2024.06.26 Mons. Konrad Krajewski in Ucraina giugno 2024 2024.06.26 Mons. Konrad Krajewski in Ucraina giugno 2024  (mons. Jan Sobiło )

ካርዲናል ክራየቭስኪ ኣብ ቅድሚ መቓብር ግዳያት ውግእ ዩክረይን ዝተሰምዖም ቝጥዓን ሓዘንን

ካርዲናል ክራየቭስኪ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘወፈይዎ ህያብ ኣምቡላንስ ንምብጻሕ ናብ ዞባ ተርኖፒል ዩክረይን ኣብ ዝበጽሑሉ እዋን ናብቲ ብዙሓት ግዳያት ውግእ ዝዀኑ መንእሰያት እተቐብሩሉ መቓብርን ናብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ተባሂሉ እተሰምየ ናይ ተሓድሶ ማእከልን በጺሖም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ብፁዕ ካርዲናል ኮንራድ ክራኡየቭስኪ ትማሊ ረቡዕ ንግሆ ኣብቲ ኣብ ምዕራባዊ ዩክረይን ዝርከብ መቓብር ግዳያት ውግእ ተርኖፒል እንክበጽሑ ብዛዕባ እተሰምዖ ስምዒት እንክገልጹ . . .

ተስፋ ቍርጸትን ከምኡ ውን ዓሚቝ ቍጥዓን ሓዘንን ኢዩ ተሰሚዑኒ - "መንእሰያት ኣብ 2024 ብውግእ ክሞቱ ዝኸኣሉ ብኸመይ ኢዮም?” ክምልሶ ዘይከኣልኩ ሕቶ ኢዩ ዝነበረ በሉ።

እዞም ኣመሓዳሪ ቤተ መዝገብ ጳጳስ ከም ናይ ሕጹሕ ረዴት ኣምቡላንስ ከምኡ ውን ካብ ፋርማሲ ቫቲካንን ካብ ፋርማሲ ቤተ ሕክምና ጀመሊን ኣድላዪን ንህይወት ኣድሕን ዘገልግል እተፈላለየ መድሃኒታት ናብ ሆስፒታል ዞቦሪቭ ኣብ ዘብጽሑሉ እዋን ኢዩ ዝነበረ።

እቲ ካብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ብውግእ ዝሳቐዩ ዝለዉ ህዝቢ እተዋህበ ህያብ "ምልክት ፍቕርን ተስፋን" ምዃኑ እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ንሻውዓይ ግዜ ናብታ ሃገር ዝኸዱ ካርዲናል ገሊጾም።

ኣብ መቓብር መንእሰያት ወተሃደራት

እዞም ፖላንዳዊ ካርዲናል ዝሓለፈ ሰሉስ ናብ ልቮፍ ድሕሪ ምኻድ ትማሊ ረቡዕ ንግሆ ድማ ኣብ ተርኖፒል በጺሖም ። ብፁዕነቶም ኣብ መግለጺኦም "ኣብ ተርኖፒል ኣንጊሐ እየ በጺሐ ፣ እቶም ቆሞስ ናይቲ ከባቢ ገና ደቂሶም ስለ ዝነበሩ ኬበራብሮም ስለ ዘይደለኹ ብቐጥታ ናብቲ ኣብ ጥቓና ዝነበረ መካነ መቓብር ከድኩ ፣ ኣብኡ ድማ ነቶም ሓደስቲ እተቐብሩ ወተሃደራት እተወሰነ ኽፍሊ ቦታ ነበሮም ። ኣቶም ብዙሓት መንእሰያት ኣብ ትሕቲ መስቀል መቓብሮም ከኣ ስእሎም ነበረ - 20-23-25 ዝዕድሚኦም ኣጉባዝ ኢዮም ዝነበሩ . . . በዚ ኣዝየ ተተንከፍኩን ሓረቕኩን ፦ ከመይ ኢሉ እዩ እሞ መንእሰያት ኣብ 2024 ብውግእ ኪሞቱ ዚኽእሉ ? ጐይታ ይኣኽለና! ዓለም ኣጽዋር ከተፍሪ ገለ ሰባት ድማ መኽሰብ ክረክቡ እዞም መንእሰያት እዚኣቶም ግን ህይወቶም ክስእኑ ተቐባልነት የብሉን በልኩ" ክብሉ ዝተሰምዖም ከቢድ ሓዘን ገለጹ።

