ፓሮሊን፡ ሓላፍነትን ርክብን መሰረት ናይቲ ቁጠባዊ ተበግሶ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሰብ ሃብቲ ኣብቲ ውሳነ ናይ ምግባር ንጥፈታቶም ነቲ ናይ ሓላፍነትን ምርኻብን መሰረታዊ ስርዓታትን ፈጺሞም ክርስዑ የብሎምን - እቲ ቐዳማይ "ስነ-ምግባራዊ ናጽነት ስለ ዝትርጕም ከምኡውን ሓደ ሰብ ነቲ ጽቡቕ ጻውዒት ምላሽ ዝህበሉ ወይ ምላሽ ዘይህበሉ ኣድላዪ ናይ ብሕቲ ናብራ ስለ ዘመልክትን ኢዩ።" እታ ኻልአይቲ ኸኣ፥ "ብዘይ ምስ ካልኦት ርክብ ሓርነትን ሓላፍነትን ናይ ሓቂ ምጥቃም ስለ ዘየለ” እዩ ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብቲ ዕለት 15 ግንቦት ድሕሪ ቐትሪ ሮማ ኣብ ዝርከብ ኣብ ቅድስቲ መንበር ኣብ ናይ ኢጣሊያ ልኡከ መንግስቲ ህንጻ ኣብ ዝተኻየደ መንእሰያት ሕብረት ነጋዶን ኣካየድትን ትካላትን ዘተባብዕዎ ናይ መጀመርታ ሕታም ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ካርዲናል ፓሮሊን ነቲ ኣብ ሕንጻ ቦሮሜኦ እተኻየደ ኣኼባ ኣብ መእተዊ እቲ ንማሕበራዊ ስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ-ክርስትያን ናብ ማእከል ቍጠባዊ ናብራ ሓንቲ ሃገር ዜምጽኦ ጭቡጥ ሃናጽን ምይይጥ ንምግባር ዝዓለመ ኣኼባ ነቲ ዕለት 24 መስከረም 2022 ዓ.ም. ኣብ ኣሲሲ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እተገብረ “ፍራንቸስካዊ ቁጠባ ዓውደ ጉባኤ” መንእሰያት ዝኸተመው ሰነድ ዘጒልሕ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ኣስዒቦም ር.ሊ.ጳ. ሊዮነ መበል 13፡ ፒየስ መበል 11፡ ዮሃንስ መበል 23፡ ጳውሎስ ሻድሻይ ከምኡውን ዮሃንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ድሮ ኣብቲ ምስ ስራሕን ቍጠባን እተተሓሓዘ ጕዳያት ብዙሕ ኣቓልቦ ገይሮም ኢዮም። ካብ "እዚ ውርሻ ማሕበራዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን" ጀሚሩ፡ ክብርታት ሓላፍነትን ርክብን ከም "እምነ ኩርናዕ ክርስትያናዊ ዋኒን ፍጹም እዋናዊ ጉዳያት" ዝውክሉ ምዃኖም ደጊሞም ኣረጋጊጾም። ሓላፍነት ብተፈጥሮኡ ንጹር ናይ ብሕቲ ኣደማምጻ እኳ እንተለዎ ምስ ናብራ ማሕበረሰብ እውን እተተሓሓዘ ኢዩ። በዚ መንጽር ምስቲ ኣብቲ ርክብ ምስ ካልኦት ዝምድና እንተዘይሃልዩ ሓቀይና ናጽነትን ሓላፍነትን ምጥቃም” ክህሉ ከም ዘይክእል የብርሁ።
