ድለ

2024.06.27 Convegno Casina Pio IV 2024.06.27 Convegno Casina Pio IV  (Vatican Media)

ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ኣብ ኣገልግሎት ደቅሰባት - ኣብ ዘመን ምዕባሌ ተክኖሎጂ

ሊቃውንቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተኣኪቦም ብዛዕባ ስነ-ምግባራውን ሰብኣውን ጽልዋ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ተመያዪጦም፣ እዚ ኸኣ ስርዓት ዘለዎን ሓላፍነት ዚስምዖ ኣጠቓቕማ ሓበሬታ ንምጕላሕ እዩ ዝነበረ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ነቲ እንዋስኣሉን ሓሳብ እንለዋወጠሉን እንረዳድኣሉን መገዲ ብምቕያር ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ዘይንጸል ክፍሊ ህይወትና ዀይኑ ኣሎ ። ኣብ ቫቲካን እተገብረ ዋዕላ ብዛዕባ ስነ-ምግባራውን ስነ-ሰብኣውን ሳዕቤን ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ንምዝታይ ሊቃውንቲ ተኣኪቦም።

ስነ-ምግባራዊ ዶባት ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት

እቶም ናይ ቅድስቲ ምነብር ብዛዕባ ጉዳይት መራኸቢ ብዙሓን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ህየንተ ዶ / ር ፓውሎ ራፊኒ ብዛዕባ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት፣ ንዅሉ ነገራት ናብ ኣሃዛዊ ቀመር ክንንክዮ ንኽእልዶ ? ነቲ ናይ ሓቂ ሓበሬታ ናይ ምዕቃብ መሰል እናሓለወ ኽነሱ ንሰብ ሞያ መራኸቢ ብዙሓን ካብ ጽልዋ እተዛብአ ሓበሬታ ኸነዕቍቦም እንኽእል ብኸመይ ኢና? እዚ ሕቶታት እዚ ሓላፍነት ዚስምዖ ኣጠቓቕማን ስርዓትን ከም ዜድሊ ዜጕልሕ እዩ ዝነብረ ። ኣብ ኣመንጫዊ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ዚውፍዩ ዓበይቲ መድረኻት ምትሕንፋጽ ቀዳምነት ኪህብን ንሰባት ናብ ሓበሬታ ጥራይ ኪንክዩን የብልናን ዝብል ኢዩ ዝነብረ።

ዋዕላ ሊቃውንቲ ብዛዕባ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት
ዋዕላ ሊቃውንቲ ብዛዕባ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት

መቓልሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ

ክቡር ኣባ ሉችዮ ሩዊዝ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ጉባኤ ናይተን ቢንዳስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ጉጅለ 7 ዘቅረብዎ መደረ ኣግፊሖም ገለጹ። ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ ቤተ-ክርስትያን ካብ ቤት ማሕተም ሃገረ ቫቲካን ኣትሒዙ ኽሳዕ ረድዮ ቫቲካን ተክኖሎጅያዊ ምዕባለታት ዓበይቲ ስጉምቲ ጌሩ ኢዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ባህላውን ታሪኻውን ለውጥታት ብምግባር ምስ ደቅሰብ ምዝታይ ኣድላዪ ምዃኑ ኣፍልጦ ሂቦምሉ ኢዮም ። ትምህርትታቶም ድማ ነቲ ሓላፍነት ኮይኑ ኣብ ዝስምዓና ምውህሃድ ከም ዘድሊ ውን ብምጕላሕ ኣብዚ ጉዳይ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት በጺሕና አሎና ክብሉ ኣሲፊሖም ገለጹ።

ስነ-ምግባራዊ ዶብ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት

ሊቕ ክርስቲያናዊ ሥነ ምግባር  ዝዀነ ክቡር ኣባ ፓውሎ በናንቲ ንፍልቀት ኮምፕዩተራት ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቦም። ካብ ወተሃደራዊ መሳርሒታት ኣትሒሶም ድማ ኽሳዕ ከም ምዕቡል ናይ ኢድ ስልኪ ዝኣመሰለ ብሕታዊ መሳርሒታት ዝጥቀመሉ ቀመርን ናይ ሰብኣዊ ርክባርን ከም ዘልዎ ኣጉልሑ ። ይኹን እምበር ሥርዓት ምሓዝ ኣገዳሲ እዩ ። ልክዕ ከምቲ ሕግታት ትራፊክ ንማካይን ዚቈጻጸር ንሕና እውን ሓደጋታት ኤልክትሮኒካዊ ምዕባሌ ንምቍጽጻር ሕግታት የድልየና እዩ። ከምቲ እዚ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ዝኣመሰለ ሓድሽ ምህዞታት ብዛዕባ ብሕታዊ ምስ ቀንዲ ናይ ኮምፕዩተር ሓይሊ ዘለዎ ኣቕምታ ሕቶታት የበግስ ኢዩ ዘሎ ክብሉ ኣመልከቱ ።

ሰብኣዊ ጽልዋ

ኑንዝያ ሲያርዲ ኣብ መግለጺኣ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ከም ተክኖሎጅያዊ ስጕምቲ ጥራይ ከም ዘይኰነ ኣጕልሐት፣ ስነ-ሰብኣዊ ጽልዋ ከም ዘለዎ ውን ኣመልከተት። ናይዚ ምዕባለ እዚ ኣብ ክውንነት ምትእትታው ድማ ንተመክሮ ደቅሰብ ከም ብሓድሽ ጽልዋ ዝገብረሉ ኢዩ ። ነዚ ለውጢ ዘምጽእ ምዕባሌ እዚ ኣብ ጕዕዞና ሓላፍነት ዝስምዖ ኣሰራርሓ ምኽታል ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ ድማ በለት ።

ኣብ መደምደምታ እቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን እተኻየደ ዋዕላ ስነ-ምግባራዊ ጕዳያትን ሓላፍነት ዚስምዖ ልምድታትን ህጹጽ ምዃኑ ዘጕልሕ ኢዩ ዝነብረ። ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ንዓለምና ንምቕራጽ እናቐጸለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ ብስርዓታት ሓቅን ናጽነትን ሓላፍነትን ተመሪሕና ኣብ ኣገልግሎት ደቂሰባት ከም ዝውዕል ክንገብሮ ኣሎና ብምባል ድማ መደረኣ ደምደመት ።

28 June 2024, 18:21