ቅድስቲ መንበር ኣብ ሩዋንዳ ውሕስነት ዘለዎን ንኹሉ ዘማእከለን ኢንተርነት ንምርካብ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ገለ ኻብቲ ብ9 ሰነ ኣብ ርእሲ ኸተማ ሩዋንዳ ኪጋሊ እተኻየደ ኣኼባ ላዕለዎት ኣህጉራውያን ሰበ ስልጣን ኣብቲ ብዛዕባ ኢንተርነትን ተሌኮምኒኬሽን ዝዝቲ፣ ኣብ መላእ ዓለም ነቲ ማእከላት መርበብ ሓበሬታን መራኸቢ ብዙሓንን ዚቈጻጸር ውድብ ዘተባብዖ ዓመታዊ ጉባኤ እተመያየጡሉ ነጥብታት እዚ ዝስዕብ ኢዩ ዝነበረ፦ ምውጋድ ምቁርራጽ ኢንተርነት፣ ውሑስን ንጽልን ዝተዛነየ ኣጠቓቕማ ዘለዎ ምግባሩን፣ ብዘይካዚ ዋጋታት ሓበሬታን መራኸቢ ብዙሃንን ትሕተቕርጾምን (ICT) ብምንካይ ንኹሉ ዝኸውን ምግባሩን፣ ከምኡ ውን ኣብ ኤለክትሮኒካዊ ምዕባሌታት ከም ዚጠቓለል ምግባሩን ዝብሉ ኣርእስትታት ኢዮም ዝነብሩ ።
ተወከልቲ ቅድስቲ መንበር
ኣብቲ ኣኼባ ሓምሳ ልኡኻት እንተላይ ናይ ቅድቲ ምንበርን ተሳቲፎም፣ ኣብ ርእሲ እቲ ዓለም ለኻዊ ማሕበር ፖሊሲታት ምርግጋጽ እተዋህቡ ኣስማትን ቁጽርታትን ንዓለምለኻዊ ምትእስሳር ኣድላዪ ዝዀነ ህዝባዊ IP ኣድራሻታትን ካብ 1994 ኣትሒዛ ቅድስቲ መንበር ውን ኣብል ብምኳና ናይቲ "እተመደበ ስማትን ቍጽርታትን ዘለዎ ትካል ኢንተርነት " ዝተኻየድ ኣኼባ ተሳቲፋ ።
ዕንቅፋታት ኢንተርነት ምእላይ
ብፍላይ ከኣ ሳላ እቲ ኣብ መንጎ ብዙሓት ትካላት ተዋሳእቲ ን25 ዓመት እናማዕበለ ዝኸይድ ዘሎ ምትሕብባር ኣብ መንጎ እተፈላለዩ ተክኒካዊ ዀነ ተክኖሎጅያዊ ዘይኰነ ማሕበረሰባት ዘሎ ምትሕብባር ውሕስነትን ክፉት ዝዀነ ናይ ኢንተርነት ኣገባብ ኣጠቓቕማ ኣድላዪ ምዃኑ እንደገና ተዛትዮምሉ ይርከቡ። ገለ ኻብቲ ጥቅውና ዝመልኦ ኣብነታት ነቲ መራኸቢ ብዙሓን ዋጋታት ንምንካይን ከምኡ ውን ከም ሃገራት ህንድን ባንግላደሽን ዝፍጽምዎ ሓደዓይነትን ብዙሕ ቋንቋን ዘለዎ ኢንተርነት ንምድንፋዕ እተገብረ ፖሊሲታት ኢዩ። ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታት ንትምህርቲ እቶም ብኤለክትሮኒካዊ ስርዓተ ኣከባቢ ኣቢሎም ነቲ ብኢንተርነት ኣቢሎም ዚረኽብዎ ማሕበራውን ቍጠባውን ባህላውን ኣጋጣሚታት ክጥቀሙሉ ዚኽእል ዕድላት ህዝቢ ዕሽሽ ክብሎ ከም ዘይብሉን ዘትዩ። ባንግላደሽን ተመክሮ ቻድን ከም ብሓድሽ ከም ዚሕብሮ ኤለክትሪካዊ ምዕባሌ ምርካብን ኣብ ትሕተ ቕርጺ መራኸቢ ብዙሓን ዚኽፈል ግብሪ ምንካይን ኣገዳሲ ምዃኑ ውን ተመያዪጦምሉ።
ናብ ተጻዋርነት ዘለዎ ትሕተ ቕርሲ መራኸቢ ብዙሓን
እቲ ብ ITU ዝፍለጥ ኣብ ናይ ሓበሬታን መራኸብን ተክኖሎጅያዊ መሳርሒታትን ፍሉይ ክእለት ዘለዎ ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ እዋን ለብዒ መሰረታዊ ዝዀነ ናይመራኸቢ ብዙሃን ትሕተ ቅርጺ ዘለዎ ተጻዋርነት ምድጋፍ ኣድላዪ ምዃኑ ኣብቲ ኣኼባ ገሊጹ ። ብተመሳሳሊ እቲ ብተክኒክን ክኢላታትን ዝቘመ ትካል ኣብቲ 4 ቢልዮን ርእሰ ነገር ዘለዎ ኤለክትሮኒካዊ ስርዓተ ኣከባቢ ተክኒካዊ ትግባረ ነባሪ ምእንቲ ኸይከውንን ብኣንጻሩ ግና ብተክኒካዊ መዳይ ኪዕየየሉ ዘይከኣል ሕግታት ምእንቲ ኸይወሃብን ናይ ምትሕብባር ኣጋጣሚታት ኣኬባታትን ዘተታትን ከም ዘድሊ ኣጕሊሑ። .
ምስ ኣፍሪቃ ምሕባር
ገለ ኻብቲ ብዛዕባ እታ 63 ሚእታዊት ህዝቢ ካብ ኢንተርነት ወጻኢ ዝኾነ ህዝቢ ዚነብረላ ኽፍለ ዓለም ኣፍሪቃ እውን ተገሊጹ ይርከብ ፣ ኡኔካ - ኮሚሽን ቍጠባ ኣፍሪቃ - 476 ሚልዮን ሰባት ክሳዕ ሕጂ ኣብ ድኽነት ከም ዚነብሩ ገሊጹ ይርከብ ። በዚ መዳይ እዚ ነተን ኣብ ምዕባሌ ዚርከባ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ናይ ምትሕግጋዝ ፖሊሲታት ንምድጋፍ ፍሉይ ዝኾነን ንዅሉ ዚሓቍፍን ምዕባሌ ንምድንፋዕ ከምኡ ውን ነቲ ቐንዲ ሃገራዊ ማእከል መርበብ ሓበሬታ ንምቍጽጻር ዜድሊ ቴክኒካዊ ኽእለት ንምድላው ኣብ ሓባራዊ ሸቶታት ንምትኳር ምትሕብባር ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ደጊሙ ጠቐሰ ።