ነዚ ተርእዮ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ይብሉ፥ "ክርስትያናዊ እምነት ከምኡውን እቲ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ከባቢኣን ኣብ ኣህጉራዊ መድርኽን ዘለዋ ተበግሶታት ንህላወ ውልቀ-ሰባት ንማሕበረሰብን ንማሕበረሰብ መንግስታትን ትርጕም ዝህብ ምኽንያታት ንምርካብ ኣብ ዓለም ዘሎ ናብራ ኣገባብ ናይ ምቕራጽ ዕላማ ኣለዎ።" ኣብ ከባቢ እዚ ኣብ መንጎ ውልቀ-ሰባትን ማሕበረሰብን ዘሎ ጥብቂ ምትእስሳር እቲ ማሕበራዊ ሰረተ-እምነት ቤተ-ክርስትያን፥ "ጭቡጥ ኵነታት ብውጽኢታዊ መገዲ ክቈጻጸር ዝኽእል ንጡፍ ህላወ ንኽህሉ ዝሕግዝ ሰለስተ ሓሳባት" ከም ዝህብ የመላኽቱ። እቲ ቐዳማይ ንግዲ "ነቲ ኵላዊ ሓባራዊ ጥቕሚ ኣበርክቶ ንምግባር ንሰብን ንስድራቤት ህዝብን ዝጠቅም" ምዃኑ ኢዩ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ሓደ ትካል "ነቲ ሓባራዊ ጥቕሚ ኺስዕብ ዝኽእል፥ ንሰብኣዊ ክብረት ከም መሰረት ዋጋ ገይሩ እንተ ኣኽቢርዎ ነቶም ዝያዳ ሓገዝ ዘድልዮም ከካፍሎም እንተ ኽኢሉ ከምኡውን ኪዓዪ ኸሎ ንነፍሲ ወከፍ ማሕበረሰብ ዜደንፍዕ እተፈላለየ ንጥፈታት ከወሃህድ እንተ ኽኢሉ ጥራይ እዩ" ይብሉ።
እቲ ካልኣይ ለበዋ ነቲ ናይ ውጥን ንጥፈት ዝምልከት ኮይኑ፡ “መሰላትን ግቡኣትን ሰብን ዓበይቲ ክብርታት ክብሪ ናይቲ ሰብን ፍትሕን ሰላምን ኣብ ስርዓት ነገራት ሱር ዝሰደደ እዩ፡ ኣብ ዝብል ርግጸይናነት ክካየድ ኣለዎ” ዝብል እዩ። ኣብዛ ብስእነት መግቢ ዝሳቐዩ ብዙሓት ዝኾኑላ ዓመጽቲ ግርጭታት ዝበዝሓላ፡ ብሰንኪ እምነቶም ዝስደዱላ ሰባት ዝበዝሑላ ዓለም፡ ክስዕቦ ዘለዎ መገዲ “ኩሎም ሰባት ናይ ገዛእ ርእሶም ውሽጣዊ ማዕረ ክብሪ ምእንቲ ከስተማቕሩ ኣድልዎ ምውጋድ ዝብል እዩ።”
ኣብ መወዳእታ፡ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር፡ ኩሉ ግዜ "ኣብ ስግረ-ክብሪ ናይቲ ሰብ (ኣብ ናይ ሓቂ ባህርይ ሰብ) እምነት ምዅስኳስ" ኣድላዪ ምዃኑ ኣጉሊሖም፡ ንሓቀይ ባህሪ ወዲ ሰብ ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ስለዚ ድማ "ብኹሉ ኩነታት ንህይወት ብዘኽብር ናይ ዋኒን ምርጫታት" ምንቅስቓስ የድሊ። ኣብዚ ኣዕኑድ እዚ እተመርኰሰ ቝጠባዊ ተበግሶ፡ ሰብ "ናይ ገዛእ ርእሱ ውልቃዊ ምህዞ" ይገልጽ፡ ኣብኡ ኸኣ "ንሰብኣዊ ዕብየት ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብ ኣድላዪ ዝዀነ ብሕታዊ ክብሪ” ከምኡውን ማሕበራዊ ሓድነት ንምምሕያሽ ዘድሊ ህልዮ" የስተውዕል። ኣብዚ መዳይ እዚ ኸኣ ማሕበራዊ ሰረተ-እምነት ቤተ-ክርስትያን በዓል ትካል - በዓል ሃብቲ "ኣብ ትልሚ ሓባራዊ ረብሓ" ክቕጽል "ኣብቲ ኣዝዩ ከቢድ ዕማም ድኻምን ትብዓትን ንኽጻወር" ከምኡውን "ነቶም ንጥቕሚ ሓባራዊ ረብሓ ኢሎም ገዛእ ርእሶም ኣብ መስመር ዘእተዉ ነጋዶ ዝገልጽ ሓበሬታ ንምንቕቓሕ" ግቡእ ኵነታት ንኸስፍሕ ከም ዝሕግዝ የብርሁ።