ድለ

ኣብ መዕጸዊ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሕጻናት፥ በኒኚ፥ “ብሓባር ንውግእ እትስዕሩ ጀጋኑ ኢኹም”

ናይ ፊልም ደራስን ቀራጽን ተዋሳኣይ መስሓቕ ኢጣሊያዊ ሮበርቶ ቤኒኚ፡ "ኲናት ካብ ኵሉ ዓይነት ሓጢኣት እቲ ዝዓበየ ዕሽነት እዩ፡ ንኹሉ ነገር ዝብክል እዩ . . . ሕጻናት ኣተሓልሙን ብሓባር ንውግእ እትስዕሩ ጀጋኑ ኵኑ” ኣንክብል ከም ዝዓደሞም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ካብ ዕለት 25 – 26 ግንቦት ኣብ ሮማ ዝተኻየደ ቀዳማይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሕጻናት መዕጸዊ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ድሕሪ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኢጣሊያዊ ናይ ፊልም ደራስን ቀራጽን ተዋሳኣይ መስሓቕ ሮበርቶ ቤኒኚ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተረኺቡ ምስ ንቅዱስ ኣቦና ሰላምታ ድሕሪ ምልውዋጥ፥ ኣብ ዘሰመዖ መደረ፥ እቲ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ዘሎ ኢየሱስ ዝመሃሮ ትምህርቲ ብጽዕና "ኣብ ህይወተይ ካብ ዝሰማዕክዎ እንኮ ርትዓዊ ነገር" እንክብል ከም ዝገለጾን ብዛዕባ ብጽዕና ኢየሱስ ዝሃቦ ትምህርቲ ምስዓብ ሰብን ዓለም ዝልውጥ እዩ ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሕልሚ

"ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብብዙሕ ሕልሚ መሊኡ እርእይ ኣሎኹ፡ ከምዚ ዓይነት ጫውጫውታ ሕልምታት። . . .  ሕልሚ! ኣብ ዓለም ካብ ዘሎ ነገራት እቲ ዝበለጸ ኢዩ። ሓደ ምስጢር ክነግረኩም፥ ከመይ ከም እትሓልሙ ክንገረኩም፡ እወ ምናልባት ኣዒንትኻ ትዕምት ትድቅስ ደሓር ድማ ትሓልም ክትብሉኒ ትኽሉ፡ ኣይፋል ሓደ ሚስጢር ክነግረኩም፥ ንምሕላም ኣዒንትኹም ክትዓጽዉ ኣየድልየኩምን እዩ። የዒንትኹም ክትከፍቱ ኣለኩም፡ ከተንብቡን ክትጽሕፉን ክትምህዙን! ኣለኩም!

ከም ዝበለ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ጽውጽዋይ

“ቆልዑ ኩሉ ከንብቡ ኣለዎም። ኩሎም ጽውጽዋያት - ፡ ኣዝዮም ኣገደስቲ ዝኾኑ! ጽውጽዋይ እንታይ’ዩ ፋይዳ ኣለዎ ቢልኩም ክትሕቱኒ ትኽእሉ፡ ምስ በለ ዝተፈላለዩ ዓይነት ጽውጽዋይ ጠቒጠሱ፥ ውግ ክስዓር ከምስከኣል . . . ገበል እውን ክስዓር ከም ዝከኣል . . . ኮታ ክፍኣት ዘበለ ኩሉ ክሰዓር ከም ዝከኣል ጽውጽዋይ ደስ ብዘብል ኣገላልጻ ከም ዝምህረና ኣዘኻኺሩ፥

ጸገማት

"ዓበይቲ ነገራት ግበሩ . . . ኣበርቲዕኹም ዕየዩ፣ ሓደ ነገር ከቢድ ምስ ዝኸውን ውጽኢቱ ድማ ኣዚዩ ባህ ዘብል ይኸውን! "እዚ ኽገብሮ ኣይክእልን እየ፣ እዚ ኣዝዩ ኸቢድ እዩ፣ ቢልኩም ኣይትፍርሑ! . . . እንተተጋገኹም ኣይትጨነቑ! . . . ኣጸጋሚ ነገራት ። እንተ ተጋግዩካ ኸኣ ኣይትጨነቕ! ተጋጊኻ እወ . . . ጌጋ ግበሩ . . . ኩሉ ሳዕ ግን ምፍታን እዩ ዘድሊ። ሓድሓደ ግዜ ጌጋታት ኣድላዪ ጠቓሚ ኣረ ባህ ዘብልን ጽቡቕን እውን እዩ ዝኸውን ንኣብነት ግምቢ ፒዛ እሞ ረኣይዎ። ከመይ ዝበለ ጽቡቕ ጌጋ ምዃኑ . . . ጌጋ ጽባቔ ዝኾነሉ!

