ድለ

ካርዲናል ኮኽ፥ ጳጳሳዊ ቅድምና ብሲኖዳዊ ኣገባብ ዝፍጸም ኣገልግሎት ካርዲናል ኮኽ፥ ጳጳሳዊ ቅድምና ብሲኖዳዊ ኣገባብ ዝፍጸም ኣገልግሎት  (Vatican Media)

ካርዲናል ኮኽ፥ ጳጳሳዊ ቅድምና ብሲኖዳዊ ኣገባብ ዝፍጸም ኣገልግሎት

ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ኩርት ኮች ነቲ ‘ጳጳስ ሮማ’ ዝብል ኣርእስቲ ዝገበረ ኵላዊ ሰነድ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፥ ነቲ 'ጳጳስ ሮማ' ዘርእስቱ ኤቁመናዊ ሰነድ፥ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ወይ ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅድምና ብኻልኦት ኣብያተ-ክርስትያን ከም ጸገም ዝረአ ግን ብዛዕባ እንታይነት (ባህርይ) ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ዓለም ዘለዋ ተልእኾን ናይ ሓባር ኣስተንትኖ ዕድል ዝህብ እዩ” እንክብሉ ይገልጽዎ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“እቲ ቅድምና ብሲኖዳዊ መንገዲ ክግበር ኣለዎ፣ ሲኖዳዊ ድማ ቅድምና ይሓትት” . . .  እንክብሉ ናይ ኣቢያተ ክርስትያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ኩርት ኮኽ፣ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ነጥብታት ናይቲ “ጳጳስ ሮማ” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ሰነድ ኣጒሊሖም፣ እቲ ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ‘Ut unum sint -  ሓደ ምእንቲ ክኾኑ’ ብዝብል እርስቲ ዝደረስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ካብ ዝሕተም ንደሓር ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ቅድምናን ሲኖዳውነትን ዘማእከለ ዝካየድ ዘሎ ምዕባለታት ብሓጺሩ ዘቕርብ ምዃኑ የብርሁ።

ነዚ ዝበሉ ካርዲናል ኮኽ ምስ ጋዜጠያንን ዋና ኣሰናዳኢ ርእሰ ዓንቀጽን ዜና ቫቲካንን ኣንድርያ ቶርኒየሊ ብዛዕባ እቲ ዕለት 13 ሰነ ወግዓዊ ዝኾነ “ጳጳስ ሮማ” ዘርእስቱ ሰነድ ኣማእኪሎም ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥

እዚ ሰነድ እንታይ ምዃኑ፡ ድሕሪኡ ድማ ብኸመይ ከም ዝመጸን ዕላምኡን ክትገልጹ ትኽእሉ ዶ? እዚ ሰነድ እዚ ጳጳስ ሮማ ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ብዛዕባ ቅድምናን ሲኖዶሳውነትን ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ዝተራእየ ኤቍመናዊ ምዕባለታት ዘቕረቦ መጽናዕታዊ ጽሑፍ እዩ። መበገሲኡ ናብቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንኹሎም Ut unum sint - ሓደ ምእንቲ ኪኾኑ ዘለዎም ክርስትያናት ኣገልግሎት ጳጳስ ሮማ "ኣገልግሎት ፍቕሪ ዝፍጽመሉ" መልክዑ ክርከብ ናብ ዘቕርቦ ዕድመ ይምለስ። እዚ ዕድመ እዚ ብር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16ን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስን ተደጊሙ ኣሎ። እቲ ሰነድ ነዚ ዕድመ ዝምልከት ኣስታት ሰላሳ መልስታትን ኣስታት ሓምሳ ኣብቲ ዕድመ ኣማእኪሉ ናይ ዝተገብረ ኤቍመናዊ ዘተን ጽማሬ እዩ።

