ድለ

ፓሮሊን፡ ተኽእሎ ኣጠቓቕማ ኣጽዋር ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ መጥቃዕቲ ጸረ ሩሲያ ዘስዕቦ ሓደጋ ፓሮሊን፡ ተኽእሎ ኣጠቓቕማ ኣጽዋር ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ መጥቃዕቲ ጸረ ሩሲያ ዘስዕቦ ሓደጋ 

ፓሮሊን፡ ተኽእሎ ኣጠቓቕማ ኣጽዋር ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ መጥቃዕቲ ጸረ ሩሲያ ዘስዕቦ ሓደጋ

ኣብ ሚላኖ ብዛዕባ ኖጋራ ዝምልከት መጽሓፍ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ ዝተረኽቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን፥ ንጋዜጠኛታት ብዛዕባ ተኽእሎ ኣጠቓቕማ ኣጽዋር ምዕራባውያንን ሃገራት ኣብ መጥቃዕቲ ጸረ ሩሲያ ምጥቃም ዝብል ጉዳይ "ንነፍሲ ወከፍ ብዛዕባ ዕጫ ዓለም ዝግደስ ሰብ ከሻቕሎ ዝግበኦ ዘሰክፍ ጉዳይ እዩ" ከምኡ እውን እቶም ኣብ ሩሲያ ዝርከቡ ንህጻናት ዩክሬን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ናይ ቅድስቲ መንበር ጻዕሪ ሰብኣዊ ተወፋይነት ደጊሞም ብምርግጋጽ፡ ኣስዒቦም ብዛዕባ ቁጠባ ቫቲካን ብዝምልከት ድማ "ብዙሕ ምግናን ከም ዘሎ ሓቢሮም፡ ስርዓት ንምምላስ ናይ ር.ሊ.ጳ. ዓቢ ጻዕሪ" ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ኤውሮጳ ኣብ መሬት ሩስያ ኣጽዋር NATO - ውድብ ውዕል ሰሜን ኣትላንቲክ፡ ምጥቃም ከይህሉ ዝብላ ዝነበራ ሃገራት ኣብዚ እዋን እዚ የንሳሕባን እገዳ ኣብ ምልዓል ከም ዝርከባን፡ እዚ እቲ ኣጻዋር ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ መሬት ሩሲያ ምጥቓም ዝብል ብዙሕ ተቐባልነት ዝረክብ ዘሎ ጉዳይ፡ ዘሰክፍ ምዃኑ ካርዲናል ፓሮሊን ገሊጾም፥ ሰራዊት ዩክሬን ብሃገራት ምዕራባውያን ኣጽዋር ንሩስያ ክጥቅዕ ስልጣን ምሃብ - ኣብ ዝብል ዛዕባ ካብ ዕለት 30 – 31 ግንቦት ኣብ ፕራግ ናይ ሰሜን ኣትላንቲክ ቃል ኪዳን ሃገራት ብናይ ሚንስትራት ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ዘይመደበይና ዓውደ ኣኼባ ይኹንታ ክህበሉ ከም ዝኽእል ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ክሕብር እንከሎ፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ሕቶ ዝቐረበሎም እቲ ብባንኪ ቫቲካን ዝፍለጥ IOR - ተቕዋም ንሃይማኖታዊ ተግባር ዝመስረተ ኢጣልያዊ ክኢላ ባንኪ “በርናርዲኖ ኖጋራ፥ ኣብ ኣገልግሎት ር.ሊ.ጳጳሳትን ኢጣሊያን” ብዝብል ኣርእስቲ ብንጀሎ ካሌካ ዝተደርሰ መጽሓፍ ንንባብ ንምብቃ ኣብ ዝተካየደ ዓውደ ርክብ ዝተሳተፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን፥ “ብሓቂ ዘሰክፍ ጉዳይ እዩ . . . ንኹሉ ዕጫ ዓለምና ዘገድሶ ሰብ" ዘሰክፍል ክኸውን ኣልዎ . . . ብሓቂ ሓደጋ እዩ!” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጦ።

ኣብ ሩሲያ ዝርከቡ ህጻናት ዩክሬይናውያን ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ሰብኣዊ ተወፋይነት ቅድስቲ መንበር

