ቫቲካን፡ ቅብዓተ ጵጵስና ህየንተ ሓዋርያዊ ቤተ ኑዛዜ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ካርዲናል ፒያቸንዛ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ጸዋዕታ ኩሉ ግዜ ካብ ብጎይታ ምጥማት ዝነቕል እዩ - ንነፍሲ ወከፍ ሓውን ትኩር ሓላፍነት ንኽህልወካ ዝገብር ጸዋዕታ እዩ . . . የኔታ ኒኪየል ዝመረጽዎ ናይ ጵጵስናኦም መርሕ ቃል ድማ “Patris Corde - ብኣባታዊ ልቢ" ዝብል ኮይኑ እዚ ቃል እዚ እውን ቅዱስ ዮሴፍ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሓላዊ ቅዱስ ኮይኑ ዝተኣወጀሉ ዝኽሪ መበል 150 ዓመት ምኽንያት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ዝለገስዎ ሓዋርያዊ መልኽቲ ኣርእስቲ ምዃኑ የዘኻኽር።
"ንዓኹም ጳጳስ እየ፤ ምሳኹም ክርስቲያን እየ"
ብፁዕ ካርዲናል ፒያቸንዛ፥ ጵጵስና ኣብ ክህነትን ድቁናን ልዕሊ ኩሉ ግን ኣብ ዘይጸንት ህያብ ቅዱስ ጥምቀት ዝተተኽለ" ምዃኑ ኣስተብሂሎም፥ ቅዱስ ኣውጉስጢኖስ ንክርስትያን ሂፖና ኣብ ዝኽሪ ናይ መንበረ ጵጵስናኡ ኣብ ዘስመዖ ስብከት፥ "ንዓኻትኩም ኣነ ጳጳስ እየ፡ ምሳኻትኩም ድማ ክርስትያን እየ። እቲ ቀዳማይ መጸውዕ ናይ ሓላፍነት፡ እቲ ካልኣይ ድማ ናይ ጸጋ መጸውዕ እዩ።" እቲ ቐዳማይ ሓደጋ እዩ፣ እቲ ካልኣይ ድማ ድሕነት እዩ” ከም ዝበሎ እዩ ቢሎም፥ "ጸዋዕታ ኩሉ ግዜ ንርእስኻ ብፍቕሪ ክርስቶስ ክትውነን ምፍቃድ እዩ፣ ‘ድሕሪ ሕጂ እቶም ዘለዉ ነቲ ምእንትኦም ዝሞተን ዝተንስኤን እምበር፡ ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ፡ ንሱ ኣብ ክንዲ ዅላቶም ሞተ (2ቆሮ 5፡15) ዝብል ቃል ማእከል ዝገበረ ጸዋዕታ እዩ፡ እዚ ማለት ከኣ ‘ደጊም ካብ ሕጂ ብመገዲ ስጋ ንሓደ እኳ ኣይንፈልጦን ኢና፡ ንክርስቶስ ከኣ ምንም እኳ ብመገዲ ስጋ ፈሊጥናዮ እንተ ዀንና፡ ሕጂ ኸምኡ ጌርና ኣይንፈልጦን ኢና (2ቆሮ 5፡16)፡ ወትሩ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ክህልወና - ንነፍሲ ወከፍ ሓውን ሓፍትን ውፉይን ትኩርን ምጥማት ክንገብር፡ ነቲ ግዚያዊ ዘይኮነስ ነቲ ዘለኣለማዊ ጽቡቖም ዝኣመተ ምጥማት - ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዙሕ ግዜ ዝብልዎ ምሕረትን ሕድገትን ዝመልኦ ምጥማት ንኻልኦት እዩ።
ናይ ምስጋና ቃላት ካብ ሓድሽ ጳጳስ
ኣብ መወዳእታ ስነ-ስርዓት ቅብኣተ ጵጵስና ሓድሽ ኣቡን ክሪይስዝቶፍ ንይኪየል ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ቅድም ንጐይታናን ኣምላኽናን አመስግን፥ ስከ ዝገበረለይ ምሕረት ስለ ኩሉ ነገራቱ ብፍላይ ድማ ሎሚ ብጸሎት ቤተ-ክርስትያን ቅብኣተ ጵጵስና ብኣንብሮተ ኢድ ኣቢሉ ምልኣተ ክህነት ክህበኒ ስለ ዝደለየ፡” ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣባይ ስለ ዘለዎም እምነትን ናብ ሓዋርያዊ ጉባኤ ክኣቱ ብቑዕ ኮይነ ስለ ዝተሰመዖም ምስጋናይ ብትሕትና ኣቕርበሎም” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ኣገልግሎት ተመክሮ ዘለዎም ጳጳስ
ጳጳስ ክሪዝይስዝቶፍ ጆሰፍ ንይኪየል ዕለት 28 ለካቲት 1965 ዓ.ም. ኣብ ኦስዣኮው ፖላንድ ዝተወልዱን
ዕለት 9 ሰነ 1990 ዓ.ም. ኣብ ቤተ-ክርስትያን ሎድዝ ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉን ዋርሶ ኣብ ዝርከብ ናይ ቲዮሎጊያ ተቕዋም ዝተመረቑ ደሓር እውን ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ግረጎርያና መንበረ ጥበብ ብሕገ ቀኖና ኣብ 2001 ዓ.ም. ሊቕነት ዘመስከሩ ከም ዝኾኑ ኣመላኺቱ፥ ኣብቲ እዋን እቲ ናይ ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕና ጉዳይ ናይ ዝከታተል ዝነበረ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ድሓር እውን ኣብ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ተቢሂሉ ዝጽዋዕ ኣብ ዝነበረ ሓዋርያዊ ቤት ጽሕፈት ከም ዘገልገሉን ምኽትል ዋና ጸሓፊ ኣህጉራዊ መርማሪ ሽማግለ ዛዕባ ሜጂጎሪ እውን ኮይኖም ከም ዘገልገሉን በንዲክቶስ መበል 16 ኣብ ወርሒ ሰነ 2012 ዓ.ም. ሓላፊ ሓዋርያዊ ቤተ ኑዛዜ እንክብሉ ከም ዝሰመይዎምን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድማ ናይ ቬልያ ስዩም ኣቡን እንክብሉ ጳጳስ ንኽኾኑ ከም ዝሓረይዎም ይሕብር።