ካርዲናል ፓሮሊን፡ ብዘይ ዘተ ሰላም የሎን! ካርዲናል ፓሮሊን፡ ብዘይ ዘተ ሰላም የሎን! 

ካርዲናል ፓሮሊን፡ ብዘይ ዘተ ሰላም የሎን!

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምቲ ዓመት መጸ ብማሕበር ኩላትና ኣሕዋት ዝዳሎ ኣብ ናይ 2024 ዓ.ም. ካልኣይ ዓለምለኻዊ ኣኼባ ሰብኣዊ ሕውነት BeHuman - ሰብ ኩን ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ካብ ዕለት 10 - 11 ግንቦት ኣብ ሮማን ሃገረ ቫቲካንን ኣስታት 30 ናይ ሰላም ኖበል ተሰለምቲ ኣብ ናይ "ክቢ ጠረጴዛ ሰላም" ዘሳተፈን ኣብዚ ዘይርጉጽነትን ፍርሕን ዝረኣየሉ እዋን ሕውነታዊ ሓባራዊ ህይወት ዝምልከት "ናይ ውሳኔ ሰነድ ሰብኣውነት" ዘቕረበ ዓውደ ጉባኤ ብዘስምዕዎ መደረ ዝተኸፍተ ምንባሩ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ "ነቲ ዘይገሃስ መሰል ርእሰ - ምክልኻል ደጊመ ከረጋግጾ እንከለኹ፡ ብሓፈሻ ኲናት ኩሉ ግዜ ውድቀት ናይ ደቂ ሰባት እምበር ናይቶም ኣብ ኲናት ዝሳተፉ ውልቀ - ወገናት ጥራይ ኣይኮነን" ቢሎም፥ ኵሉ ኲናት ምስ ክብሪ ወዲ ሰብ ዝጋጮን "ኲናት ብባህርይኡ ንሽግራት ንምፍታሕ ዘይኮነስ፡ ሽግራት ንምግዳድ ጥራሕ እዮ ተኽሎኡ" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ካብ ጓቲማላ ሪጎበርታ መንቹ ቱም፡ ካብ ሩስያ ዲሚትሪ ሙራቶቭ፡ ካብ የመን ታዋኮል ካርማን፡ ከምኡ’ውን ከም በዓል ማቸል ማንዴላ መበለት ኔልሰን ማንዴላን ናይ NASA - ሃገራዊ ምምሕዳር ኣየርን ህዋን መርሓ ግብሪ ህዋን ምርምር ኣየርን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ በርገሳዊ መንግስታዊ ትካል ዋና ኣመሓዳሪ ቢል ኔልሰንን ዝኣመሰሉ ኣስታት 30 ናይ ሰላም ኖበል ተሰለምቲ ከም ተሳተፉን እዚ መደብ “ብማሕበር ኩላትና ኣሕዋት” ተዳልዩ ዕለት 10 ግንቦት ዝጀመረ ዕለት 11 ግንቦት እተዛዘመን፡ ካልኣይ ሕታም BeHuman - ሰብ ኩን ብዝብል መርሕ ቃል ተሰንዩ ከም ተኻየደን ንህዝቢ ክፉት ዝኾኑ ዓሰርተ ክልተ ኣርእስታት ዘለዎ ኣብ 12 ናይ ክቢ ጠረጴዛ ዘተ ዘጠቓለለ ምንባሩን ገሉኡ ካብቲ መደባቱ ድማ ብቐጥታ ብዝተፈላለየ መራኸቢ ብዙሓን ከም እተመሓላለፈን ሊቃውንቲ ስነ ፍልጠን ሓኻይምን ኣካየድቲ ስነ-ቑጠባውያን፡ ኣካየድቲ ምሕደራን፡ ስፖርተይናታትን ተራ ዜጋታትን ዝሳተፍዎ ከም ዝነበረን ኩሎም ብመትከል ሕውነት ዝተደፋፍኡ ኣማራጺታት ኲናትን ድኽነትን ንምእላይ ብሓባር ዝጽመድሉ መድርኽ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ኲናት ኣብ ልዕሊ ክብሪ ደቂ ሰባት ዝፍጸም በደል እዩ

ካርዲናል ፓሮሊን፥ "ኣምላኽ ንደቂ ሰባት ብሰላም ክነብሩን ንፍጥረት ክሕልዉን እምበር ከጥፍእ ኣይፈጠሮምን።" ስለዚ ፍጥረትን ተፈጥሮን ምሕላው ምርጫ ዘይኮነስ ጸዋዕታን ሓላፍነትን ሰብኣዊ ፍጥረት ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

