ጳጳሳዊ ኡርባኒያኑም መንበረ ጥበብ፥ ኣብ ቻይና ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያን ዝምልከት ጉባኤ የአንግድ ጳጳሳዊ ኡርባኒያኑም መንበረ ጥበብ፥ ኣብ ቻይና ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያን ዝምልከት ጉባኤ የአንግድ 

ጳጳሳዊ ኡርባኒያኑም መንበረ ጥበብ፥ ኣብ ቻይና ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያን ዝምልከት ጉባኤ የአንግድ

ብምኽንያት መበል ሚእቲ ዓመት ቀዳማይ ጉባኤ ቻይና ኣብ ሻንጋይ ጳጳሳዊ ኡርባኒያኑም መንበረ ጥበብ ሎሚ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቻይና ዘለዎ ተዛማድነት ንምዝታይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ የዳሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ኣብ ሮማ ዚርከብ ጳጳሳዊ ኡርባኒያኑም መንበረ ጥበብ ነቲ ኣብ 1924 ዓ.ም. ኣብ ሻንጋይ እተገብረ መበል ሚእቲ ዓመት ቀዳማይ ዋዕላ ቻይና ንምብዓል ዕለት 21 ግንቦት ኣህጉራዊ ዋዕላ ከም ዘዳለወን እዚ ፍጻመ እዚ ካብቲ ቀዳማይ ዋዕላ ካብ ዝተገብረሉ 100 ዓመት - ኣብ መንጎ ታሪኽን ሕጂ ዘሎን" ኣርእስቲ ዘለዎ ኮይኑ፡ ነቲ ኣብ ቻይና ናይ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን መስርሕ ብህልትውና መሰረት ዘንብረ ኣገዳሲ ፍጻመ ንድሕሪት ምልስ ቢሉ ዝዝክርን ነቲ ሎሚ ንቤተ-ክርስትያንን ነቲ ሎሚ ኣብ ከባቢ ዓለም ለኻዊ ምዕባለ ዘለዋ ስፍሓትን ኣገዳስነትን ንኽርድኦ መሰረት ዘንብረላ ኣገዳሲ ፍጻመ ኢዩ።

ቀዳማይ ጉባኤ ቻይናን መስርሕ ብህልትውና ቤተ ክርስቲያንን

“ጉባኤ ሻንጋይ ካብ ዕለት 15 ግንቦት ክሳብ ዕለት 12 ሰነ 1924 ዓ.ም. ኣብ ታሪኽ ሕጅን ሎምን” ብዝብል መርሕ ቃል ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኣብ ቻይና ብናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ቸልሶ ኮስታንቲኒ ኩሎም ኣቡናት እታ ሃገር ክእከቡ ከም ዝኾኑን፣ ነቲ ር.ሊ.ጳ. በነዲክት መበል 16 ’Maximum Illud’ Apostolic Letter - ዓባይ ሓዋርያዊት መልእኽቲ” ብዝብል ኣርእስት ናብ ቻይና ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣብ ግብሪ ንምውዓል እተዋህበ ትእዛዝ ክርስቶስ "ንዝዀነ ይኹን ህዝቢ ባዕዳዊ ኣይኰነን" ከምኡውን ክርስትያን ምዃን ክበሃል እንከሎ ንህዝብኻ እሙን ዘይምዃንን ክርስቲያን "ንናይ ወጻኢ ሃገር ስልጣን ንምምሳልን ንምግዛእን ኢድካ ምሃብ" ማለት ከም ዘይኰነ ዝብል ዘንበሮ ሓሳብ ዝትንትን ብመንጽር እቲ “ዓቢይ ናይ ውሳኔ ሰነድ” ናይ እዋናዊ ካቶሊካውያን ተልእኾታት ተባሂሉ ዝሕሰብ ታሪኻዊ ጳጳሳዊ ሰነድ፡ እቲ ቤት ምኽሪ ንቤተ ክርስቲያን ቻይና ደቀባት ንምትብባዕ ዝርዝር ድንጋገታት ዝህብ፡ ንሃገረ ስብከታታን ሰበኻታታን ንደቀባት ጳጳሳትን ካህናትን ብምሃብ፡ ነቲ መግዛእታዊ ኣተሓሳስባ ዝቃወም ምንባሩ ዘዘኻኽርን ነዚ ሓሳብ እዚ ምስ ዝሓለፍን እዋናውን ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቻይና ዝድህስስ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

መደብ ናይቲ ዋዕላ

ኣብቲ ፊደስ ኣገልግሎት ዜናን ሽማግለ ቫቲካን ዛዕባ ቤተ ክርስቲያን ቻይናን ብምትሕብባር ዝተዳለወ ጉባኤ ቀንዲ መደረ ዘስምዑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን፡ ናይ ስብከተ ወንጌል ነህዛብ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ተራዳኢ ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ልዊስ ኣንቶንዮ ታግለን ናይ ሻንጋይ ጳጳስ ጁሰፐ ሸን ቢን ከም ዝኾኑን፥ ካብ ናይ ቻይና ተቕዋም ማሕበራዊ ስነ ፍልጠት ፕሮፈሰር ዠንግ ሺያኦዩንን ፕሮፌሰር ሊዩ ጉኦፐንግን ዝርከብዎም ካብ ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ዝመጹ ምሁራትን ተመራመርትን ሓዊሱ መደረ ከስምዑ ከም ዝኾኑን እቲ ጉባኤ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ብዘመሓላልፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልኽቲ ከም ዝኽፈት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

15 May 2024, 15:39