ኣባ ማርቲን፡ ኢየሱስ ካብ መቓብር ንኽንወጻእ ይጽውዓና
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ተወላዲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ጄምስ ማርቲን ናይታ ብዙሕ ግዜ ዝንገደላ ናብ ዝነበረት ኣብ ቢታንያ እትርከብ ቤት ዓርኩ ኣልኣዛር ሓው ማርታን ማርያምን ዝተወፈየት፥“ነዓ ናብ ግዳም ውጻእ፥ ምትንሳእ ኣልኣዛርን መብጽዓ ዝዓበየ ተኣምር ኢየሱስን” ዘርእስታ መጽሓፍ ደራሲ ኢየሱስ ንኣልኣዛር ምትንሳኡ ዛንታ ዓቢ ተኣምር ብሰፊሕ የብርሁ።
ብዛዕባ ኣልኣዛር ዝነበረካ ተገዳስነት ካበይ እዩ መጺኡ፧
ጽቡቕ፡ ብሓቂ ካብ ሓደ ኢጣልያዊ ዳይረክተር ፍራንኮ ዘፊረሊ እዩ ዝጅምር። መንእሰይ ከለኹ “ኢየሱስ ብዓል ናዝሬት” እትብል ፍልጥቲ ናይ ፍራንኮ ዘፊረሊ ዝረኣኽዎ ፊልም፡ ብሓቂ ኣብ ምሉእ እቲ ፊልም እቲ ኣዝዩ ድራማዊ ትርኢት ብካሜራ ዝረኣ ትንሳኤ ኢየሱስ ዘይኮነስ ትንሳኤ ኣልኣዛር እዩ ዝነበረ። ከምኡ ውን ሓደ ሰብኣይ ካብ መቓብር ክወጽእ ከሎ ትርኢ፡ እዚ ትርኢት እዚ ድማ ብናይ ውሁድ ቅንይት ሙዚቃ ዝተሰነየ ኮይኑ፡ እቲ ፊልም ብዛዕባ ኣልኣዛር ክሓስብ ገይሩኒ፣ እዚ ሰብ መን እዩ? እዚ ኣልኣዛር መን እዩ፧ ስለምንታይ ብዛዕባኡ ብዙሕ ዘይፈልጥ? እዘን ምስ ኢየሱስ ኣዝየን ብግልጺ ዝዛረባ ኣሕዋት መን እየን? ስለዚ ድማ እዚ ሰብኣይ መን ምዃኑ ንምፍላጥ ዳርጋ ናይ ምሉ ዕድመይ ክትብሎ እትኽል መጽናዕትን ዳህሳስ ታሪኽን ኣካይደ እየ።
ኣብቲ ናይ ወንጌል ፍጻመታት ዘጋጠመሉ ቦታታት ከድካ፡ ወንጌል ክልሰ-ሓሳብ ወይ ልብ-ወለድ ዘይኮነስ ኣብ ታሪኽና ኣብ ፍሉይ እዋን፡ ኣብ ፍሉይ ቦታ ዘጋጠመ ክውን ታሪኽ ምዃኑ ምፍላጥ ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ እዩ?
