከምኡውን ነቶም ብስምዒትን ህድኣትን ስኒትን ንምርካብ ባህጊ ገይሮም ጉዕዞታት ንዝገብሩ ሰባት ዘእምን መልእኽቲ ይኹኖም” እንክብሉ ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።

29 May 2024, 15:29