ድለ

2024.05.09 apertura della Porta Santa nel Giubileo della Misericordia 8 dicembre 2015 2024.05.09 apertura della Porta Santa nel Giubileo della Misericordia 8 dicembre 2015 

'ካብ በጻሒ ናብ ነጋዲ'፦ ክትልወጥ ፍቐድ!

ኣብዚ ዓመት ኢዮቤል 2025 ክንነኽብርን ከነብዕልን ኣብ እንዳለወሉ ዘሎና እዋን መራኸቢ ብዙሓን ሃገረ ቫቲካን "ካብ በጽሕቲ ናብ ነጋድያን" ዘርእስቱ 16 ተኸታታሊ መደባት ከተቕርብ ኢያ፣ እዚ መደባት እዚ ብሊዝ ለቭ ዝተሰምየት ጸሓፊት ታሪኽ ስነ-ጥበባት ዝኾነት ነቲ ስዉር ጽባቐ ናይ ከተማ ሮሜ ብመነጽር ነጋድያን ኣጕሊሓ እተሪእየሉ መደብት ክኸውን ኢዩ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እዚ "ካብ በጻሕቲ ናብ ነጋድያን" እተሰምየ መደብ ናይ ቫቲካን መራኸቢ ብዙሓን ብዛዕባ ፍልጠትን ምስትውዓልን ተመኵሮን ሊዝ ለቭ ዚገልጽ ተኸታታሊ መደባት ኮይኑ፣ እዚ መግለጺታት እዚ  ነቶም በጻሕቲ በቲ ኣብ ሮማ ዚርከብ ባዚሊካታትን ቅዱስ ቦታታትን ስነ-ጥበባዊ ስርሓትን ኣቢሎም ኣብ ዚገብርዎ ንግደት ዓመተ ኢዮቤል 2025 ንኽንዳለው ክሕግዝ ተባሂሉ ዝተዳለወ እዩ።

እቲ ኣብዚ መደብ ዝተጠቕሙሉ ሙዚቃ ብማራ ሚሰሊ ካብ ረድዮ ቫቲካን ዝተወስደ ኮይኑ ከምኡ ውን ብኡምበርቶ ዳውርያ ዝተደልሰ ኢዩ ። ማራ ድማ ነዚ ድርሰት ብጆሃና ብሮንኮቫ ተመሪሓ ዝቓነየቶን ዘዳለወቶን ሙዚቃ ኢዩ ።

ሊዝ ለቭ ብዛዕባ እቲ ኣብተን ተኸታታሊ 16 ዓንቀጻት ናይዚ መደብ ንዝያዳ ሓበሬታ ነቶም ናብ ከተማ ሮማ ዝመጹ በጻሕቲ ብዓይኒ ነጋድያን ንኽዕዘብዎ፣ ኣብዛ እትመጽእ ዘላ ዓመት ኢዮቤል ኸም ናይ ሓቂ ነጋድያን ተስፋ ዀይኖም ክርከቡ፣ ብኸመይ ክትሕግዞም ከም እትደሊ ንምግላጽ ምስ ረድዮ ቫቲካን ቃለ መሕትት ኣካይዳ።

ብዓይኒ ነጋድያን ምርኣይ

ለቭ "ንገለ ኻብቶም ብዙሓት በጻሕቲ ናብ ሮሜ መጺኦም ብተራ ምርኣይ ሕልፍ ንዝብሉ፣ ብዓይኒ ሓደ ትርጉም ዝደሊ ነጋዲ ንኽዕዘብዎ ከም ዝኽእሉ ክትሕግዝዮም ዶ ትኽእሊ? " ተባሂሊላ ምስ ተሓተት  ኣዝዩ ኽብርትን ሓጐስን ከም ዝተሰምዓ ትምስክር ።

እቲ ሕቡእ ጽባቐ ከተማ ሮማ ብዓይኒ ሓደ ክርስትያን ነጋዲ ክርአ እንከሎ ዝምስጥ ኢዩ።

ሓደ ኻብቲ ነዚ ውጥን እዚ መሳጢ ዀይኑ ዝረኸበቶ ምኽንያት መብዛሕትኡ እቲ መደባት ምስቲ ኣብዛ ጥንታዊትን ዘመናዊትን ከተማ እትገብሮ ንግደት እተተሓሓዘ ምዃኑ ውን ትገልጽ ።

"ንመጀመርታ ግዜ ናብ ሮማ ኣብ ዝመጻእኩሉ እዋን ከም በጻሒት ኢየ ዝነበርኩ፣ እንተዀነ ግን ጸሓፊት ተሪኽ ስነ-ጥበብ እውን ኢየ ነይረ" በለት፣ ንሥነ-ጥበብ ከተጽንዖን ንስነ-ጥበብ ክትርድኦን እተማህረትሉ መገዲ ኸኣ "ንመንፈሳዊ ጐድኑ ካብ ምጥማት ብሓቂ ዝኽልክል ኢዩ ዝንበረ" እወን ትብል።