ኣብ 2020 ዓ.ም. እቲ ሓድነት ክርስቲያን ዘነቓቕሕ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት መበል 25 ዓመት ዝኽሪ ‘Ut unum sint -  ሓደ ምእንቲ ክኾኑ’ ዘርስቱ ዓዋዲ መልኽቲ ከም ዕድል መገምገሚ ኤቁመናዊ ዘተ እዩ ዝረኣዮ። ሲኖዶስ ብዛዕባ ሲኖዳውነት ንኽካየድ ምጽዋዕ ነዚ ውጥን ኣብ ኤቍመናዊ ሸነኽ መስርሕ ሲኖዶስ ኣበርክቶ ኣብ ምዃን ዘለዎ ኣገዳስነት የረጋግጽ።

ነዚ ሰነድ ንምቕራብ እንታይ ኣገባብ ተጠቂምኩም? እቲ ሰነድ ውጽኢት ናይ ሓቀይና ኤቍመናውን ሲኖዶሳውን ስራሕ እዩ። ኣብ ምትግባሩ ድማ ነቶም ኣብ ሓላፍነት ዘለዎም ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣባላትን ኣማኸርትን ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት እውን ዘሳተፈ ክኸውን ኣብ ክልተ ሓፈሻዊ ምሉእ ዓመታዊ ዓውደ ጉባኤታት ተዘሪቡሉ እዩ። ብዙሓት ካቶሊካውያን ክኢላታትን ምሁራትን ካብ ዝተፈላለየ ክርስትያናዊ ትውፊታት፡ ምብራቕን ምዕራብን ዝመጹ፡ ምስ ኣንጀሊኩም ተቕዋም ክፍሊ ስነ ኤቍመናዊ መጽናዕቲ ብምትሕብባር ተማኺሮም እዮም። ኣብ መወዳእታ እቲ ጽሑፍ ናብ ዝተፈላለያ ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ኩርያ ሮማናን ናብ ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስን ተላኢኹ እዩ። ብድምር ልዕሊ ሓምሳ ርእይቶታትን ኣበርክቶን ቀሪቡ እዩ። እምበኣር እዚ ሰነድ እዚ ኣብ ማዕቀፍ መስርሕ ሲኖዶስ ዝተገብረ እዋናዊ ምትእትታዋት እውን ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ።

ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብቲ Ut unum sint - ሓደ ምእንቲ ኪኾኑ (1995) ኣብ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቶም ዝተጠቀምሉ ቅድምና ጳጳስ ሮማ ዘቐምጦም መልክዓት መሰረት ክዝትዩ ፍቓደይና ምዃኖም ገሊጾም እዮም። ኣብዘን ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝተጓዕዞ መገዲ እንታይ እዩ? ቅድም ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ዳርጋ ኣብ ኩሉ ኤቁመናዊ ኵነታት ብጽዑቕ ተዘሪቡሉ እዩ። እቲ ሰነድ ኣብዚ መዳይ ናይ ዝተገብረ ገስጋስ ጸብጻብ እዩ፡ እቲ ቲዮሎጊያዊ ዘተን ዓዋዲ መልኽታዊ መልስታትን ኣብቲ ዘተ ሓድሽን ኣወታውን ኤቍመናዊ መንፈስ ከም ዝምስክርን ዘጉልሕ እዩ። እዚ ሓድሽ ኩነታት ኣየር እዚ ነቲ ኣብ መንጎ ክርስትያናዊ ሱታፌ እተመስረተ ጽቡቕ ርክብ ዝሕብር ኢዩ፣ እዚ ኸኣ Ut unum sint -  ሓደ ምእንቲ ክኾኑ’ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተደርሰ ዓዋዲ መልእኽቲ ዝዛረበሉ “ሕውነት ዳግም ንምርካብ ዝሕብር እዩ።

