ድለ

ቅድስቲ መንበር ለውጢ ከባቢ ኣየር ንምክልኻልን ስደተይናታት ንምድሓንን ህጹጽ ስጉምቲ ትጽውዕ ቅድስቲ መንበር ለውጢ ከባቢ ኣየር ንምክልኻልን ስደተይናታት ንምድሓንን ህጹጽ ስጉምቲ ትጽውዕ  

ቅድስቲ መንበር ለውጢ ከባቢ ኣየር ንምክልኻልን ስደተይናታት ንምድሓንን ህጹጽ ስጉምቲ ትጽውዕ

ሊቀ ጳጳሳት ኤቶረ ባሌስትረሮ ንመበል 34 ቀዋሚ ሽማግለ መደባትን ቁጠባን ኣብ ዝምልከት IOM - ኣህጉራዊ ጉዳይ ስደተይናታት ዝከታተል ትካል ኣብ ዘካየዶ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ንለውጢ ከባቢ ኣየር ምትዕጽጻፍ፡ ምንካይ ኣዕናዊ ሓደጋታትን፡ ምክልኻል ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን እዚ ሓደጋግታት እዚ ዘስዕቦ ስደትን ምዝብልናን ኩለመዳያዊ ሰብ ማእከል ዝገበረ ኣገባብ ህጹጽ ምዃኑ ከም ዘስተብሃሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 13 ሰነ ኣብ ጀነቭ ኣብ ዘተኻየደ መበል 34 ቀዋሚ ሽማግለ መደባትን ቍጠባውን ኣህጉራዊ ውድብ ስደተይናታት (IOM) ትካል ተረኺቦም መደረ ዘስምዑ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ኤቶረ ባሌስትረሮ ህጹጽ ኣድላይነት ኩለንተናዊ ሰብ ማእከል ዝገበረ ኣገባብ መሰረት“ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር፡ ምንካይ ኣዕናዊ ሓደጋታትን” ምግጣም ወሳኒ ምዃኑ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

መቓልሕ ስክፍታታት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ሊቀ ጳጳሳት ባሌስትረሮ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘስምዖም ስክፍታታት ብምቅላሕ፡ ነቲ ብደረጃ ዓለም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ቁጽሪ ተመዛበልቲ ዝያዳ ክብ ዘብሎ ዘሎ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ዝብል ዝገለጽዎ መርትዖታት ብምጉላሕ፥ "ኣብ 2022 ዓ.ም. ብሰንኪ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋታት ኣስታት 33 ሚልዮን ሰባት ኣብ ውሽጢ ሃገር ከም እተመዘበሉን ኣብ 2023 ዓ.ም. ብዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ማይን ህቦብላን ርእደ መሬትን ባርዕ ኣግራብን ካልኦት ናይ ተፈጥሮ ሓደጋታትን ብተወሳኺ 26.4 ሚልዮን ሰባት ከም እተመዛበሉን ኣስተብሂሎም፥

እዚ ኣሃዛዊ ጸብጻብ እዚ ንሰብኣዊ ወጅሂ ለውጢ ከባቢ ኣየርን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ዘቃልሕ ምዃኑ ብምጉላሕ፥ "ብድሕሪ እቲ ዝቐርብ ኣሃዛዊ ጸብጻባት ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዝወደቐ ሰባት ከምዘለዉ ፈጺምና ክንርስዕ የብልናን፡ ንዓኣቶም “ለውጢ ከባቢ ዘይጭበጥ ኣተሓሳስባ ኣይኮነን ስለዚ ድማ ብኣምላኽ ዝሃቦም ክብረቶም ክስስኑን ክነብሩን ከምዝኽእሉ እናረጋገጽካ ንምክልኻል ስጉምቲ ምውሳድ ህጹጽ እዩ” እንክብሉ ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምክልኻል ስደተይናታት