ምሕረት

እዞም ካርዲናል ኣብቲ ዝገበርዎ ምብጻሕ ሓንቲ ጐርዞ "ኣብ ቅድሚ መቓብር ሰብኣያ ካባይ ብዙሕ ኣብ ዘይርሕቕ ቦታ ደው ኢላ ነበረት፣ ጥንስቲ ውን ኢያ ዝነበረት ። ኣብቲ ለቢሰዮ ዝነበርኩ ጃኬት ምሕረት ዚብል ቃል ተጻሒፍዎ ነበረ ። ሎሚ ግና ምስ ምሕረት እማጐት ኣሎኹ ። ስለምንታይ እዮም ክሳዕ ሕጂ ዝዋግኡ ዘለዉ? ስለምንታይ እዮም ዚቐትሉ ? ምሕረት ካብ ፍትሒ ዚበልጽን ካልኣይ ስም ኣምላኽ ከም ዝዀነን እፈልጥ እየ ፣ ሎሚ ግና ነዛ ቓል እዚኣ ኣብ ግብሪ ምውዓል ኣጸገመኒ ። ኣብቲ ኣብ ዩክረይን ዚርከብ መቓብር ኣዝየ ሓረቕኩ ። ድሕሪዚ ግና ቃላት ካብ ሊጣንያ ዘቅዱስ ልበ ኢየሱስ ዘከርኩ ብዓለማዊ ስርዓታት ክፈርድ ዘይክእል ኰይኑ ድማ ተሰምዓኒ ህድእ ድማ በልኩ።"

ብፁዕነቶም ወሲኾም "ንሕና ደቅሰብ ኣብ ዓለም ዘደንቕ ነገራት ክንገብር ንኽእል ኢና፣ እንተዀነ ግን ብዘይ ምሕረት ዘስካሕክሕ ነገራት እውን ክንገብር ንኽእል ኢና፣ እዚ ድማ ኣብ ዩክረይን ንልዕሊ ኽልተ ዓመት ክቕጽል ጸኒሑ ኣሎ" በሉ።

ምረቓ ማእከል ተሓድሶ "ቅዱስ ዮሃንስ ጳውሎስ ዳግማዊ"

ካርዲናል ክራየቭስኪ ነታ ኣምቡላንስ ኣብ ርእሲ ምብጻሕ ምስቶም ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ጳጳሳት ኰይኖም ውን ነቲ ኣብ ካማያኔትስ-ፖዲልስኪ ኣብ ዚርከብ ሮማዊ ካቶሊካዊ ሰበኻ ዝተሓንጸ ማእከል ተሓድሶ "ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ" ውን መረቑ።

እዚ ማእከል እዚ ነቶም ኣብ ውግእ በሰላ ዘጋጠሞም ሰባት ሰፊሕ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ተሓድሶ ዝህብ ማእከል ኢዩ።

ካርዲናል ክራየቭስኪ ንመራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ - "ወተሃደራትን ስድራ ቤታትን እቶም እተመልሱ ግን ከኣ በሰላ ዝወረዶም ኣብ ውሽጢ ስድራቤቶም ክነብሩ ስለ ዘይከኣሉ ሕክምናዊ ደገፍ የድልዮም ኢዩ።”

"ነዚ ማእከል እዚ ምስ ከፈትክዎ ካብ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝረኸብክዎ ትምህርቲ ዘከርኩ - ዓርከይ ሳላ እቲ ዝሓሾ ሰብ ኢዩ ዝገብረካ ። እዚ መሳለጥያ እዚ ድማ ነቶም ዝሳቐዩ ነቶም ልቦም እተሰብረ ከምኡ ውን ብተመራመርቲ ስነ-ኣእምሮን ብሓካይምን ኣቢሎም ህይወቶም ንኽቕጽሉ ንምሕጋዝ ዝዓለመ ኢዩ።"

ሕቝፊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት

ካርዲናል ክራየቭስኪ ናብ ልቮፍ ክምለሱ ኢዮም ኣባኡ ድማ ርእግረ መንገዶም ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ብምልጋስ "ምስ ህዝቢ ንምርኻብ ሓልዮትን ፍቕርን ንምልጋስን ካብ ቅዱስ ኣቦና ምልክት ተስፋ ንምምብጽሕ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ርክባሮምን ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣኸ እግዚአብሔርን ከይረስዑ ኣብ ምሳኦም ደው ኢሎም ከም ዝለዉ ውን ክገልጹሎምን ክነግዎምን ኢዮም። "

ብፁዕነቶም እቲ ግጭት ኣብ ወርሒ ለካቲት 2022 ካብ ዝጅምር ኣትሒዞም መድሃኒታትን መግብን ክዳውንትን ዝመልኣ 240 ዓበይቲ ማካይን ካብ ሮሜ ከም እተላእከ ውን ዘከሩ ።

"እቲ ኣብዚ ዘሎ ዅነታት ኣዝዩ ሕማቕ እዩ ዘሎ፣ ተዅስን ደሃይ ደብዳባትን ኢዩ ዝስማዕ . . . ይኹን እምበር እቶም ንብዙሕ ኣዋርሕ ንዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ዚሕግዙን ብቐጻሊ ዚድግፉን ሰባት ዘለዎም ጽቡቕ ሓልዮትን ፍቕርን ድማ ጭቡጥ እዩ።" ክብሉ መስከሩ።

27 June 2024, 17:32