ነዚ ተሃዋሲ ኣርእስቲ ንምዝታይ ዝምጥን ዓውደ - ጽሑፍ ምዃኑ፡ ኤቍመናዊ ዘተ ኣረጋጊጽዎ ኣሎ ክበሃል ይከኣል። መብዛሕትኡ ግዜ ውጽኢት ኤቍመናዊ ተጸምዶ ከም ድኽመት ወይ ትርጉም ከም ዘይብሉ ኣብ ዝቑጸረሉ እዋን፡ ውጽኢት ናይቲ ቲዮሎጊያዊ ዘተ፡ ዋጋ ናይቲ ኣገባቦም፡ ማለት ብርግጽ “ብሓባር” ዝግበር ኣስተንትኖ ዘርኢ እዩ።

ነቲ ሰነድ ምስ እተንንቦ፡ ብመጀመርታ በቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ቲዮሎጊያዊ ዘተ ብዛዕባ ኣድላይነት ቅድምና ዝተረኽበ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ምርድዳእ ይሃርም። እዚ ማለት ንኻልኦት ኣቢያተ ክርስቲያን ግደ ጳጳስ ሮማ ድሕሪ ደጊም ናብ ሓድነት ዝወስድ እምበር ከም ዕንቅፋት ኣይኮነን ማለት ድዩ? ኣብ 1967 ዓ.ም. ጳውሎስ ሻድሻይ "ጳጳስ [...] ብዘይ ጥርጥር ናብ ኤቍመናዊነት ኣብ እነምርሓሉ መገዲ እቲ ዝዓበየ ዕንቅፋት ኢዩ።" ይኹን እምበር ድሕሪ ሓምሳ ዓመት ኣብታ ‘Ut unum sint -  ሓደ ምእንቲ ክኾኑ’ ዝብል ዓዋዲ መልኽትን ነቲ ናይ ዘተ ሰነዳትን መልስታቱን ምንባብ ምልእቲ ቤተ-ክርስትያን ብፍላይ ከኣ ኣገልግሎት ጳጳስ ሮማ ቅድምና ዝብል ሕቶ ከም ጸገም ጥራይ ዘይኰነስ ንባህርይ ቤተ-ክርስትያንን ኣብ ዓለም ዘለዋ ተልእኾን ሓባራዊ ምስትንታን ከም ኣጋጣሚ እዩ ዝረአ። ኣብ ርእሲ እዚ ኣብዛ ዓውሎማዊት ዝዀነት ዓለም ኣብ ኵላውነት ደረጃ ናይ ሓድነት ኣገልግሎት ከም ዘድሊ ይግንዘብ ከም ዘሎ ኣየጠራጥርን ኢዩ። እቲ ዝለዓል ሕቶ ነቲ ዮሃንስ ጳውሎስ ዳግማዊ "ኣገልግሎት ፍቕሪ" እንክብሉ ዝገለጽዎ ኣገልግሎት ብኸመይ ከም እትጥቀመሉ ምስምማዕ ኢዩ።

ኣብ ክልተ ሽሕ ዓመታት ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን፡ ኣገባብ ኣተሓሕዛ ቅድምና ብኸመይ ተቐይሩ? ከምኡውን ነዚ ኣጠቓቕማ እዚ ኣብተን ሎሚ ምስ ሮማ ምሉእ ርክብ ዘይብለን ካልኦት ኣብያተ ክርስቲያናት እውን ቅቡል ንምግባር እንታይ ምዕባለ ክህሉ ይኽእል? ብርግጽ ኣገባብ ኣሰራርሓ ኣገልግሎት መንበረ ጴጥሮስ ከከም ታሪኻዊ ኩነታትን ሓደስቲ ብድሆታትን ምስ ግዜ እናማዕበለ መጺኡ እዩ። ይኹን እምበር ንብዙሓት ቲይቶሎጊያዊ ዘተ ኣብ ቀዳማይ ሽሓዊ ዓመት ዝተኸበሩ መትከላትን ኣገባባትን ሓድነት ንመጻኢ ምሉእ ውህደት ንምምላስ ረባሕታታት ኮይኖም ይቕጽሉ ኣለዉ። ገለ መዐቀኒታት ቀዳማይ ሽሓዊ ዓመት ከም መወከሲ ነጥብታትን ምንጪ ምትብባዕን ንኣተገባብራ ኵላዊ ኣፍልጦ ዘለዎ ኣገልግሎት ሓድነት ተለልዮም ኣለዉ።

