ካርዲናል ፓሮሊን፦ ዘተ እቲ እንኮ ሰላም ንምስፋን ዘኽእል መጋበሪ ኢዩ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ኣብቲ ካብ 15-16 ሰነ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ እተገብረ ዋዕላ ላዕዎት ሰበ ስልጣን መራሕቲ ዓለም ብዛዕባ ሰላም ዮክረይን ኣብ ዘቕረብዎ መደረ ንመልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብምምሕልላፍ፣ ኣብ መንጎ ዅሎም እቶም ኣብቲ ጕዳይ ተሳተፍቲ ዝዀኑ ጕጅለታት ዝግበር ዘተ "ሓቅይና ርግኣትን ቅኑዕን ሰላም" ንምምጻእ እንኮ መገዲ ኢዩ፣ ዝብል እምነት ከም ዘለዎም ገለጹ።
ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ኣብ መደረኦም፣ እቲ ቅድስቲ መንበር "ምስ ሰበ-ስልጣን ዩክረይንን ሩስያን ስሩዕ ርክብ" ንምህናጽ መንጎይና ንምዃን ኣብ ዝግበር ተበግሶታት ንምሕጋዝን ቈራጽነት ከም ዝገበረት ውን ኣረጋገጹ።
ወከልቲ ቅድስቲ መንብር
ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ምስ ዝመርሕዎም ወከልቲ ቅድስቲ መንበር ኣብቲ ኣብ ስዊዘርላንድ እተኻየደ ዋዕላ ተሳቲፎም፣ ሊቀ-ጳጳሳት ማርቲን ክረብስ ከምኡ ውን እቶም ናይ ቅድስቲ በዓል መዚ ኣብ ክፍሊ ናይ ወጻኢ ርክባት መንግስታትን ኣህጉራውያን ውድባትን ዝዀኑ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ፖል ቡትናሩ ነቲ ኣቦ መንበር ፈደራላዊ መንግስቲ ሃገረ ዊዘርላድን ርእሰ ብሔር ሃገረ ዩክረይ ቮሎዲሚር ዜለንስኪን ዘቕረብሎም ናይ ሓባር ዕድመ ብምቕባል ኣብቲ ዋዕላ ከም ተዓዛቢ ተረኺቦም ነይሮም።
ቅድስቲ መንበር ንስነ ሜላዌ ክልኤኣዊ ርክባትን ሰብኣዊ ናይ ግብረ - ሰናይን ሓገዛርን ንምክያድ ዘለዎ ድሌትን ከም እንደገና እኳ እንተ ኣረጋገጹ፣ ምስቲ ከም ተዓዛቢ ዝነበሮም ተሳትፎ ብምስምማዕ ነቲ ናይ መወዳእታ ውሳኔ ናይቲ ዋዕላ ኣይከተሙን ።
ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብቲ ዘቕረብዎ መደረ ነቲ "ዩክረይን ካብ ጭቈና ገዛእ ርእሳ ንምክልኻል ብርቱዕ ጻዕሪ ትገብር ከም ዘላን፣ ኣብ ሥነ ሜላዊ ክልኤኣዊ ግንባር እውን ሰላም ንምምጻእ ሃንቀውታ ስለ ዘለዋን፣ ነቲ ብጥንቃቐ እተዳለወትሉ" ተበግሶ ሓንጐፋይ ኢሎም ኸም እተቐበልዎ ገለጹ።
ውግእ እናቐጸለ ኽነሱ ነቲ ግጭት "ብጽቡቕ ሓሳብ ብተኣማንነት ከምኡውን ብጥበብ" ደው ንምባል መገድታት ምድላይ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘለዎ እምነት ውን ገለጹ።
ዘተ እቲ እንኮ መገዲ እዩ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነዚ መልእኽቲ እዚ ብተደጋጋሚ ኸም ዘመሓላለፍዎ ዘኪሮም፣ እቲ ዘቕረብዎ ምሕጽንታ ብፍላይ ከኣ ንመራሕቲ ሃገራት "ሓቀይና ርግኣትን ሰላምን ንምርካብ ዘኽእል እንኮ መገዲ ኣብ መንጎ ዅሎም እቶም ኣብቲ ጕዳይ እትዋት ዝዀኑ ጕጅለታት ዝግበር ዝርርብ ኢዩ" ብምባል ኣመልከቱ።
ብፁዕነቶም "ቅድስቲ መንበር ብመሰረት ዘለዋን ባህርን - ብዛዕባ ንዓለምለኻዊ ሕግታትን ሰብኣዊ ጉዳያት ኣብ ዝምልከትን ፍሉይ ቈላሕታ ብምግባር ከም ተዓዛቢት ኮይና ትሳተፍ ኣላ" ክብሉ ድማ ኣመልከቱ ።
