ድለ

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር መበል 76 ዓመት ናጽነት እስራኤል ይዝክሩ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር መበል 76 ዓመት ናጽነት እስራኤል ይዝክሩ 

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር መበል 76 ዓመት ናጽነት እስራኤል ይዝክሩ

ናይ ቫቲካን ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ውድባትን ሊቀ ጳጳስ ፖል ሪቻርድ ጋላገር መበል 76 ዓመት ናጽነት እስራኤል ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን እስራኤልን ዘሎ ታሪኽ ብምዝካር ኣኽቢሮም ብዘተን ሓቢርካ ምስራሕን ሰላም ዝከኣል ምዃኑ ዘለዎም እምነት ይገልጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቫቲካን ዋና ጸሓፊ ጉዳያት ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ውድባትን ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ዕለት 6 ሰነ ኣብቲ ኣብ ቅድስቲ መንበር ኣብ ናይ እስራኤል ልኡከ መንግስቲ ሕንጻ ተረኺቦም መበል 76 ዓመት ናጽነታ እስራኤል ከም ዝዘከሩን ምምስራት መንግስቲ እስራኤል ከምኡውን ኣብ መቓን ኣህጉራዊ ሕጊ ክሌኣዊ ስነ መላዊ ርክባት መሰረት ቅድስቲ መንበር ምሉእ ኣፍልጦ ከም ዝሃበትን ቅድሚ 30 ዓመት ማለት ዕለት 15 ሰነ 1994 ዓ.ም. ኣብ እስራኤል ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ እስራኤል ልኡከ መንግስቲ ብወግዒ ተመሪቑ ከም ዝቖመ ብምዝኽካር፥ "ቅድስቲ መንበር ምስ እስራኤል መንግስታዊ ርክብ ንምምስራት ዝገበረቶ ፖለቲካዊ ምርጫ ዓሚቝ ቈራጽነት ዝመልኦ ስምምዕ እዩ” እንክብሉ ገሊጾም፥ "እዚ ምርጫ ህላወ እስራኤል ኣብ ሕቶ ዘይኣቱ እዩ ዝብል እምንቶ መሰረት ዝገበረ ኣብቲ ካብ ነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ነቲ ኣብ መንጎ ኣስራኤልን ፍልስጥኤምን ዘሎ ግጭት ንምፍታሕ ክልተ ጎረባብቲ ሃገራትን መንግስታትን ኣብ ዝብል ውሳኔ ካብ ምእማን ዝተደረኸ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

7 ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር "እዚ ድሕሪ እቲ ዕለት 7 ጥቅምቲ ብሓማስን ካልኦት ዕጡቓትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እስራኤል ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ፡ ​​ብዙሓት ኣይሁድ ዝርከብዎም ኣማኢት ሰባት ብጭካነ ከም እተቐትሉን፡ ብዘስካሕክሕ መገዲ እውን ጅሆ ተታሒዞም" ከም ዘለዉን ዘኪሮም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝሓለፈ ሓድሽ ዓመት 2024 ዓ.ም. ወርሒ ጥሪ ኣብ ቅድስቲ መንበር ንናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ግብረሽበራን ጽንፈይናነትን ኩኑን እንክብሉ ደጊሞም ብምዝኽኻር "ግብረ ሽበራ መፍትሒ ናይ ዝኾነ ይኹን ግጭት ኣይኮነን . . . ንህይወት ወዲ ሰብ ዘሕስር ፍጹም ሸለልትነት ዝተመልኦ ተግባር ምዃኑ ብምግላጽ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ወይ ሃይማኖታዊ ድርኺት ድማ ምኽንያታዊ ድራኼ ክህልዎ ዘይክል እዩ” እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ኣጽኒዖም ብምዝኽካር ኣብ ጐድኒ ጉባኤ ጸጥታ ሙኒክ ኣብ ጀርመን ምስ ስድራቤት ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ዝተራኸቡሉ ግዜ ነቶም ጅሆ ዝተታሓዙን ስድራኦምን ቅርበቶምን እቲ ዘጋጠሞም ኩነት ድማ ብርቱዕ ሓዘን ከም ዝፈጥረሎም ዝገለጽዎ ሓሳብ “ደጊመ አሐድስ - ቢሎም - ቅልጡፍ ፍታሕ እውን ይረክብ ብዘይ ምህላዉ እቲ ስቓይ ካብ መዓልቲ መዓልቲ እናዐበየ ይኸይድ ኣሎ” እንክብሉ ወሲኾም ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጅሆ ዝተታሓዙ ንኽፍትሑ ዘቕርብዎ ልመና