ሊቃውንቲ ቲዮሎጊያ ወንጌላት ኣብ ሓደ ፍሉይ ግዜ ምስቲ ፍሉይ ቦታን ምስ ፍሉያት ሰባትን ዘጋጠመ ክውንነት እዩ ይብሉ። ናብቶም ክፍልታት ወንጌል ዘጋጠመሎም ቦታታት ምስ ከድካ ድማ ዝሓሸ ስሚዒት ናይቲ እተንብቦ ዛንታ ትረክብ። ስለዚ ድማ ናብ መቓብር ኣልኣዛር ምኻድ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነይሩ። ከምኡ’ውን [እዚ]ንመጀመርታ ግዜ ናብ ቢታንያ ናብቲ ናይ ኣልኣዛር ናይ መቓብር ስፍራ ምኻድ ኣዝዩ ዝስወጥ መንፈሳዊ ተመክሮ’ውን እዩ፣ ናብቲ ኣዝዩ ጸልማትን ጥሉል ዝኾነ መቓብር ከም ዝበጽሐን ሓቢሩ፥ “ኣብዚ ብዛዕባ እንታይ እየ ክጽሊ?” ከምኡ’ውን ገለ ናይ ቅዱስ ኢግናጽዮስ ኣስተንትኖታት ተጠቒመ “ኣብ መቓብር እንታይ ዓይነት ነገራት ክገድፍ ከም ዝደሊ፡ እንታይ ዓይነት ነገራት ነጻ ክኸውን ዘይገብረኒ ወይ ከም ዝኣስረኒ ወይ ጊልያ ዝገብረኒ ኩሉ ኣብ መቓብር ክሓድግ ክጽሊ እኽእል። ከመይ ገይረ ድማ ድምጺ ኣምላኽ ናብ ንጹህ ኣየር ክዕድመኒ ክሰምዖ ዝኽእል?” ደሓር ከኣ ብድሕሪኡ መንፈሳውያን ነጋድያን ናብቲ ናይ ኣልኣዛር ናይ መቓብር ስፍራ ሒዘ ምስ ከድኩ ከምቲ ኣነ ዝገበርክዎ ተመሳሳሊ ኣስተንትኖ ክገብሩ ምስ ዓደምክዎም – “ኣብ መቓብር እንታይ ክንገድፍ ንኽእል?” – ብዙሓት ካብኣቶም እናበኸዩ ካብቲ መቓብር ከወጹ ድማ ረኣኹ። እዚ ብሓቂ ንሰባት ገለ ዝብሎም ነገር ዘለዎ ስፍራ እዩ። እዚ ኩነት እዚ ድማ ብዛዕባ እታ ሎሚ ንንባብ ዝበቐዓት መጽሓፍ ክሓስባ ደረኸኒ፣ ብሓቂ ብዛዕባ’ዚ ክጽሕፍ ኣለኒ ብሰንኪ ተመኩሮይን ከምኡ’ውን ናይ ካልኦት ሰባት ተመኩሮን፣ ናብታ መጽሓፍ ንምብጻሕ ግን ኣብቲ ቦታ ምህላው ኣገዳሲ’ዩ ነይሩ።
ናብ ቅድስቲ መሬት ክትበጽሕ ከለኻ ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ዝውሰጠካ ተመክሮታት ናብ ባዚሊክ ቅዱስ መቓብር ምብጻሕ እዩ፡ ትንሣኤ ኢየሱስ ፍሉይ ፍጻመ እዩ፤ ብሓቂ ሰብ እዩ ነይሩ፣ ግናኸ ኣምላኽ እውን እዩ ነይሩ። እቲ ትንሳኤ ንኹላትና ይጸልወና እዩ፣ ምኽንያቱ ዳግማይ ክንትንስእን ንዘለኣለም ክንነብርን ኢና ኢልና ስለ እንኣምን። ኣብ ኣልኣዛር ግና ንኣርባዕተ መዓልቲ ሞይቱ ዝነበረ ሰብኣይ ናብ ህይወት ዝተመልሰ ሰብ ንረክብ። ኢየሱስ ሓድሽ ዕድል ህይወት ሂብዎ...