በዚ ምኽንያት እዚ ብዝተተሓሓዘ "ንልዑላውነት ነፍሲ ወከፍ ሃገርን ምልኣተ ግዝኣታን ናይ ምኽባር መሰረታዊ ስርዓት ቅኑዕ ምዃኑ " ደጊሞም ኣረጋገጹ ።
ምምላስ እተጨውዩ ቈልዑን ህጻናትን
ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ መደረኦም ኣስዒቦም ቅዱስቲ መንበር ብዛዕባ እቲ ውግእ ዘምጽኦ ዘሕዝን ሰብኣዊ ሳዕቤናት ኣጸቢቑ ከም ዘተሓሳሰቦም ገለጹ፣ ብፍላይ ከኣ ዝተጨውዩ ቈልዑ ናብ ዓዶም ንኽምለሱ ንምቅልጣፍን እሱራትን ከምኡ ውን ብፍላይ ብከቢድ ቆሲሎም ዘለዉ ወተሃደራትን ሰላማውያን ሰባትን ናጻ ንኽወጹ ንምትብባዕ ቈራጽነትን ተበግሶን ከም ዝገበረት ኣመልከቱ ።
ንቆልዑ ናብ ስድራቤቶም ወይ ሕጋውያን ሞግዚቶም እንደገና ምምላስ ኣድላዪ ምዃኑ ውን ኣጕልሑ "ዝዀነ ይኹን ምዝመዛ ንዅነታቶም ተቐባልነት የብሉን" ድማ በሉ።
ስለዚ ካርዲናል ፓሮሊን ነዚ መስርሕ እዚ ንምቅልጣፍ ንዅሉ እቲ ከስርሕ ዝከኣል መትረባት ከደልድልዎ ተማሕጸኑ ።
ቅዱስቲ መንበር ኣብቲ ኣህጉራዊ ምትሕብባር ቆልዑ ዩክረይን ካብ ሩስያ ንኽምለሱ ዝገበሮ ተበግሶ ተዓዛቢት ዀይና ከም ዝሳተፈት ከምኡ ውን ምስ ሰበ - ስልጣን ዩክረይንን ሩስያን ቀጥታዊ ርክብ ከም ዝገብረት ገለጹ፣ እዚ ኸኣ ብፁዕ ካርዲናል ማትዮ ጹፒ ናብ ክየቭን ሞስኮን ድሕሪ ምብጻሕ እተፈጥረ ፍልይ ዝበለ መስርሕ ዘለዎ ውጽኢት ንምምሕያሽ ዝዓለመ ኮይኑ፣ ንጭቡጥ ጕዳያት ንምፍታሕ ተባሂሉ ዝተገረ ኢዩ ዝነበረ" በሉ።
እሱራት
ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ኣስዒቦም ከም ዝገለጽዎ "ብዛዕባ እቲ ምስ ዓበይቲ ኣኼባታት ጀኔቫ ዘይሰማማዕ በብእዋኑ ዝግለጽ ጸብጻባት" ዜተሓሳስቦም ኵነታት ከም ምዃኑ ብዛዕባ እቲ ሲቪልን ወተሃደራትን እሱራት ዘተኰረ ጉዳያት ከም ዘሎ ውን ኣመልከቱ።
"ብፍላይ ብዛዕባ እቲ ንሰላማውያን ሰባት ብቐጥታ ዝምልከት ራብዓይ ውዕል ከምኡ ውን ብዛዕባ እቲ ንዅነታት እቶም ህጹጽ ሕክምናዊ ረድኤት ዘድልዮም እሱራት ክግምግም ዝኽእል ኣህጉራዊ ኮሚተ ቐይሕ መስቀል ብሓባር ናይ ምፍጣር ጸገም ኣሎ" ውን በሉ።
ተጸምዶ ቅድስቲ መንበር
ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ነቲ ቅድስቲ መንበር "ምስ ሰበ - ስልጣን ዩክረይንን ሩስያን ስሩዕ ርክብ ንምዕቃብ ዝኣተዎ ተጸምዶ ውን ዘኪሮም። ብዅሎም ወገናት ተቐባልነት ዘለዎ ከምኡ ውን ነቶም እተጐድኡ ዝጠቅም ተበግሶታት መንጎይናነት ኣብ ምትግባር ክሕግዙ ድልዋት ምዃኖም ውን ኣመለከቱ። "
እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ድማ ንሃገራትን ንኻልኦት ኣባላት ኣህጉራዊ ማሕበረሰብን "ሰብኣዊ ይኹን ፖለቲካዊ ባህርይ ብዘየገድስ ደገፍን መንጎይናነትን ዝህቡሉ መገድታት ክምርምሩ"ውን ዘተባብዖም ኢዩ።
ኣብ መደምደምታ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን - "ኣብ ክንዲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብምዃን ቅዱስነትም ምስቶም ዝሳቐዩ ዘለው ህዝቢ ዩክረይን ዘለዎም ጥቡቕ ርክብን ንሰላም ዘለዎም ነቕ ዘይብል ቈራጽነትን ከረጋግጽ እደሊ፣" ክብሉ መደረኦም ዛዘሙ።