እቶም ናብ ሩሲያ ብሓይሊ ዝተወስዱ ሕጻናት ናብ ዓዶም ንምምላስ ዝግበር ናይ ቅድስቲ መንበር ጻዕሪ ሰብኣዊ ተወፋይነታ ደጊሞም ብምርግጋጽ፡ ዝሓለፈ ዓመት ናይ ኢጣሊያ ቤት ምክሪ ጳጳሳት - CEI ኣቦ መንበር ካርዲናል ማትዮ ማርያ ዙፒ ናብ ኪየቭን ሞስኮን ምብጻሕ ከም ዘካየዱን፥ "ኣዝዩ ቅልጡፍ ኣይኹን እወታዊ ውጽኢት ድማ ህይብ ኣሎ . . . ምስ በሉ ቀጺሎም ብዛዕባ ዝቕጽል ምርጫ ኣባላት ህዝባዊ ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ንዝቐርበሎም ሕቶታት ክምልሱ እንከለዉ፥ “መርገጺ ቤተክርስትያን ፈጺሙ ውድባዊ ከምዘይኮነን ንሓደ ወይ ነቲ ካልእ ዝድግፍ ወይ ዝቃወም ሓሳብ ገርካ ዝግለጽ እውን ኣይኮነን" እንክብሉ ብኣጽንዖት ኣስተብሂሎም፥ ይኹን እምበር "ምስታፍ፡ ድምጽኻ ምግላጽ፡ እዚ ማለት ደሞክራሲ ምትግባር ምጥቃምን ስለዝኾነ" ኣገዳሲ እዩ። ማዕረ ማዕሪኡ "ንናይቶም ምስ ካቶሊካዊ ክብርታት ተሃዋስነትን ቅርበትን ዘለዎም ዝመሳሰሉ ሕጹያት ኣብ ግምት ከነእቱ ኣለና። እዚ እዩ እቲ ንሕና እንስዕቦ መትከላት” ኢሎም።

ብዛዕባ ቍጠባ ቫቲካን ብዙሕ ምግናን ኣሎ

ኣብ መወዳእታ፡ "ንር.ሊ.ጳ.፡ ንቫቲካን እሙን ወዲ ቤተ ክርስቲያን፡ ሓድሽ ኣገባብ ምሕደራ ቁጠባን ሃብቲ ገንዘብን ቤተ ክርስቲያን ዘስፈሐ" በርናርዲኖ ኖጋራ ተክለ ሰብነትን ዕዮታትን እናሓሰቡ፡ . . . ኣብ ቁጠባዊ ዓውዲ ዕዮኡ፡ “ብቑዕ፡ ቅኑዕን ግልጽን” እንክብሉ ኣብሪሆም፥ ብዛዕባ ኩነታት ቁጠባን ሃብቲ ገንዘብ ቫቲካን ዝምልከት ካብ ጋዜጠይናታት ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፥ "ብወገን ር.ሊ.ጳ.፥ ቁጠባ ናብ ስርዓት ንምምላስ ዓቢ ጻዕሪ ከም እተገብረን . . . ኣብ ቁጠባን ሃብቲ ገንዘብን ቫቲካን እውን ብዙሕ ምግናን ነይሩ እዩ፡ ናይ ሓሶት ዜና ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ . . .  ብርግጽ ምግናን ነይሩ እዩ ኣሎ እውን" እንክብሉ መልሲ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንጥቕሚ ህዝቢ ተባሂሉ ንቤተ-ክርስትያን ዝወሃብ ምጽዋት

ካርዲናል ፓሮሊን ወሲኾም፥ "እቲ ር.ሊ.ጳ. ዝፍጽምዎ ዕዮን ኣገልግሎትን ዋላ እውን እቲ ሓፈሻዊ ኵነታት ምሹእ እንተ ዘይኰነ ብፍላይ ከኣ ካብ ምእመናን ዓለም ዝቐርብ ምጽዋት ናይ ቅድስቲ መንበር ኣገልግሎት ብህድኣት ንቕድሚት ኪስጕም ዝገብር እዩ" ምስ በሉ፥ ከምቲ ዳርጋ ኣብ ኵሉ ቦታታት ዚርአ "ኣብ ደረጃ ሰበኻ እውን ከይተረፈ ዝቐርብ ምጽዋት ይንኪ ኣሎ . . . እዚ ቤተ-ክርስትያን ዝያዳ ተኣማንነት ክህልዋ ዝብል ትውክልቲ ዘለዎ ኮይኑ እዩ ዝስምዓኒ፡ በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን "ቤተ-ክርስትያን ብዙሕ ሰናይ ነገራት እያ እትገብር። ነዚ ድማ ክንርስዖ የብልናን። መብዛሕትኡ እቲ ዝወሃብ ምጽዋት ንጥቕሚ ህዝቢ ኸም ዝዀነ ምእማን የድሊ . . . እንክብሉ መልሲ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

31 May 2024, 14:32