ዛንታ ኣልኣዛር ብሓቂ ኩሉ ዛንታታትና እዩ፣ ንሱ ድማ ኢየሱስ ወይ እግዚኣብሔር ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልታዊ ህሞት ይጽውዓና እሞ ንግዳም ክንወጽእ (ካብ መቓብራትና) ናብ ሓድሽ ህይወት ንኽንወጽ ይሓተናን [ይጽውዓና]፣ ዝኾነ ነጻ ዘይገብረና ነገር ክንገድፍ። ካብ ምስ ኢየሱስ ምስ ኣልኣዛር ክንዛመድ ይቐልለና።
ከምኡ’ውን ኣብ መጽሓፈይ ዘመልክቶ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ሬይሞንድ ብራውን ሓሳብ ዝመሳሰል ኢየሱስ ኣብ ሰንበት ፋሲካ ካብ መቓብር ክወጽእ እከሎ ክዳውንቲ መቓብሩን መሸፈኒ ርእሱን ገዲፉ እዩ ዝወጸ። ስለዚ ጴጥሮስን ማርያም መግደላዊትን እቲ ፍቑር ወደ መዝሙርን ናብቲ መቓብር ክጥምቱ ከለዉ፡ ክዳውንቲ መቓብር ኩሉ ተጠቕሊሉ ከም ዝረኣዩ ንዝክር። ዳግማይ ኣየድልዮምን’ዩ። ኣልኣዛር ግን ካብ መቓብሩ ምስ ወጸ፡ ክዳውንቲ መቓብሩን ርእሱ ሸፊኑን’ዩ ዝወጸ ምኽንያት ዳግማይ ክመውት ስለ ዝኾነ።
ካልእ ፍሉይነት ናይዚ ተኣምር፡ ስም ወዲ መበለት ናይም ወይ ጓል ያኢሮስ ዘይንፈልጥ እንከለና፡ ስም እቲ ዝተንስአ ሰብ - ኣልኣዛር ምፍላጥና እዩ። ስሙ ንፈልጥ፡ ስድርኡ መን ከም ዝነበሩን ኣበይ ከም ዝነብርን ንፈልጥ ኢና። እዚ እንታይ ትርጕም ኣለዎ?
ሊቃውንቲ ሓድሽ ኪዳን ካብ ዓሰርተ ክልተ ሓዋርያት ወጻኢ ስም ናይ ሓደ ሰብ ክንፈልጥ ከለና እቶም ሰባት በታ ቀዳመይቲ ቤተ ክርስቲያን ስለ ዝፍለጡ’ዩ ይብሉ። ኣብ ወንጌል ሉቃስ ብዛዕባ ማርታን ማርያምን ዛንታታት ምህላው መሳጢ’ዩ። ማርታ እታ ንጥፍቲ እያ። ማርያም ኣስተንታኒት እያ። ኣብ ወንጌል ዮሓንስ ከኣ ኣብ ታሪኽ ኣልኣዛር ማርታ እንታይ ትገብር? ንሳ መጀመርታ ንየሱስ ክትሪኦ ተጓየየት፣ ማርያም ድማ ኣብ ገዛ ትጸንሕ። ስለዚ ስብእነቶም ብሓቂ ኣብ ክልቲኡ ወንጌላት ይደምቕ፣ እዚ ድማ መመሊሱ ምልክት ክውንነቶምን ታሪኻውነቶምን እዩ ዘረጋግጸልና።
ኣብ ስብከት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ዝንጸባረቕ ኣገዳሲ መዳይ መንፈሳውነት ኢየሱሳውያን ኣብ ትርኢታት ወንጌል ምጥሓል እዩ። በዚ መንገዲ ናብ ወንጌል ምእታው ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ እዩ?