እንተዀነ ግን ኣብ ሮማ ብምቕማጣን ክፍሊ ናይዚ ዓለም እዚ ብምዃናን ነቲ ስነ-ጥበባዊ ስርሓት ብብርሃን እቲ እተፈጥሩሉ ቦታን ንመን ከም እተገብሩን ንኽትዕዘቦ ኣኽኣላ።

እዚ ትዕዝብቲ እዚ እምበኣር "ነዚ ዕዮ እዚ ሓድሽ ጽባቐ" ከም ዝኸፈተሉ ውን ገለጸት።

ናሕሲ ጥንጣዊ ቤተ መቕደስ ፓንትዮን
ናሕሲ ጥንጣዊ ቤተ መቕደስ ፓንትዮን

ክንዮ እቲ ጽፍሒ ምርኣይ

ሊዝ ከም ዝገለጸቶ እዚ መደባት መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ነቶም ነጋድያን ክንዮ እቲ ዝዕዘብዎ ዘለዉ ጽፍሒ ርእዮም ንክኽእሉ ንምሕጋዝ እዩ ዝጽዕር ትብል።

"ንስነ-ጥበባዊ ስርሓት ክትገልጾምን ኣብ ውሽጢ እቲ መስተንክር ዝኾነ ኣድማሶም ኣቲኻ ክትጥሕልን ንምኽኣል ከደንፍዕ ምኽኣለይ ፍሉይ ሓለፋ ኰይኑ ኢዩ ዝስምኣኒ" በለት።

እዛ ሊቅ ታሪኽ ስነ-ጥበብ ከም ዘመልከተቶ እቲ ወትሩ ሰሉስ ሰሉስ ሓድስቲ ተኸታተልቲ መደባት ሒዙ ዝመሓላላፍ ናይ ቫቲካን መርኸቢ ብዙሓን መደብ፣ ናብ ውሽጢ ጳጳሳውያን ብዚሊካታትን ከምኡ ውን መንጫዕጫዕታት፣ ስርሓት ናይ ቅብኣ ስእሊ፣ ናብ ኣደባባያት፣ ናብ መደያይቦታትን መገድታትን ከም ዘዘዋውረና ተገልጽ።

ሓደ ኻብቲ  ነዚ መደባት እዚ ከተካይድ ዝደረኻ ምኽንያታት እንክትገልጽ ሊዝ ከምዚ በለት - ብዙሓት ነጋድያን ናብ ሮማ ዝመጹ እቲ ኩሉ ዝዕዘብዎ ዘደንቕ ነገራት ብፍሉይ ንንግደታትን ነጋድያንን ተባሂሎም ከም ዝተገብሩ ዘይፈልጡ ምዃኖም ኢዪ፣ ንኣብነት "ካብቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዘሎ ነዊሕ ሓወልቲ ካብቲ እተተኽለሉ እዋን ኣትሒዙ፣ እቲ ናይ ሚካኤልኣንጀሎ “ፔታ” ዝተሰምየ ሓወርልቲ ንባዕሉ - ንዓመተ ኢዮቤል ተባሂሉ ዝተገብረ ኢዩ ዝነበረ ። "

ቀንዲ ዕላማ ንግደት ድማ ተሓድሶን ዳግመ ልደትን ምዃኑ ውን ገለጸት፦

"እዚ ገዛእ ርእስኻ ንምሕዳስ ከምኡ ውን ዳግም ሓድሽ ንምዃን ነቲ ኣብ ስነ-ጥበባዊ ስርሓት ተንጸባሪቑ ዘሎ ከምኡ ውን ብመነጽር ነጋድያን ብምርኣይ ነዚ ስነ-ጥበባዊ ስርሓት እዚ ብሓድሽ ዓይኒ መዕዛብ ኢዩ" በለት።

እዚ ከምዚ ዝመሰለ ተመኩሮ "ብውሽጣዊ መንፈሳዊ ህይወትና ንኽንቅየር" ዝሕግዘና ምዃኑ ውን ገለጸት።

ሓወልቲ ሚክኤልኣንጀሎ ላ ፔታ
ሓወልቲ ሚክኤልኣንጀሎ ላ ፔታ

ተስፋን ጽባቐን

ቅዉም ሓሳትብ ናይዛ ዓመት ኢዮቤል 2025 "ነጋድያን ተስፋ" ዝብል ኰይኑ፣ ኣብዚ ዓለምለኻዊ ግጭታትን ጸልማትን ኣብ ዝሃለወሉ እዋን ኣብ ውሽጥኻ ዝስምዓካ ኣርእስቲ ኢዩ። ንሊዝ ጽባቐን ስነ ጥበብን ተስፋ ክኾነና ዚኽእል እንተ ዀይኑ ዝብል ምስ ተሓተት።

ከምዚ ድማ በለት - "ብርግጽ..." ከምኡ ውን "ነጋድያን ተስፋ" ዝብል ከመይ ዝበለ ዓቢ ሓሳብ ኮን ኢዩ ይመስለኩም! ክትብል መስከረት።

