ድለ

ካርዲናል ፓሮሊን፡ 'ኣፍሪቃ መሬት ተስፋ እያ' ካርዲናል ፓሮሊን፡ 'ኣፍሪቃ መሬት ተስፋ እያ' 

ካርዲናል ፓሮሊን፡ 'ኣፍሪቃ መሬት ተስፋ እያ'

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ናይ ቫቲካን መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ኣህጉር ኣፍሪቃ ብድሆታት ንምግጣም ዓቕምን ጸጋታትን ኣለዋ እንተኾነ ግን "ህዝብን ጽቡቕ ሂወቱን ክቕድም ኣለዎ" ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ናይ ሓጎስ ህሞት"፡ ኣድላይነት "ውልቃዊ" ተወፋይነትና ደጊሙ ዘረጋግጽ... እዩ! ነዚ ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ዕለት 27 ግንቦት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ሮማ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ብምኽንያት እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዕለት 25 ግንቦት ዝበዓል መበል 61 መዓልቲ ኣፍሪቃ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ክኸውን እንከሎ ኣብቲ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ኢጣሊያን ቅድስቲ መንበርም ኣብ ሮማ ኣብ ዝርከባ ዓለም ሓቆፍ ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ መግብን ሕርሻን ዓለም ሓቆፍ ናይ መግቢ መርሓ ግብርን ዓለም ለኸ መዋዒ ልምዓት ሕርሻን ቀወምት ወከልቲ ንሃገራት ኣፍሪቃን ናይ ሃገራት ኣፍሪቃ ልኡካነ መንግስታትን ካብ ሮማዊ ኩርያ ዝመጹ ኣፍሪቃውያን ካርዲናላትን ጳጳሳትን ኣብ ኢጣልያ ዝነበሩ ኣፍሪቃውያን ካህናትን እውን ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ቅዳሴ ዝሓበሩ ኩሎም ኣብ ቅድስቲ መንበር ቀዳማይ ልኡከ መንግስቲ ኣፍሪቃ ኣብ 1908 ዓ.ም. ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ትሕቲ መሬት ኣብ ዝርከብ ንኡስ ናይ መቓብር ስፍራ ዝተቐብሩ  ኣንቶንዮ ማኑኤል ንቩንዳ ከምኡ እውን ኣብ ናይ ጳውሎስ ሓምሻይ መቓብር ንግደት ከም ዘካየዱ ዜና ቫቲካን የዘካኽር።

ብድሆታትን ተስፋታትን

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ስብከቶም ብዛዕባ ኣፍሪቃ ካብ በነዲክቶስ መበል 16ን ቅድሚኦም ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ኣብ 1995 ዓ.ም. ድሕሪ እቲ ዛዕባ ኣፍሪቃ ዝተኻየደ ሲኖዶስ “ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ” ኣብ ዝብል ዝለገስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ድህረ ሲኖዶስ ብዛዕብ ብድሆታትን ጸገማትን "ንጽጽርን" እታ ኣህጉር ኣጉሊሖም ግን ከኣ ናይ ተስፋ መዳያታ እውን ከም ከም ዘመላኸቱ ዘኪሮም፥ ድሕሪ እቲ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግልጺ፥ "እዚ ኣንጽንብሎ ዘሎና መዓልቲ ኣፍሪቃ ንዓይ እውን ዓቢ ጦብላሕታ ዘለዎ ዕለት እዩ ምኽንያቱ ምስ ኣፍሪቃ ቅርበት ስለ ዝስምዓኒ" ቢሎም፥ ኣተሓሒዞም ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘካየድዎ ምብጻሕ ምስ ሃገራትን መንግስታትን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ ዘካየድዎ ርክባት ዘኪሮም ስለዚህ፥ "ንዓይ ኣብዚ ኮይነ ኣብቲ ሓጎስን ጸሎትን ምክፋልን ናይ ሓጎስ ህሞት'ዩ" ኢሎም።

ኣድላይነት ደገፍ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ

"ኣፍሪቃ ባዕላ ክትዕወት ​​ኣለዋ ዝብል እምነት ኣለኒ፤ ሓይሊ ኣለዋ፡ ጸጋታት ኣለዋ፡ ኩሉ ዓይነት ሃብቲ ኣለዋ፡ እንተኾነ ግን ንህዝቢ፡ ንሰላም፡ ንዕርቅን ንልምዓትን" ዝዓዩ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ቅኑዓት መሻርክቲ እውን የድልያ፡” ናይ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ደገፍ  እውን ኣድላዪ ምዃኑ ካርዲናል ፓሮሊን ኣስሚሮም፡ ምኽንያቱ እታ ኣህጉር ኣብ ሞንጎ ብዙሓት "ንብዙሓት ሰባት ብዙሕ ስቓይ ዘስዕቡ ኣዝዮም ዓመጽቲ ግጭታትን" "ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኩነታትን ስለ እትርከብ - ከም ኣብነት ምብራቓዊ ዞባ ኮንጎ ጠቒሶም፡ ብርግጽ ኣብ ኣፍሪቃ "ናይ ምቕልቃል ተኽእሎ ኣሎ ግን እቲ መትከል ኩሉ ግዜ ሓደ እዩ: ህዝብን ጽቡቕ ሂወቱን ምቕዳም የድሊ” እንክብሉ የዘኻኽሩ።