ጥርጣረታት

“ገና ነኣሽቱ ምዃንኩም እፈልጥ እየ፡ እንታይ ክትገብር ከም ዘለካ ኣብ ዘይትፈልጠሉ ዕድመ ከም ዘለኹም፡ ብዙሕ ጥርጣረታት ከም ዘለኩም፡ ግን ኣይትጨነቑ - ክትዓብዩ ኢኹም፡ . . .  ንእሽቶይ ከለኹ ኣደይ ‘ሮበርቲኖ ሕጂ ነገራት ተማሃር፡ ምኽንያቱ ምስ ዓበኻ ዝኾነ ነገር ኣይክርድኣካን’ዩ’ ትብለኒ ነይራ። ሓቃ እያ “ገና ንእሽቶ ምዃንኩም እፈልጥ እየ፡ ኣብታ እንታይ ክትገብር ከም ዘለካ ኣብ ዘይትፈልጠሉ ዕድመ ከም ዘለኹም፡ ብዙሕ ጥርጣረታት ኣለኩም፡ ግን ኣይትሻቐሉ፡ ክትዓብዩ ኢኹም ድሕሪኡ ዝያዳ ክትክውኑ ኢኹም። "ርግጸጸይና ኩን፡ ኣብ መንገድኻ ጽናዕ" ንዝብለሉ ሰብ ኣይትእመኑ። . . .  ብኣንጻሩ: ውሕስነት ዘይብሎም ክትኮኑ ኣለኩም። ውሕስነት ዘይብሉ፡ ዘይወሳንን፡ ተጠራጣርን ብዝኾንካ መጠን፡ ዝያዳ ጥርጣረታት ብዝህልወካ መጠን ዝሓሸ እዩ። ርግጸይናነት ጽቡቕ እዮ፡ ዘይርጉጽነት ግን ዝያዳ ጽቡቕ እዩ።"

ትምህርቲ ብጽዕና ኢየሱስ

“ኣብ ህይወት ሰባት ብዙሕ ምኽሪ ይህቡ። . . . ኣብ ምሉእ ህይወተይ ዝሰማዕክዎ እንኮ ርትዓዊ ነገር ወይ ምኽሪ: ካብ መን ከም ዝሰማዕክዎ ትፈልጡ’ዶ? ካብ ኢየሱስ እዩ። ኣብ ወንጌል፡ ኢየሱስ ዝመሃሮ ትምህርቲ ብጽዕና እዩ! ኢየሱስ – ዘስሕቕ፡ ኣዝዩ ጽቡቕ፡ ክትቃወሞ ዘይትኽእል ጽባቐ – ኢየሱስ ነዞም ክንዝክሮም ዘለና ዝርዝር ክህብ ከሎ። ትሑታት፡ ገበርቲ ሰላም፡ መሓርቲ ... ብልክዕ፡ መሓርቲ፡ ማለት ንቃንዛ ካልኦት ዝከናኸኑ፡ ተሃዋሲ ምዃን፡ ይቕረ ዝብሉ ብጹኣን እያቶም። ብመሰረቱ ብዕምቆት ጽቡቕ ምዃን። ኢየሱስ ከምዚ ክብል ምሂሩ እዩ። እዚ ኢየሱስ ዝሃቦ ትምህርቲ ብሓቂ እብለኩም ኣብ ምሉእ ህይወተይ ዝሰማዕክዎ እንኮ ርትዓዊ ነገር እንተሎ እቲ ናቱ እዩ፡ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰባት ዝተገልጸ እንኮ ጽቡቕ ሓሳብ ኮይኑ ይስመዓኒ።”

ውግእ

"መብዛሕትኡ ግዜ ዓለም በቶም ምሕረት እንታይ ምዃና ፍቕሪ እንታይ ምዃና ዘይፈልጡ ሰባት ከም እትምራሕ ንፈልጥ ኢና ። እቲ እንብሎ ሓቂ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ እቲ ቐንዲ ጸገም ቅኑዕ ቃላት ማለት ነቲ ዅነታት ከም ዚፍጸም ዚገብር ቃላት ምርካብ እዩ ። ንኣብነት ከም 'ሰሳም ምኽፋት ' 'ውግእ ደው ምባል ' ዝኣመሰለ ውግእ ደው ንምባል ከምኡውን እቲ ውግእ ደው ንምባል ቅኑዕ ቃል ማለት ናይ ሽሕር ቃል ዝረኸበ ዋላ ሓደ የለን። ኣይረኸብናን ፣ ክንቈጻጸሮ ኣይከኣልናን። እዛ ቓል እዚኣ ግና ኣላ። ኣብ መንጎኹም ንዘለኣለም ንውግእ ደው ንምባል ነታ ቓል ዚረኽባ ሰብ ከም ዘሎ ርግጸይና እየ። ይስመዓኒ እውን ኣሎ! ምኽንያቱ እዛ ቓል እዚኣ ኣላ! ሓደ ኻባኻትኩም ኪረኽባ ብሓባር ክንረኽባ ብሓባር ክንደልያ ብውዕዉዕ ስምዒት ብቕንዕና ብዅሉ ቛንቋታትን ብሓሳብን ክንደልያ ኣሎና፣ ክንረኽባ ኢና፣ ክትረኽብዋ ኢኹም”

እንክብል ዘስምዖ መደረ ከም ዝዛዘመ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

Photogallery

ኣብ መዕጸዊ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሕጻናት፥ በኒኚ፥ “ብሓባር ንውግእ እትስዕሩ ጀጋኑ ኢኹም”
27 May 2024, 14:44