"ዓመት ኢዮቤል ወትሩ ኣብ እዋን ውግእ ማለት፣ ኣብ እዋን መዓት ኣብ እዋን ምዕልቕላቕ ማይ ከምኡ ውን ድሕሪ ዕንወት ዓመት ኢዮቤል ይካየድ ነይሩ እዩ ። . . . እዞም ጸጋማት እዚኣቶም ድማ ወትሩ ምሳና ኣለዉ፣” ኣስዒባ ድማ እቲ ኣብና ዝተሪፉ ዘሎ እንተ ርኢና ትብል እቲ ኣብቲ እዋን እቲ ዘጋጠመ ሕማቕ ነገራት ኣይኮነን ክትብል ኣጕልሐት፣ የግዳስ ኣብቲ ጽንኩር እዋን እውን ከይተረፈ ከነትርፎ ዝኸኣልና ጽባቐ ዝመልኦ ዕዮ ኢዩ ። " ድማ በለት።

ሊዝ ኣስዕብ ኣቢላ ኸምዚ በለት - "ጽባቐ ክንዮኡ ንኽንርኢ ይሕግዘና ኢዩ፣ ነቲ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዓለም ዘጋጥም ዘሎ ዘስካሕክሕ ነገራት ክንፈትሖ ኣድላዪ እኳ እንተዀነ ኣብኣቶም ጥሒልና እንተ ተረፍና ተስፋ ክንቆርጽ ንኽእል ኢና። ክንዮ ምስ እንጥምት እሞ ዕቤትን ክብርን ምስ እንርኢ እሞ ሓደ ኻብቲ ተስፋ ዝህበና ዓበይቲ ዛንታታት ምስ እንዕዘብ ግን ተስፋ ክንረክብ ንኽእል ኢና።"

ናይ ቅብኣ ስእሊ ካራቫኞ - ቀብሪ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ
ናይ ቅብኣ ስእሊ ካራቫኞ - ቀብሪ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ

ብተግባር ዚርአ ስነ-ጥበብ

ብጭቡጥ ኣብነት ድማ ሊዝ ኣብቲ ምድላው ናይዚ መደብ ምስል ኢላ - "ቅድሚ ሒደት ደቓይቕ ካብ ቤት ጸሎት ሲስቲን ኢየ ወጺአ፣ ነቲ ናይ ዝሰኸረ ኖህ ስእሊ ከኣ ይዕዘቦ ነበርኩ - ጸልማት ዝኾነ ኩነት ኢዩ ዝነበረ፣ ኣብቲ ናይ መጨረሽታ ክፍሊ ናይቲ ሰንቀ ኸኣ ኢዩ ዝርከብ፣ ኖህ ንዅሎም ሰቡ ከድሕን ኢዩ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ፣ ኣብዚ ኸኣ ሰኺሩ ሞይቱ ኢና እንረኽቦ "እዝስ ኣየሕዝዝንን ዶ?" … ሚካኤልኣንጀሎ ድማ ስመራግዶስ ቀጠልያን ቶፓዝ ብጫን ዝለበሰ ድሙቕ ዝሕብሩ ነብዪ ኣብ ጐድኑ ኣንበረ ። ኣዒንትኻ ብሓጐስ ናይቲ ሕብርታት ትሰሓብ ድማ ። እዚ ኣገላልጻ እዚ እንታይ ማለት ኮን እዩ? 'ካብ ምብራቕ ብርሃን ኪመጽእ ከሎ እርኢ ኣለኹ።' ዝበለ ነቢይ ኢዩ ዝንበረ።" በለት።

እዚ ዅሉ ብዛዕባ እቲ እዘን ክልተ ንኣሽቱ መጋረጃታት እዚኣተን ነቲ ተዓዛቢ ኻብ ጸልማት ኣውጺአን ናብ  ተስፋ ብኸመይ ከም ዜእትውዎ ኢዩ ዝገልጽ ዘሎ ።

ለውጢ ግበር

ሊዝ ከም ሮማዊት መጠን ዋላ እኳ እታ ኸተማ ብስራሕ ጻዕቂ ፈጢራ እንተ ተረኽበት ብዙሓት ነጋድያን በታ ኸተማ ኺሓልፉ ብሃንቀውታ እያ እትጽበ። ከምዚ ክትብል ድማ ንነጋድያን ኰነ ንሮማውያን ዜተባብዕ ቃላት ኣመሓላለፈት፦

"እዚ ዋን እዚ ናይ ተሓድሶ እዋን እዩ ኽብል እኽእል እየ፣ ለውጢ ንግበር! እቲ ኣብታ ኸተማ ዚውሕዝ ዓብዪ ጸጋ ጽባቐ ስነ-ጥበብ ጐድኒ ጐድኑ ድማ ብዙሓት ሰባት ኪካፈልዎ ዘለዎም ተመክሮታት ኣሎ - ካብዚ ዓመት እልልታ እዚ ብዝበለጸ ጸጋ ከም እትረኽቡ ኣረጋግጹ!" ክትብል መልእኽታ ዛዘመት።

ሲስቲና ቤተ መቅደስ - ሚካኤልኣንጀሎ
ሲስቲና ቤተ መቅደስ - ሚካኤልኣንጀሎ
13 June 2024, 13:52