ብድሕሪ’ዚ ናብ ዓለማዊ ውዕል ውሑስን ስርዓታውን ስሩዕን ብዝኾነ ኣገባብ ስደተይና ምቕባል ዝብል ውሳኔ መሰረት ነቶም ብሰንኪ ሃንደበታዊ ዝብገስ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን በቲ ሓደጋ ዘስዕቦ ጸገማት ተገዲዶም ካብ ሃገሮም ዝስደዱ ንምቕባል ዝድግፍ ኣሰራርሓን ዕላማታቱን ኣጉሊሖም፡ ቍጽሪ እቶም ብሰንኪ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ዝስደዱ ሰባት እናወሰኸ ይኸይድ ስለ ዘሎ፡  መንግስታት ከም ምትዕርራይን ምንካይን ተጻዋርነትን ዝኣመሰለ ጭቡጥ መፍትሒታት ኬቕርቡ ኸም ዘለዎም ኣጕሊሖም፡ "ኣህጉራዊ ዕቝባ ኽረኽቡ ኣብ ዘይክእልሉ እዋን እውን ከይተረፈ መንግስታት ብዘይ ጭቡጥ መፍትሒ ሸለል ክብልዎ ኣይክእሉን ኢዮም . . . "እዚ ዘይከኣል እንተድኣ ዀይኑ ንስሩዕ ስደት ኣፍልጦ ምሃብ ዝሕግዝ ተዓጻጻፍነት ክህሉ ምግባር ኣድላዪ ኢዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሰለስተ ወሳኒ ነጥብታት

ብድሕሪ’ዚ ሊቀ ጳጳሳት ባለስተረሮ ቀጺሎም ሰለስተ ወሳኒ ነጥብታት ነቲ ሽማግለ እንከረድኡ። እቲ ቀዳማይ፡ ብሰንኪ ብቕልጡፍ ዝጅምሩ ፍጻመታት ከም ውሕጅን ህቦብላን ይኹን ከም ምድረበዳነትን ምውሳኽ ጽፍሒ ባሕርን ዝኣመሰሉ ቀስ ኢሎም ዝጅምሩ መስርሓት፡ ኣብ መንጎ ቅልውላው ከባቢ ኣየርን ምዝንባልን ዘሎ ምትእስሳር ኣፍልጦ ምሃብ፡ ካልኣይ ነጥቢ ምክልኻል፡ ሕንጻት ኣብ ዛዕባ ሓደጋን ጽንዓት ሕብረተሰብን ምዕባይን ህይወት ንምድሓንን ብሰንኪ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ዝመጽእ ንዋታውን ቁጠባውን ክሳራታት ምንካይን። ኣብ መወዳእታ፥ “ቅኑዕ ሓበሬታ ብምቕራብ፣ ንውሳነታት ስደት ደገፍ ብምሃብ፣ ከምኡ’ውን ንሓባራውነትን ውህደትን ንምድንፋዕ ናይ ምትሕግጋዝ መርበባት ብምቛም”፣ ምርጫ ስደት ዘይተርፍ ኣብ ዝኾነሉ እዋን፣ ብንጥፈት ድልው ምዃኑ ዝብል ኣብሪሆም፥

ጻውዒት ንውሁድ ስነ - ምህዳር

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ቀረባ እዋን ከም ዘዘኻኸሩና ‘ንኽብርን መሰልን ስደተይናታት ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ምክልኻል፡ ንቅድስና ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ሕይወት ምክልኻልን ነቲ ናይ ሓባር ገዛና ክንከናኸንን ክንዕቅብን ዝጽውዓና መለኮታዊ ትእዛዝ ክኽበር ምሕታት ዘጠቓልል እዩ” እንክብሉ ቅድሚ ከፊላዊ መጠንቀቕታ ምሃቦም ኣስተብሂሎም፡ንቅልውላው ከባቢ ኣየር ብቑጠባ ዝምራሕ ምላሽ ምሃብ፡ እዚ ድማ ተወሳኺ ምዝንባል ከስዕብ ከምዝኽእል ብምስትባሃል ኮይኑ፥ ነቲ ቅድስቲ መንበር ዘቕረበቶ ጻውዒት ንውሁድ ስነ - ምህዳር ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ “ስቡሕ ኣንተ” ዘርስታ ዓዋዲት መልኽቶም ዘመላኸትዎ ብምርግጋጽ፡ እዚ ድማ “መዓታዊ ሓደጋታት ንምምሕዳርን ከባብያዊ ጸገማት ኣቐዲምካ ንምክልኻልን ዝሕግዝ መሳርሒ እዩ . . . ምስ በሉ ወሲኾም፡ “ከምዚ ዝበለ ውሁድ ስነ - ምህዳር ካብቲ ናይ ሓባር ጽቡቕ ኣምር ዘይፍለ'ዩ፡ እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ መጻኢ ወለዶታት፡ ንኣሽቱ ደሴታትን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራትን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ግብረ ገባዊ ግዴታታት ዘጠቓልል እዩ። ደሓር ከኣ ንሓድሕድና ዘለና ሓልዮትን ሓልዮት ንናይ ሓባር ቤትናን ሓቢሩ ዝኸይድ ኑባሬኣዊ ምትስሳር ዘለዎ እዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

17 June 2024, 14:31