ድለ

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፡ ኣብዛ ብጸልማት ዝተኸድነት ዓለም፡ ሃነጽቲ ሰላም ንኹን! ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፡ ኣብዛ ብጸልማት ዝተኸድነት ዓለም፡ ሃነጽቲ ሰላም ንኹን!  (Vatican Media)

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፡ ኣብዛ ብጸልማት ዝተኸድነት ዓለም፡ ሃነጽቲ ሰላም ንኹን!

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራት ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ክሮኤሽያ ዘካየድዎ ዑደት ምትሕግጋዝ ዘዕብዩን ሃነጽቲ ሰላም ንኹን ብዝብል ዘቕረብዎ ጸዋዕታ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ውድባትን ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ከም ኣካል ናይቲ ኣብ ክሮኤሽያ ዘካየድዎ ናይቲ ዕለት 30 ግንቦት ዝጀመረ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደት፡ ንበዓል ናይ ዛግረብ ሓላዊት ቅድስተ ማርያም ዘሆህተ ብርት ንምዝካር መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉን ኣብ ስለገስዎ ስብከት ልክዕ ከምቲ ቅድሚ ፍጻሜ መብጽዓታት እግዚኣብሔር ምርኣየን ዝኣመናን ተስፋ ዝገበራን ቅድስት ድንግል ማርያምን ኤልሳቤጥ ኣብ ሞንጎ ናይ ሎሚ ብዙሕ ጸገማትን ‘ጥፍኣትን’ ከይተረፈ ምእመናን ኣብ ዕዮ እግዚኣብሔር ክኣምኑ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቅድስተ ማርያም ምንጪ ተስፋ

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፡ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ዘሆህተ ብርት፡ ኣብ ምብራቓዊ መእተዊ ጥንታዊት ከተማ ዛግረብ ባርዕ ሓዊ ድሕሪ ዘስዓቦ ዕንወት ዝተረኽበ ምዃኑ ድማ ኣዘኻኺሮም፡ ነቶም "ዝተሳቐዩን ኣንፈት ዝሰሓቱ" ነበርቲ እታ ከተማ እቲ ዝተረኽበ ቅዱስ ምስሊ ምንጪ ኣግራሞትን ተስፋን ከም ዝነበረን "ሎሚ ኣብ ዓለም ዘሕዝን ዕንወት ዘርእዩ ትርኢታት” ምህላዎም ድማ ገሊጾም፥ እዚ ድማ ገሊኦም ብተፈጥሮኣዊ ተርእዮታት ዝመጹ እኳ እንተኾኑ "በቲ ንነዊሕ እዋን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ 'እናተፈናጨለ ዝካየድ ሳልሳይ ውግእ ዓለም” እብንክብሉ ዝገለጽዎ ሰብኣዊ ትርጉም ኣልቦነት'ውን ዘስዕቦም ተርእዮታት ዕንወት ጠቒሶም፥ እዚ ኹሉ ነቲ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ዘሆህተ ብርት ዳግማይ ምርኣይ ኣገዳሲ ምዃኑ ከነስተውዕል ተላብዮም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ፥

ህያብ ህይወት ኣምላኽ

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ብዛዕባ’ቲ ኣብ መንጎ ማርያምን ኤልሳቤጥን ዝተገብረ ርክብ ዝገልጽ ናይ ዕለቱ ወንጌል መሰረት ገይሮም ዘቕረብዎ ስብከት ብምቕጻል፥ ክልቲአን ብዘይተጸበየኦ መገዲ ኣዴታት ንምዃን ከም ዝበቐዓን እዚ ድማ ነቲ ዝነበረን ውልቃዊ መደባተን ከመይ ከም ዝቐየሮን ነዚ ዘይተጸበየኦ መደብ ኣምላኽ ከኣ ብሓጎስ ከም እተቐበለኦ ኣብሪሆም፥ ነቲ ታሪኽ ምስ ናይ እዋንና ኣዴታት ብምትሕሓዝ፥ "ቅድስተ ማርያም ዘሆህተ ብርት ንኹለን እተን ኣብ ማህጸነን ዘርኢ ሓድሽ ህይወት ዝቕበላ ደቂ ኣንስትዮ፡ ዋላ'ውን ብዘይተጸበየኦ መገድታት እውን ዝመጽእ ይኹን’ ካብ እምላኽ ዝወሃቦ "ህያብ" ገይረን መታን ክርእየኦ ንየሰንየን” ቢሎም፥ እዚ ኩሉ ግዜ ኣብ ሕብረተሰባትና ዝፍጸም ኣይኮነን፡ ይኹን እምበር ንዝኣምኑ ህይወት ንኸስፍሑን ክከላኸሉን ዘተባብዕ እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ንቕድሚት ንኺድ!