ቀዳማይ ሽሓዊ ዓመት ወሳኒ እኳ እንተኾነ፡ ብዙሕ ዘተ፡ ምዕባለታት ካልኣይ ሺሓዊ ዓመት ሸለል ክበሃል ስለዘይከኣል ከምኡ’ውን ብደረጃ ኵላውን ደረጃ ንእዋናዊ ብድሆታት ክምልስ ስለዘለዎን፡ ምዕቡል ክኸውን ወይ ዳግማይ ክፍጠር ከምዘይብሉ ይግንዘቡ። ብዝኾነ መንገዲ፡ ዝተሓደሰ ኣጠቓቕማ ቅድምና ኣብ መወዳእታ ኣብ ኣገልግሎት፡ ኣብ ዲያቆናዊ ኣርኣያ ክኸውን ኣለዎ። ስልጣንን ኣገልግሎትን ብቐረባ ዝተኣሳሰሩ እዮም።

ንመጻኢ ካብቲ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ላቲን ዘለዎም ስልጣን ዝተፈልየ ናይ ሓባር መልክዕ ናይ ጶጥሮሳዊ ቅድምና ኣብ ልዕሊ ኩላ ህዝበ ክርስትያን ምሕሳብ ይከኣል ድዩ? ብርግጽ ገለ ኤቍመናዊ ዘተ ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ሓላፍነት ጳጳስ ሮማ ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ እቲ ር.ሊ.ጳጳሳት ኣብ ውሽጢ ምዕራባዊት ወይ ላቲናዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትርያርካዊ ኣገልግሎት ክበሃል ዝኽእልን ኣብ ሕብረት ኩለን ኣብያተ ክርስቲያናት ዝገብሮ ቅድምና ኣብ ምዕራባውን ምብራቓውን ናይ ሓድነት ኣገልግሎት ምዃኑ ዝያዳ ንጹር እዩ።

ኣብ ርእሲ እዚ’ውን ነቲ ጳጳስ ሮማ ዝነበሮ ናይ ፓትርያርክን ናይ ቅድምናን ግደ ካብቲ ከም ርእሰ ብሔር መጠን ዝነበሮ ግደ ምፍላይ ኣድላዪ ምዃኑ የጕልሕ። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብፍላይ ዘጕልሕዎ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ኣገልግሎት ር.ሊ.ጳጳሳት ኣብ ምጥቃም ዘተኰረ ምዃኑ ነቲ ንኣቡናት ኣሓዋቶም ዘካፍልዎ ጳጳሳዊ ኣገልግሎቱ ኢዩ።

ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኣብ ሲኖዳዊት ቤተ-ክርስትያን ዘተኰረ ጕዕዞ ኣብ እትፍጽመሉ ዘላ እዋን እዚ ሰነድ እዚ ተሓቲሙ ኣሎ። ኣብ መንጎ ሲኖዳውነትን ቅድምናን እንታይ ምትእስሳር ኣሎ? እቲ ዝበዝሐ ክፋል ናይቲ መልስታትን ናይ ዘተ ሰነዳትን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደረጃ ቤተ ክርስቲያን: ከባብያዊ፡ ዞባዊ፡ ዋላ’ውን ኣብ ኵላዊ ደረጃ፡ ኣብ ሓድሕዳዊ ምትእስሳር ቅድምናን ሲኖዳውነትን ብንጹር ይሰማምዑ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ቅድምና ብሲኖዳዊ ኣገባብ ክግበር ኣለዎ፣ ሲኖዳውነት ድማ ቅድምና ይሓትት።