እዚ ኣዝዩ ኢየሱሳዊ ኣገባብ ጸሎት’ዩ። ንሕና ጥራይ ኣይኮናን ከምኡ ንጽሊ። ብፍራንቸስኮ ብዓል ኣሲዚ ዝጀመረ እዩ ክትብል ትኽእል፣ . . . ኣብ ክፍሊ ወንጌል ንነብስኻ ብኣእምሮኣዊ መንገዲ ከተቐምጥ እትኽእለሉ መንገዲ ብዙሕ እዩ፡ ዳርጋ ኣብ ኩሉ ክትብል ትኽእል። ስለዚ ድማ ኣብቲ ክፍሊ ወንጌል ንነብስኻ ክትስእላ ከለኻ፡ ብዛዕባኡ ትጽሊ፡ ድሕሪኡ ድማ ንነብስኻ ኣብ ጸሎተይ እንታይ ይመጸኒ እንታይ ይስምዓኒ ትብላ? እንታይ ዓይነት ርድኢት፡ ስምዒታት፡ ዝኽሪ፡ ድሌታት፡ ዋላ ቃላትን ሓረጋትን ይመጻኒ? ትብል ኣብ እተንብቦ ወንጌል ገዝእ ርእስኻ ምስኣልን ምህላውን።
ጃማሪ ተማሃራይ ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ኣበ ነፍሰይ፡ “ሕጂ ናይ ኢየሱሳውያን ኣገባብ ጸሎት ክምህረኩም’የ።” እዚ ድማ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍት ገዛእ ርእስኻ ምስኣል ወይ ምቕማጥ ዝብል ኣገባብ ዘለዎ እዩ። ኣነ ድማ በቲ ኣገላልጻኡ ተጠራጢረ “ወንጌል ከተንብቦ እንኮለኻ ንነገራት ጥራይ ዲኻ ትሓስብ? ቢለ ሓተትክዎ፡ ንሱ ድማ “ደሓን ሓንቲ ሕቶ ክሓተካ፥ እግዚኣብሔር ብሚስጢራት ኣቢሉ ዝሰርሕ ዶ ይመስለካ? ኣምላኽ ብተፈጥሮን ሙዚቃን ኣቢሉ ዝሰርሕ ዶ ይመስለካ? ኣምላኽ ብዝምድና ኣቢሉ ዝሰርሕ ዶ ይመስለካ?” ኣነ ድማ “ብርግጽ” በልክዎ። ስለዚ “ስለምንታይ ደኣ ኣምላኽ ብኣእምሮኻ ክሰርሕ ዘይክእል?” እዚ ኣዝዩ ሓራ ዘውጽእ ኮይኑ ተሰሚዑኒ፣ ኣምላኽ ንኣእምሮኻ ተጠቒሙ ምስ ኣምላኽ ብቐረባ ክትራኽቦ ክሕግዘካ ከም ዝኽእል ኣስተውዓልኩ። እቲ ተፈጥሮኣዊ ኣገባብ ድማ ጸሎት እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ እብል፣ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንሓደ ክፍሊ ወንጌል ክትሰምዕ ኮለኻ፣ ድሮ ኣብ ኣእምሮኻ ትስእሎ (ነቲ ዝንበብ)፡ ወይ ምሳሌ ክትሰምዕ ከለኻ፡ እቲ ጥፉእ ወዲ ምስ ተመልሰ እንታይ ከም ዝመስል ትግምት። ስለዚ ኣዝዩ ተፈጥሮኣውን ኣዝዩ ሰብኣውን’ዩ።
ከምኡ’ውን ብገለ መልክዑ ናትና ክንገብሮ እውን የድልየና። ስለዚ ብዛዕባ ታሪኽ ኣልኣዛር ክጽሊ ከለኹ ዝተፈለየ ነገር ክስምዓኒ ይኽል እዩ፡ እዚ ኸኣ ንወንጌል ኣዝዩ ውልቃዊ ይገብሮ፣ ቅድሚ ሕጂ ኣስተብሂልካሉ ዘይትፈልጥ ነገር ድማ ከተስተብህል ትኽእል ኢኻ፣ ህያው ቃል ስለ ዝኾነ። ስለዚ ድማ ኣብ ህይወትካ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝተፈላለየ ነገራት’ውን ከተስተብህል ኢኻ።