ወንጌል ብዛዕባ ማርያም ንጓል ሓውቦኣ ኤልዛቤጥ ክትበጽሓ "ተንሲኣ ቀልጢፋ ከደት" ይብል። በዚ ኸምዚ ማርያም ምስሊ ናይታ ር.ሊ.ጳ. ኣዝዮም ዝምነይዋን ዝላበውዋን "ካብ ገዛእ ርእሳ እትወጽእ - ናብ እትብል ንኽትራኸብ እትጓዓዝ ቤተ ክርስቲያን" ቅዱስ ምስልን ኣብነትን ትኸውን ቢሎም፥ "ንዓና እውን እንክብሉ ደጊሞም ምስ ኣረጋገጹ፥ “ነቶም ብሳዕቤን ኣሉታዊ ዕጫ ወይ ሰብኣዊ ተጻብኦታት ዝሳቐዩ፡ ኢድና ክንዝርግሓሎም፡ ንኽንራኸቦም ክንወጽ ቀልጢፍና ንኽንትንስኦም እግዚኣብሔር ሓይሊ ይህበና፡ ስራሕ ኣልቦ ኮይንና ክንጸንሕ ኣይንኽእልን። ንዝሳቐዩ ምጽንናዕ፡ ተስፋ ንዝቖረጹ ምትብባዕ ህጹጽ ኣድላይነት ኣለዎ" መጋበርያ ሰላም ንኹን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኤልሳቤጥን በዓል ቤታ ዘካርያስን ንዓመታት ንህያብ ውላድ ይጽበዩ ዝነበሩ: "ምናልባት ተስፋ ቆሪጾም ነይሮም ይኾኑ" ጎይታ ንጸሎቶም ሰሚዑ ተስፋኦም ድማ ኣረጋገጸሎም - ማርያም ንፍቓድ ኣምላኽ "ከም ዝበልካዮ ይኹነለይ ቢላ ዝተቐበለትን ጓሂ ኤልሳቤጥ ናብ ሓጎስ እውን ከም እተለወጠን፡ እዚ ስነ-መጎት ፋሲካ እዩ ዘርየና። ስለዚህ ንሕና "ገዛእ ርእስና ንፍቓድ ኣምላኽ ንኽንሓድግ ዝሓንጸጽናዮ መደብ ከመይ ጌርና ክንሓድግ ምስ እንፈልጥ ሕጉሳት ከም እንኸውን ዘረጋግጸልናን፡ እዚ ንፍቓድ ኣምላኽ ስንድው ምዃን ኣባና ዝሰርሕን ብኹሉ ሓይሉ ዝግለጽን ምስጢር ፋሲካ እዩ" እንክብሉ ገሊጾም፥

ምትሕግጋዝ

ማርያምን ኤልሳቤጥን ንጐይታ ዘመስግነኦ ኩሉ ነገር ከም ድሌተን ምስ ዝኸውን ዘይኮነስ፡ ኣምላኽ መብጽዓታቱ ከም ዝፍጽም ርግጸይና ካብ ምዃን እዩ። "ዋላ እኳ ኣብ ድቒ እውን እንተኾነ ስራሕ ኣምላኽ ድሮ ኣብ ዓለም ከምዘሎ ክንርኢ" ዘተባብዓና ዕድመ እዩ፡ . . . ኣተሓሒዞም ምእመናን እዚ ኹሉ ድማ ነቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ እዋን ኣብ ቅድሚ መዓት ወይ "ሰብኣዊ ጭካነ" ንዝፍጠር ምትሕግጋዝ ኣዒንቶም ክኸፍቱ ዝዕድም እዩ።” . . . "እቶም ዝፍነዉ ቦምባታትን ዘምጽእዎ ዕንወትን ጥራይ ኣይኮንና ንርኢ . . . ጐይታ ከምቲ ቅድስተ ማርያም ዘሆህተ ብርት ዝዓቀበ፡ ኩሉ ግዜ ነቶም ገበርቲ ሰናይ የድሕኖም፡ ንእሽቶ መጓሰ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ኣብ ስቓይ ዝርከቡ ንምፍዋስ ወይ ሓደስቲ መዓት ከይህሉ ንምክልኻል ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ ሰባት ይዕቅቦም።”

ሃነጽቲ ሰላም

"ስራሕ እግዚኣብሄር ድሮ ኣብ ተግባር ክንርኢ፡ ኣብ ማእከል 'ክፍኣት ዓለም ናይቶም  ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ዝሰማዕናዮ ክልተ ቀንዲ ተዋሳእቲ ምጥማት የድልየና፡ ቅድሚ 30 ዓመት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝገበርዎ ዑደት ከም ዝዘከርዎ ኣብ ክሮኤሽያ፥ "መጀመርታ ቅድስተ ማርያም ዘሆህተ ብርት ተባሂላ ዝተጸውዐት ንኹሉ ሰብ ህያብ ትዕግስቲ ከተማልድ ከም ዝጸለዩ ዘኪሮም፥ ስለዚ "ከምቲ ኣብ እዋን መዓት  ምልክት ተስፋ ኮይና ዝተገልጸት” እንክብሉ፥ "ንዓና'ውን መሰኻኽር ትንሳኤ ይግበረና፡ ምስ ኩሉ ነገር ኣብ ኩሉ ነገርን፡ ንኣምላኽ ብህይወትና ከነመስግኖን፡ ሕጂ'ውን እንተኾነ፡ ኣብታ ብጸልማት ተኸዲና ዘላ ዓለም ብርሃን ዘምጽኡን ሃነጽቲ ሰላምን ንኹን” እንክብሉ ስብከቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንኮሎ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር በቲ ዕለት 30 ግንቦት ዝጀመረ ናይ ሰለስተ መዓልቲ መደብ ሓዋርያዊ ዑደት፥ ምስ መራሔ መግንስቲ ክሮኣሺያ ኣንድሬጅ ፕለንኮቪችን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻእን ርክባት ምስ ሕብረት ኤውሮጳን ጎርዳን ግርሊች - ራድማንን ከም እተራኸቡን ብተወሳኺ እውን ኣብ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ክሮኣሽያ ተረኺቦምን ኣብኡ ድማ ኣስተምህሮ ከም ዘቕረቡን ኣብ መወዳእታ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር፥ ኣብ ካቴድራል ዛግረብ ብምኽንያት ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅድስተ ማርያም ዘሆህተ ብርት ብዝዓረገ ብፁዓን ጳጳሳት ክሮኣሽያ ዝሳተፍዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ሰሪዖምን ስብከት ለጊሶምን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

03 June 2024, 14:34