ኣብ’ዚ ኩሉ መዳያት’ዚ፡ እቲ ናይ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት “ንምብራቕ ምስማዕን- ንምዕራብ ምስማዕን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝምራሕ ዓውደ ጉባኤታት ኣዳልዩ ኣሎ፡ ንሲኖዳውነትን ቅድምናን ዝምልከት ዝተፈላለየ ክርስትያናዊ ትውፊታት ምስማዕ፡ ከም ኣበርክቶ ኣብ መስርሕ ሲኖዳውነት እዩ።

ቀዳምነት ብዝምልከት ወሳኒ ስጉምቲ፡ ጳጳስ ሮማ “ex cathedra - ካብ መንበረ ስልጣን” ክዛረብ ከሎ ዘይጋገ ምዃኑን ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ዘለዎ ስልጣን ፍርድን ሃምነናዊ ምግባር እዩ። ብመንጽር ካልኣይ ቫቲካንን ኣብ ኵላዊ መንገድ ዝተወስደ ስጉምትታትን ሓድሽ ንባብን ምርዳእን ቀዳማይ ጉባኤ ቫቲካን ይከኣል ድዩ፡ ብኸመይከ ክትሕብሩና ትኽእሉ? ብርግጽ ገሊኡ ምይይጥ ነቲ ዋዕላ ቀዳማይ ቫቲካን ታሪኻዊ ድሕረ - ባይታን ዕላማን ኣቀባብላን ኣብ ግምት ብምእታው ንምትርጓም ከም ዝጽዕር እተረጋገጸ ኢዩ። እቲ ሃምነናዊ ዝኾነ ድማ ኣብ ታሪኻዊ ዅነታት ኣጸቢቑ እተመርኰሰ ስለ ዝነበረ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ነቲ መበቆላዊ ዕላማ እሙናት ዝኾኑ ሓደስቲ መግለጺታትን ቃላትን ከም እትደሊ ሓሳብ ይህብ፡ ኣብ ሓደ ዓቕለስያዊ ስነ-ፍልጠት ውህደትን ብምውህሃድን ምስቲ ህሉው ባህላውን ኤቍመናውን ኵነታት ከም እተመዓራርዮምን ይእምቱ። ስለዚ ብዛዕባ "ዳግመ ምቕባል"፡ ወይ ውን "ዳግመ ምሕንጻጽ" ትምህርቲ ቀዳማይ ጉባኤ ቫቲካን ንዛረብ።

ኣብያተ ክርስቲያናት ብዛዕባ ቀዳምነት ዝገብርኦ ሓባራዊ ኣስተንትኖ ንምቕጻል ዝውሰዱ ስጉምትታት እንታይ እዮም? እዚ መጽናዕቲ እዚ፡ "ምጥቃም ቅድምና ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን" ብዝብል ኣርእስቲ ካብ ምሉእ ጉባኤ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብዝቐረበ ሓጺር እማመ ይዛዘም፡ እዚ ድማ ነቲ ብዝተፈላለዩ መልስታትን ዘተታትን ንዝተሓደሰ ናይ ሮማ ጳጳስ ንሓድነትን ውህደትን ኣገልግሎት ዝቐረቡ ኣገደስቲ ሓሳባት ዘነጽር እዩ። ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ነዚ ሓሳብ እዚ ምስቲ ናይ መጽናዕቲ ሰነድ ሓቢሩ ምስ ዝተፈላለዩ ኤቍመናውያን ክርስቲያን ኣብዚ ጉዳይ ሓሳቦም ንኽሓትት ከካፍል ይደሊ። በዚ ኸምዚ ነቲ ናይ ሮማ ኣቡን ናይ ሓድነት ኣገልግሎት ምዃኑ "ብሓድሕድና ተፈላጥነት ረኺቡ" ኣብ መንጎና ዝግበር ዘተ ክንቅጽል ተስፋ ንገብር እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

(Andrea Tornielli)

14 June 2024, 15:22