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ነቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ብቕልጡፍ ክፍትሑ ብተደጋጋሚ ጻውዒት ብምቕራብ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ምስ ኣዝማዶም ብጉጅለን ብውልቅን ብምርኻብ ምስቶም ስድራ ቤት ዘለዎም ቀጻሊ ቅርበት ዘኪሮም። ብተመሳሳሊ ኣብ እስራኤል ንዝርከቡ ማሕበረሰባት ኣይሁድ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ቅርበቶምን እቲ ህልው ኩነታት ዝፈጥረሎም ሓዘን እውን ገሊጾም፣ ንኹሉ ዓይነት ጸረ-ሴማውነት ድማ ከምዝኹነኑ ኣዘኻኺሮም፥ እቲ ዕለት 7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ​​ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ቓዛ ከቢድ ወተሃደራዊ ምላሽ እስራኤል ከምዘበገሰ ኣሚኖም፡ እዚ ስዒቡ ድማ ካብ ሊባኖስ፡ የመንን ካልእን ብዝመጹ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ዘይመንግስታውያን ተዋሳእቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ተወሳኺ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸሙ ብምዝኽካር፥ "ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት፡ ዝተወሰኑ ተግባራት ነቲ ኩነታት ብደረጃ ዞባ ኣዝዩ ሓደገይና ግጭት ኣብ ኣፍደገ ከምዘብጽሕዎ" ድማ ይገልጹ።

ሰለስተ ጠለባት፡ ተኹሲ ደው ምባል፡ ምፍታሕ ጅሆ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ

"ኣብዚ ኣጸጋምን ዝተሓላለኸን ኩነታት፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ጻውዒቶም ሰለስተ ንጹር ጠለባት ከቕርቡ እንከለዉ፥ ብቐዳምነት ብኹሉ ግንባራት ተኹሲ ደው ምባል፡ ኩሎም ጅሆ ዝተታሕዙ እስራኤላውያን ብቕልጡፍ ምፍታሕ፤ ከምኡ'ውን ንዝተጎድኡ ሰባት ንፍልስጤማዊ ህዝቢ ኣብ ቓዛ ብዘይ ዕንቅፋት ሰብኣዊ ሓገዝ ምብጻሕ" ከም ዝበሉን፥ "መሰረታዊ መትከል ሰብኣውነት ንወተሃደራዊ ስልቲ ፈጺሙ ክሕደግ ወይ ክገሃስ የብሉን፡ እንተዘይኮይኑ መሰረታዊ መትከላት ሰብኣውነትን ዝተመጣጠነ ምላሽ ምሃብን ንዝብል ውሳኔ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ምእታው ዘይተርፍ እዩ ዝኸውን፡ ኣብ ግርጭታት "ቅድስቲ መንበር ንመትከላት ገለልተይናነት ክትሕሉ ኣለዋ . . . እዚ ድማ፥ ንማንም ማዕጾኣ ዘይትዓጽውን ናይ ኩሉ ሰብ ድርኺትን ኣረኣእያን ንምርዳእ ትጽዕር" ብምዃና እዩ፡ እዚ ማለት ግን ግብረ ገባዊ ሸለልትነት ማለት ኣይኮነን" እንክብሉ ከም ዘነጸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ 30 ዓመት ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት

ኣስዒቦም ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን እስራኤልን ሳላሳ ዓመታት ዘቑጽር ዘሎ ክሌኣዊ ስነ ሜላዊ ዝምድናታት ምዕባለን ብድሆታትን ከምኡ’ውን ብዝተኻእለ መጠን ብዝበለጸ መንገዲ ብፍላይ ኣብ ብዙሕ መዳያት ድልውነት ምትሕብባር ቅድስቲ መንበርን እስራኤልን ከምዝተራእየ ገሊጾም። ንኣብነት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ እስራኤል ዝገበርዎ ምብጻሕ "ዝቐረበን ዝዓሞቐን ሓድሕዳዊ ሌላ ዘቀላጠፈ" ምንባሩ ጠቒሶም፡ ምስቲ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ቫቲካን ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ኣብቲ እዋን ኣብ እስራኤል ርእሰ ብሔር ዝነበረ ሺሞን ፔረስ ርእሰ ብሔር ፍልስጤም ማሕሙድ ዓባስን ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ በርጠለመዎስ ቀዳማውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ዘካየድዎ እቲ ዕለት 8 ሰነ ዝዝከር ዓቢይ ፍጻሜ ይገልጹ።

ዓቢ ኣድላይነት ሰላም

እዚ ድማ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር "ዘተን ምርድዳእን ከምዝከኣል . . . ዘለዎም ተስፋ ዓቢይ ኣድላይነት ሰላም ገሊጾም፡ እዚ ድማ "ኣብ እስራኤል ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፉ ክረጋገጽ ዘለዎም ድሌትን ተስፋን ምስቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ንኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ዝጸሓፍዎ ናይ ኣዋጅ ሰነድ ዝመሳሰል ምዃኑን ማለት ኣድላይነት ሰላም ንኹላትና ጭቡጥ ስጉምትታት ክንወስድ ዝብድህ ምዃኑ ድማ መላኺቶም፡ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክባት ዘላቒ ሰላም ዝዓለመ ዘተ ንምክያድ ኩሉ ዕድላት ንምድላይ" ዘይሕለል ጻዕሪ ዝገብር እዩ . . . ቢሎም "ሰላም ሻሎም እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

07 June 2024, 14:45