"ፍትሓዊ ኲናት" ዝብል ኣምር ዳግመ ግምት ምግባር

ብመሰረት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር፡ ሎሚ እቲ "ፍትሓዊ ኲናት" ዝብል ኣምር ባዕሉ ኣብ ሕቶ ምልክት ምእታው የድሊ፡ ምኽንያቱ "ግጭታት ብተዛማዲ ድሩት ስፍሓት ኣብ ዝነበሮ ዘመን እዩ መበገሲኡ። ኣብዚ እዋናዊ ዘመን፡ ምስ ምምጻእ ኑክሊየሳውን ጃምላዊ ዕንወትን ኣጽዋር፡ ነቲ ፍትሓዊ ኩናት ዝብል ሰረተ ሓሳብ ኣዝዩ ጸገም ዘለዎ ኮይኑ እዩ ዘቕርቦ።"

ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ዘተ ኣብ ልዕሊ ኣጽዋር ምዕዋት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዕለት 9 ግንቦት ዓመተ ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ብኽብሪ ኣዊጆም “Spes non confundit - ተስፋ ኣይተሕፍርን እያ” – ብዝብል ኣርስቲ ዘረከብዎ ጳጳሳዊ ኣዋጅ ሰነድ ብዘይ ምይይጥ ሰላም ከም ዘይህነጽ ጥራይ ዘይኰነስ ውግእ ከም ዝለዓዓል ዘመላኽትን እዚ ድማ ንድምጺ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ብናይ ውግእ ኣጽዋር ምትካእ ኢዩ ዝኸውን፡

ድሕርዚ ካርዲናል ነቲ ር.ሊ.ጳ. ኣብቲ ጳጳሳዊ ናይ ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ኣዋጅ ሰነድ ዝገለጽዎ ሰለስተ መዳያት ተወፋይነት - ንጠንቂ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ምፍታሕ ዘይማዕርነትን ዘይስገርን ዕዳታት ድኻታት ሃገራት ምሕካኽን ከምኡውን ንዝጠመዩ ምዕንጋልን ዝብሉ ጠቒሶም፥ ሰላም ካብ ዘተን ፍትሕን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ድኽነት፡ ኣብ ናይ ሎሚ ዓለም ዓቢ በደል

"ካብ በደል ሓራ ምውጻእ ንናጽነትን ሰብኣዊ ክብርን የስፍሕ . . . ማሕበራዊ ፍትሒ ምሕላው መሰረታዊ እዩ፡ ብፍላይ ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት “ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ብዋጋ ናይቲ ሰብ ብሰፊሑ ኣብ መዐቀኒታት ጥቕምን ምውናንን ጥራይ ናይ ምጽጋዕ ዝንባለ ብኸቢድ ኣብ ሓደጋ ከም ዝወደቐ ኣብሪሆም፥ ማሕበራዊ ፍትሒ ዘይምህላው፡ "እቶም ብዙሕ ዝውንኑ ብተዛማዲ ውሑዳት፡ እቶም ዳርጋ ዋላ ሓንቲ ዘይውንኑ ድማ ብዙሓት" ዝብል፡ "ሓደ ካብቶም ዓበይቲ በደላት እዋናዊ ዓለም" ቅድመ-ኩነት ድኽነት ምዃኑ ብኣጽንዖት ገሊጾም፡

እዚ ዓይነት ኣካይዳ "ናብ ሕጽረት ትምህርቲ" ይመርሕ፡ እዚ በተራኡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣኽራርነትን ጸንፈይናነትን ምጽናዕ የስዕብ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ዕዳን ሕውነትን

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ርእሲ ድኽነት ውልቀ-ሰባት እተን "ምስ ናይ ወጻኢ ዕዳ ማዕረ ክኸዳ ዘይክእላ" ሃገራት እውን ጠቒሶም . . . እቲ ዝተዋህበ ዕዳ ክኽበር ዘለዎ ዝብል መትከል ከም ዘለዎ ኮይኑ እዚ ግን መሰረታዊ መሰል መነባብሮን ምዕባለን ህዝብታት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእትው ክኸውን የብሉን እዚ ድማ ሕድገት ዕዳ ወሳኒ ምዃኑ እዩ ዝሕብር - ቢሎም - ኣብ መንጎ ኣህዛብ ዘሎ ሕውነት ዳግማይ ምርካብ ኣድላዪ እዩ እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

11 May 2024, 17:32