"ንዋታዊ ረብሓታት ቀዳምነት እንተተዋሂብዎም፡ ብርግጽ ህይወት ሰባት ከም ዝስዋእን፡ ናይ ሰላም ዕድል እውን እዩ ዝጠፍእ፡ እንተኾነ ግን ፍትሒ እንተሃልዩ፡ ኩሉ ሰብ ዋላ ንዋታዊ ሃብቲ ናይ ብርካብ ተኽእሎኡ ውሑስ እውን እንተኾነ እዚ ዕማም ናይ  ምምሕዳራት ከባብን ማሕበረሰብ ዓለምን'ዩ፡ ከምዚ ምስ ዝኸውን ነገራት ድማ ክመሓየሹ ይኽእሉ እዮም" እንክብሉ ወሲኾም ይሕብሩ።

ናይ ቅድስቲ መንበር ሓገዝ

ካርዲናል ፓሮሊን ብወገኖም "ከም ቤተ ክርስቲያን ሓንቲ ስድራ ቤት ስለ ዝኾንና ብደረጃ ኣፍሪቃዊት ቤተ ክርስቲያን ኣቢላ ቅድስቲ መንበር ንኣፍሪቃ ትሕግዝን ብመገዲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ሓዋርያውያን ልኡካን  ከምኡ እውን ብር.ሊ.ጳ. እውን ኣቢላ ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃ ቀጥታዊ ተገዳስነት ትገብር . . . "ኣብ ዝከኣለና ቦታ ኢድና ንኽንዝርግሕ ንፍትን" እንክብሉ የረጋግጹ

ዓለም ለኸ “መዓልቲ ኣፍሪቃ”

ህዝብታት ኣህጉር ኣፍሪቃ “ዓለም ለኸ መዓልቲ ኣፍሪቃ ዕለት 25 ግንቦት ከም ዘብዕሉን እዚ እውን ኣብ 1963 ዓ.ም.  ዕለት 25 ግንቦት ስምምዓት ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ (OAU) ምስ ዝተኸተመሉ ዕለት ብምትሕሓዝ ዝተሓረየ ከም ዝኾነን፥ እዚ ድማ ምልክት ቃልሲ መላእ ኣህጉር ንሓርነትን ቁጠባውን ማሕበራውን ምዕባለን . . . ከምኡ’ውን ምድንፋዕን ዋጋ ምሃብን ባህላዊ ሃብቲ ኣፍሪቃ ዝኣመተ ምዃኑ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ዕለት 25 ግንቦት 1963 ዓ.ም.  ኣብ ኣዲስ ኣበባ 33 መንግስታት ሃገራት ኣፍሪቃ ከቲመን ዘቖመኦ ኮይኑ፡  ሕብረት ኣፍሪቃ ናብ ዝብል መጸውዕ ድማ (AU) ብወግዒ ኣብ ሓምለ 2002 ዓ.ም. ኣብ ደርባን ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ዝቖመን፡ እዚ እውን ኣብ መስከረም 1999 ዓ.ም. ድሕሪ ዝሓንጸጾ መደብ ከም ዝኾነን ዕለት 25 ግንቦት ክልተ መዳይ ዘጉልሕ ኮይኑ እቲ ቀዳማይ፡ ፈላሚ ህሞታት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝዝከረሉን ካልኣይ፡ ስነ መልክዓ ምድራዊ ፖለቲካን ትካላውን መዳያቱ ዘመላኽትን፡ ብዛዕባ’ቲ መስረትቲ ኣቦታት ዝሓሰብዋ ኣፍሪቃ ናይ ምህናጽ ውልቃውን ሓባራውን ዓቕሚ ብቐጻሊ ሕቶታት ዘለዓዕል ኮይኑ በዚ ኸኣ እቲ መዓልቲ ኣብ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ሱር ዝሰደደ ባህሊ ኮይኑ፣ ኣብ ቅድስቲ መንበር ተፈላጥነት ዘለዎም ኣፍሪቃውያን እውን ብሓባር ዝዝክርዎ ዕለት ከምዝኾነን ብዛዕባ ግደ ኣህጉር ኣፍሪቃ ኣብ ዓለም ንቕሓት ንምዕባይ ዝዓለመ ፍጻመታት ንምውዳብ ዝሕግዝ ዕድል እውን ምዃኑ የፍልጥ።

Photogallery

ካርዲናል ፓሮሊን፡ 'ኣፍሪቃ መሬት ተስፋ እያ'
29 May 2024, 15:22