ካርዲናል ችዘርኒ፦ ንባሕረኛታት 'ምጕዳል ፍትሕን ምዝመዛን ዘይማዕርነትን' የጋጥሞም ኣሎ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ዓመታዊ ኣብ ካልአይቲ ሰንበት ናይ ወርሒ ሓምለ ላቲናዊ ሥርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ሰንበት ባሕሪ ትዝክር ኣብዛ ዕለት እዚኣ ድማ ምእንቲ ባሕረይናታት ትጽልን ትጣበቕን።
ኣብዛ ዓመት እዚኣ ድማ ቅድሚ እዛ ዕለት እዚኣ ብፁዕ ካርዲናል ማይክል ቺዘርኒ ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ምሉእ ሰብኣዊ ምዕብልና ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ እቲ እተረስዐ ጻዕሪ ባሕረኛታት ዝገልጽ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ዘይፍትሓውነትን ምዝመዛን ዘይማዕርነትን
ካርዲናል ችዘርኒ ጠቕላላ ቝጽሪ እቶም ኣብ ኢንዱስትሪ መራኽብ ተውስፊሮም ዘልዉ ማለት ካብ ሰራሕተኛታት መራኽብ ክሳዕ ሰራሕተኛታት መዐሸጊ መራኽብ ሓለውቲ ገማግም ክሳዕ ወኪላት ጉምሩኽ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ምዃኖም ብምግላጽ ኢዮም ንመልእኽቶም ዝጀመርዎ ።
ካርዲናል ችዘርኒ ከም ዝገለጽዎ እቲ መብዛሕትኡ መዓልታዊ ዜድልየና ነገራት በቲ “ሕቡእ ዝኾነ ጻዕሮም” ኢዩ ዝበጽሓና ክብሉ ጸሓፉ።
እንተዀነ ግን ይብሉ ብፁዕነቶም - "ሎሚ ዀነ ቕድሚ ሕጂ ባሕረይናታት ካብ ዓዶምን መሬቶምን ንኣዋርሕ አረ እዃ ደአ ንዓመታት እውን ከይተረፈ ተፈልዮም ከም ዝርከቡ ክንግንዘብ ንኽእል ኢና ይብሉ። ባሕረኛታት ኮኑ ስድራ ቤቶም ኣብ ህይወት እቲ ሓደ ኣገዳሲ ዝዀነ እዋናቶም ውን ኣይራኸቡን ኢዮም" በሉ።
ካርዲናል ችዘርኒ ወሲኾም ከም ዝገለጽዎ ብዙሓት ባሕረይናታት "ብሰንኪ ምጕዳል ፍትሕን ምዝመዛን ዘይማዕርነት ይገጥሞም አሎ ኣብ ሓደጋን ውን እዮም ዘለዉ።"
ኮኾብ ባሕሪ
ድሕርዚ እዚ ካርዲናል ችዘርኒ ብዛዕባ ኣገልግሎት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ንባሕረይናታት እንታይ ከም ዝመስል ይገልጹ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ ወለንተኛታትን ካህናትን ነቶም ኣብ ኢንዱስትሪ መራኽብ ዘሎ ጸገማትን ንመሰሎም ከም ዝጠበቑን ጕስነትን ደገፍን ከም ዝልግሱሎም ኣመልከቱ ።
ካቶሊካዊት ቤተ - ክርስትያን በቲ 'ብስቴላ ማሪስ ' ወይ ' ኰዀብ ባሕሪ ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣገልግሎት ባሕሪ ኣብተን ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከባ ብኣማኢት ዝቝጸራ ወደባት ተካይድ ኢያ ።
ካርዲናል ችዘርኒ ከም ዝጸሓፍዎ እዚ "ኣገልግሎት ባሕሪ" እዚ ብብዙሕ መገድታት "ንህዝቢ ባሕሪ ብኣካልን ብጸሎትን ብምርኻብ ነቶም እተገለሉ ናብ ማእከል ንምእታው ክሕግዝ ይኽእል ኢዩ፣ ንስጋውን መንፈሳውን ኵነታት ሰራሕተይናታት ባሕሪ ምምሕያሽ፣ ክብርን መሰላትን ሰራሕተይናታት ዝጣበቕ፣ ኣህጉራዊ ርክባትን ፖሊሲታትን ከም ዘድሊ ድማ ተሓለቕቲ ዝኾኑ ኢዮም ።
ባሕሪ ኣብ ታሪኽ ክርስትና
ብፁዕ ካርዲናል ቸዘርኒ ኣብ ካልኣይ ክፋል መልእኽቶም ኣብ ታሪኽ ቤተ-ክርስትያን ንዘሎ ምስ ባሕሪ ኣጸቢቑ እተተሓሓዘ ኽልተ ፍጻመታት ከስተንትኑ ይርከቡ።
ቀዳማይ ብዛዕባ እቲ ንዝበዝሐ ግዜኡ መልእኽቲ ቤተ ክርስትያን ናብታ ወደባዊት ከተማ ቈረንቶስ ንምብጻሕ ብባሕሪ እተጓዕዘ ቅዱስ ጳውሎስ ዝገበሮ ጕዕዞ ገለጹ ። ብዙሓት ሰዓብቲ እኳ እንተ ነበሩ እዞም ሓደስቲ ክርስትያን እዚኣቶም ነዊሕ ከይጸንሑ ንሓድሕዶም ከም እተኸፋፈሉ ችዘርኒ ይገልጹ ።
እታ ብዛዕባ እዚ ምክፍፋል እዚ እትገልጽ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቈረንጦስ እተላእከት ብምጥቃስ ብፁዕነቶም "ሎሚ ቤተ-ክርስትያን ኣብ መንጎ እቶም ካብ ንሓድሕዶም እተፈልዩ ሰባት ጥራይ ዘይኰነስ፣ ኣብ መንጎ እቶም ምክፍፋልን ሓባራዊ ውጥረትን ዘለዎም ሰባት እውን፣ ዝያዳ ሓድነት ንኺህልዎም ኽትዓዪ ምህላዋ" ዜተባብዕ ምዃኑ ጸሓፉ።
ካልኣይ መብዛሕትኡ ግዜ ክርስትና ኣብ መላእ ዓለም ዘስፋሕፍሓሉ መገዲ ባሕሪ ምዃኑ ውን ካርዲና ችዘርኒ ገሊጾም ።
ከምዚ ክብሉ ድማ ጸሓፉ - "ሎሚ ቤተ-ክርስትያን ካብቶም ካብ ባሕረኛታት ዝኾኑ ሓዋርያትን ካልኦት ሰበኽቲ ወንጌልን ንመጀመርታ ግዜ ሓድሽ መልእኽቲ ክርስቶስ ዝሰምዑ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዝነብሩ ማሕበረሰባት ክንመሃር ይከኣል ኢዩ።"
ካርዲናል ችዘርኒ ኣስዒቦም "ብዅሉ ተቐባልነት ክንረክብ እንተ ንደሊና ኮይና ነቲ ኣብ ህይወት ዘሎ ኣጋጣሚታት ክፉት ኩን" ብምባል መልእኽቶም ደምደሙ።