ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ሊባኖስ ንሓሙሽተ መዓልታት ዑደት ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ሊባኖስ ንሓሙሽተ መዓልታት ዑደት  (AFP or licensors)

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ሊባኖስ ንሓሙሽተ መዓልታት ዑደት

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ንሓሙሽተ መዓልታት ዝጸንሕ ኣብ ሊባኖስ ዘካይድዎ ዑደት ዕለት 23 ሰነ ከም ዝጀመሩን ኣብዚ ዘካይድዎ ምብጻሕ እዚ ኣብታ ሃገር ሰብኣዊ ሓገዝ ዘቕርብ ናይ ዘሎ ልዑላዊ ስርዓተ ማልታ ሰብኣዊ መሓውራት ክበጽሑ ምዃኖም ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብታ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እትርከብ ሃገረ ሊባኖስ ልዑላዊ ስርዓተ ማልታ ብዝተገብረሎም ዕድመ መሰረት ዘካይድዎ ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ዑደቶም ዕለት 23 ሰነ ከም ዝጀመሩን፣ ምስ ሰበስልጣንን ወከልቲ ቤተ ክርስቲያንን ክራኸቡን ኣብ ሰብኣዊ መሓውራት ስርዓት ማልታ ምብጻሕ ከካይዱን እዮም።

ካርዲናል ፓሮሊን ዕለት 23 ሰነ ምስ ሰበ ስልጣን እታ ሃገርን፡ ናይ ማሮናዊት ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክን ምስ ናይ ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያንን ሃይማኖታትን መራሕትን ብምርኻብ ኣብ ዝጀመረ ዑደቶም ዕለት 24 ሰነ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቕ ሓላዊ ቅዱስ ልዑላዊ ስርዓተ ማልታ ምኽንያት ናይቲ ስርዓተ ማልታ ልኡኽቲ ማሪያ ኤመሪካ ኮርተሰን ካልኦት ናይ መንግስቲ ኣካላትን ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉን ኣብታ ሃገር ሰብኣዊ ኣገልግሎት ዘቕርብ ናይ ዘሎ ልዑላዊ ስርዓተ ማልታ ዘመሓድሮ ሰብኣዊ መሓውራት ዕለት 27 ሰነ ምብጻሕ ብምክያድ ናይ ሊባኖስ መገሻኦም ዛዚሞም ኣብታ ዕለት እቲኣ ንሃገረ ቫቲካን ክንቕሉ ከም ዝኾኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅድስቲ መንበር ነቲ ኣብታ ሃገረ ዘሎ ኩለ መዳያዊ ቅውላው ተቕዋማዊ ፍታሕ ንምርካብ ኣብ ዝገብር ጻዕሪ ዝከኣላ ኩሉ ትገብር ከም ዘላ የዘኻኽር።

ስርዓት ማልታ ኣብ ቅድመ ግንባር

ንልዕሊ 70 ዓመታት ልዑላዊ ስርዓተ ማልታ ኣብ ቅድመ ግንባር ኮይኑ ንህዝቢ መሰረታዊ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ማሕበራዊ ደገፍን የቕርብ ምህላዉ ናይቲ ስርዓተ ማልታ መገልጺ ከመላኽት እንከሎ፡ ካብ 2020  ዓ.ም. ጀሚሩ፡ ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽ፡ ቁጠባዊ ሕውየት ንምድንፋዕን ነቶም ኣብ ሊባኖስ ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ጽላታት ህዝቢ ንምድጋፍን ኣብ ዝሕግዙ ‘ተቐባልነት ዘለዎ ፍጥረትን ተፈጥሮን ዘኽብር ዘላቒ መደባት ሕርሻ ኣብ ምርግጋጽ ኣተኩይሩ ብተወፋይነት ይዋሳእ ከም ዘሎ ዝሓበረ ናይቲ ስርዓት መገልጺ ኣስዒቡ፥ ሽዱሽተ ውጥናት ሕርሻ ዘመሓድር ኮይኑ፡ ሕጂ ዘሎ ሽፋን ሕርሻዊ መሬት ሊባኖስ 69.26% (ኣስታት 158 ትርብዒት ኪሎሜተር) ዝሽፍን ኮይኑ፡ ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት 75% ንምብጻሕ መደብ ከም ዘሎን ኣብታ 80% ህዝቢ ኣብ ድኽነትን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ዘይውሕስነትን ዝነብረላ ሃገር ብፍላይ ምስ ምፍንጃር ኲናት ኣብ ቅድስቲ መሬት እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው ንምብዳህ ዝሕግዝ መንገዲ እውን ምዃኑ የመላኽት።

24 June 2024, 15:28