ጸብጻብ ተቕዋም ሃይማኖታዊ ጒዳያት (IOR) 2023 ዓ.ም.፥ 30.6 ሚልዮን ኤውሮ ጽሩይ መኽሰብ ጸብጻብ ተቕዋም ሃይማኖታዊ ጒዳያት (IOR) 2023 ዓ.ም.፥ 30.6 ሚልዮን ኤውሮ ጽሩይ መኽሰብ 

ጸብጻብ ተቕዋም ሃይማኖታዊ ጒዳያት (IOR) 2023 ዓ.ም.፥ 30.6 ሚልዮን ኤውሮ ጽሩይ መኽሰብ

ተቕዋም ሃይማኖታዊ ጒዳያት (IOR) ወግዓዊ ኣብ ዝገበሮ ዓመታዊ ጸብዳብ ናይ 2023 ዓ.ም. 30.6 ሚልዮን ኤውሮ መኽሰብ ከምዝረኸበ ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብልምዲ ባንኪ ቤት ሃገረ ቫቲካን ተባሂሉ ዝፍለጥ ተቕዋም ሃይማኖታዊ ጒዳያት (IOR) ንመበል ዓሰርተ ክልተ ተኸታታሊ ዓመት ብመሰረት IAS - ኣህጉራዊ መስፈርቲ ሃብቲ ገንዘብን IFRS - ኣህጉራዊ መዐቀኒታት ሃብቲ ገንዘብ ናይ 2023 ዓ.ም. ጸብጻቡ በወግዒ ከም ዘቕረበን እዚ ጸብጻብ እዚ ካብ ናይ ኢጣሊያን ኣህጉራውያንን ትካላት ተቐጻጻሪ ሃብቲ ገንዘብን ቁጠባን እወታዊ ርእይቶ ከም እተወሃበሉን፡ እቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ዕለት 30 ሚያዝያ 2024 ዓ.ም. ብናይ ተቕዋም ሃይማኖታዊ ጒዳያት ተቖጻጻሪ ሽማግለን ስዒቡ ድማ ጉዳያት እቲ ተቕዋም ናብ ዝከታተል ሽማግለ ካርዲናላት ተላኢኹ ዝጸደቐን ዕለት 14 ሰነ 2024 ዓ.ም. ድማ ወግዓዊ ከም ዝኾነ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

IOR  - ተቕዋም ሃይማኖታዊ ጉዳያት ምስ ዕላማታት እቲ ስልታዊ ትልሚ ብምስምማዕ፡ ክሳብ 2023 ዓ.ም. ኣብ ዓለም ንሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ቤተ ክርስቲያንን ናይ ምግልጋል ቀንዲ ተራኡ ኣብ ምፍጻም ነዚ ዝስዕብ ውጽኢት ከም ዘመዝገበን፥

• 30.6 ሚልዮን ጽሩይ እቶት

• + 23% ጽሩይ ወለድ ሕድጋት፡ + 49% ናይ መንጎይናነት ሕድጋት፡ + 31% ጽሩይ ናይ ወለድ ሕድጋት፣

• ጠቕላላ ዓሚላዊ ንብረት +4% 5.4 ቢልዮን ኤውሮ፣

• 60% ደረጃ 1 መጠነ ዝምድናን 48% መጠነ ዝምድና ወጻኢ/እቶትን።

ከም ዘመዝገበን፥ "ነቲ ኣብ ናይ 2023 ዓ.ም. ቝጠባዊ ጸብጻብ ጥዑይ ስለ ዝነበረን ነቲ ናይቲ ተቕዋም ርእሰ - ማል ብቕዓታት ኣብ ግምት ብምእታውን ሽማግለ ካርዲናላት ንሃይማኖታውን ግብረ - ሰናይን ዝኸውን 13.6 ሚልዮን ኤውሮ ክም እተወሰነ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣብ 2023 ዓ.ም ዕብየት ጽሩይ መኽሰብ ሳላ እወንታዊ ኣበርክቶ ወለድ፣ ሕድጋት ዓማዊልን ሕድጋት ወለድን ዝተረኽበ ከም ዝኾነን፥ "ኣገልግሎት ዓማዊል ንምምሕያሽ ዝዓለመ ወፍሪ፡ ከምኡ'ውን ብስነ ኣሃዝ ኣተራቀ መጋበሪያ ብምጥቓ ብዙሕ ለውጢ እኳ እንተተገብረ፡ ምቁጽጻር ወጻኢታት ቀንዲ ጻዕርታት ምሕደራ ኮይኑ ይቕጽል ምህላዉ ኣመላኺቱ፥ ኣብ መወዳእታ “ብመንጽር ምሕደራ ንብረት፡ እቲ ተቕዋም ምስ ካቶሊካዊ እምነት (ስሩዕ ምውፋር ሃብቲ ገንዘብ) ዚሰማማዕ መሰረታዊ ስርዓታት ንምሕላው ቈራጽነት ዝገበረ ኮይኑ፡ እቲ ተቕዋም ሃይማኖታዊ ጒዳያት ዚቈጻጸሮ ዓይነት ንብረት ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እተገብረ ዕዮ ዚምስክር እዩ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ስነ ምግባራዊ ወፍሪ ኣህጉራዊ መወከሲ ኪኸውን ከም ዘኽኣሎ ኣፍሊጡ።

17 June 2024, 14:38