ናይ ምሕሳብ ክእለት ሃተውተው ኣይኰነን። ሰቂለ ኣእምሮ ኣይኮናን ንገብር ዘሎና። ልክዕ ዝዀነ ጽሑፍን ልክዕ ቃላትን ኣሎና። ድሮ እተገልጸ ፍጻመ። ነዚ ባዕልና ኽንገብሮ ኣብዚ እዋን እዚ ድማ ከነጋጥሞ ኣሎና
እወ፡ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ስራሕ ከምዘሎ ምእማን’ውን’ዩ። ካልእ ዝኾነ መጽሓፍ ከም ምንባብ ኣይኮነን መንፈስ ቅዱስ ዘብርሃልካ ምዃኑ ስለ እትኣምን። . . . ነዚ ዝተፈጸመ ዓቢ ተኣምር ዳግማይ ክንረኽቦ ኣለና። ናይ ዘለኣለም ህይወት ተስፋ ንሱ እዩ። ኢየሱስ ትንሳኤን ሕይወትን ምዃኑ ምእማን እዩ።
ስለዚ ከምቲ ዝጸሓፍካዮ መጻሕፍቲ የድልየና እዩ። ነዚ እተፈጸመ ዓብዪ ተኣምር እንደገና ኽንረኽቦ ኣሎና። እዚ ንዓናን ንናይ ዘለኣለም ህይወትናን ዘሎና ተስፋ ኢዩ።
ኢየሱስ ትንሳኤን ሕይወትን ምዃኑ ምእማን እዩ። ስለዚ ሓደ ዓይነት ስነ-መለኮታዊ ንባብ’ዩ፡ ኢየሱስ ንሰባት ህይወት ከም ዘቕርብ እኣምን፡ ህይወት ከም ዘቕርበለይ ድማ እኣምን። ደሓር ግን ሓደ ዓይነት መንፈሳዊ ኣገባብ ምንባብ ኣሎ፡ ንሱ ድማ “እዚ ቅድሚ 2000 ዓመት ዝተፈጸመ ዛንታ ንዓይን ንመዓልታዊ ህይወተይን እንታይ ትርጉም ኣለዎ?” ሕጂ’ውን እዚ ሓሳብ’ዚ እዩ፡ ቃል ኣምላኽ ብዝያዳ ብናጽነት ከይንሰምዕ ዝዓግተና ነገር፡ ናብ ሓድሽ ሕይወት ምእንቲ ክንከይድ ኣብ መቓብር ክንሓድግ ዝብል። ስለዚ ድማ ብሓቂ፡ ነፍሲ ወከፍ ህሞት ናይታ መዓልቲ፡ ኣምላኽ “ንግዳም ውጻእ” [ንዓ] ክብለና ክንሰምዕ ኣሎና።
ጸጋ ክኣትዎ ዘይክእል ኩነታት፡ ሓጢኣት፡ ዝተዓጸናሉ ዘደንዝዘና ብልሽውና የለን። ኣጠማምታ ኦየሱስ ክቕይሮ ዘይክእል ኩነታት የለን። ኣብታ መጽሓፍ ተገሊጹ ዘሎ መልእኽቲ ክፍሊ ወንጌል እዚ ድዩ?
ኢየሱስ ክጥምቶ ዘይደሊ ጨናዊ ዝበሃል ነገር’ውን የለን። ስለዚ ሓደ ካብቲ ዓቢ ክፋል ናይቲ ዛንታ፡ ኢየሱስ ናብቲ መቓብር መጺኡ ነቲ መቓብር ኣልኣዛር ዝዓውጸዎ ማዕጾ እምኒ እለይዎ” ምስ በለ ማርታ ድማ “ፈጺሙ ጨንዩ እዩ” ትብል። ከምኡ’ውን ኣባና ዝበዝበሰ ዝጨንው ብዙሕ ነገራት ክህልወና ስለ ዝኽል ነዚ ንእየሱስ ከነርእዮ ልክዕ ከም ማርታ ክንሓፍር ከም እንኽል ከዘኻኽር እደሊ። ብጸሎት ነቲ ዝጨንው ጉዳይና ናብ ጉይታ ከንቕርቦ ኣይከሕፍረናን እዩ። ናብ ኑዛዜ ከነምጽኦ’ዩ ናብ ኣበ ነፍስ ከነቕርቦ የሕፍረና እዩ። ንሱ ኢየሱስ ነቲ ፈጹሙ ዝጨውን ወይ ጨናዊ ዝበሃል ክቐርቦ ኣየሕፍሮን እዩ፡ ንሕና’ውን ነቲ እምኒ መስቓብርና ክንኣልዮ እሞ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ነቲ ዝጨንው ኩነትና ክገጥሞ ኣይሕፍሮን እዩ፣ ብሓቂ እዚ ክንኣምኖ ዘሎና ጉዳይ እዩ።
(Andrea Tornielli)