ድለ

Pope Francis attends the Mass of Saint Peter and Paul in St Peter's Basilica, at the Vatican Pope Francis attends the Mass of Saint Peter and Paul in St Peter's Basilica, at the Vatican  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ካቶሊካውያንን ኦርቶዶክሳውያንን ኣብ ዚቕጽል ጕዕዞ ዘተ

እቲ ኣብ መንጎ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያንን ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያንን ዝካየድ ዘሎ ወግዓዊ ስነ-መለኮታዊ ዘተ፣ ናብ ዝቕጽል ዙርያ ጕዕዞ ይኣቱ ኣሎ። ኣወሃሃዲት ኮሚተ እዘን ክልተ ኣብያተ ክርስቲያን ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ባሪ ደቡባዊ ኢጣልያ ኣኼባ ኣካዪዳ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት እቲ ናይ ቅድስቲ መንበት ብዛዕባ ጉዳያት ሕብረት ክርስትና ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ነቲ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ኣኼባ ዝነበረ ሓሳባት መግለጺ ኣውጺኡ። ድሕርዚ እታ ኣወሃሃዲት ኮሚተ ነቲ "ናብ ሓድነት እምነት፡ ስነ-መለኮታውን ቀኖናውን ጕዳያት" ዘርእስቱ ንድፊ ጽሑፍ ኣጻፊፎም ። እቲ ዝወጸ ጽሑፍ ከም ዘመልክቶ ነቲ ኽሳዕ ሕጂ እተገብረ ዘተን ምምይይጣትን ኣሕጽር ኣቢሉ ዝገልጽን፣ ነቲ ኣብ መንጎ ካቶሊካውያንን ኦርቶዶክሳውያንን ክንጽር ዘለዎ ሓያሎ ሕቶታት ድማ ይገልጽ ።

በዚ መዳይ እዚ ብዛዕባ እቶም ክልተ ኣከራኸርቲ ጕዳያት (ምስራጽ መንፈስ ቅዱስ ካብ ኣቦን ወልድን፣ ከምኡ ውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘለዎም ዘይጋገ ስልጣነ ኣስተምህሮት) ብእተተሓሓዘ ታሪኻውን ስነ-መለኮታውን ጕዳያት ክዓዩ ጀሚሮም ኣለዉ። ነዚ ንምፍጻም ክልተ ንኡሳን ኮሚተታት ተመስሪተን ኣለዋ፣ ነፍሲ ወከፈን ከኣ ብዛዕባ ሓደ ኻብዚ ጕዳያት እዚ ንድፊ ጽሑፍ ናይ ምድላው ሓላፍነት ተዋሂብወን ኣሎ ። እቲ ንድፊ ምስ ተዛዘመ እታ ኣወሃሃዲት ኮሚተ ኣብቲ ጽሑፋት ዓሚቑ መጽናዕቲ ንምቕጻል ኣብ ዚግበረሉ ግዜን ቦታን እንደገና ኺእከቡ ኢዮም። ካብ ዝቕጽል ዓመት ኣትሒዙ እዚ ጉዕዞ እዚ ክካየድ ምኹኑ ተስፋ ይግበረሉ ኣሎ ።

ብፁዕ ካርዲናል ኩርት ኮኽ
ብፁዕ ካርዲናል ኩርት ኮኽ

ናይ ሕብረት ኣቦታት መንበር፣ ካርዲናል ኮኽን ሊቀ-ጳጳሳት ጆብን

ኣባላት ኣወሃሃዲት ኮሚተ ኣብቲ መግለጺ ከም ዝሓበርዎ እቲ መበል 1,700 ዓመት ዝኽሪ ናይቲ ኣብ 325 እተገብረ ናይ መጀመርታ ኤቁመናዊ ጉባኤ ናብ ምልኣተ ሓድነት ንምምላስ ዘነቓቕሕ ክኸውን ከም ዝኽእል ዘለዎም ምትእምማን ውን ገለጹ ።

እዛ ኮሚተ ድማ ኣብ ባሪ ኣብ ትሕቲ ሕብረታዊ መሪሕነት ብፁዕ ካርዲናል ኩርት ኮኽ ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ሕብረት ክርስቲያን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን ከምኡ ውን ተወካሊ ኢቁመናዊ ፓትርያርክ ቆስጠንጢኖስ ዝኾኑ ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ጆብ (ጌቻ) ብምዃን ኢዮም ኣኼባኦም ዘካየዱ።

ኣብ ወርሒ ሰነ 2023 ኣብ እስክንድርያ (ግብጺ) ኣብ እተገብረ ናይ መወዳእታ ዓብዪ ጉባኤ እቲ "ኣብ መንጎ ናይ ሮማ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያንን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያንን እተገብረ ሓባራዊ ኣህጉራዊ ኮሚሽን ስነ-መለኮታዊ ምይይጥ" ነቲ "ሲኖዳውነትን ቀዳምነት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ካልኣይ ሽሕ ዓመትን ሎሚን" ዘርእስቱ ሰነድ ዘጽደቐ ኢዩ ዝነበረ ። እዚ ኸኣ ኣብቲ ኣብ መንጎ ካቶሊካውያንን ኦርቶዶክሳውያንን እተገብረ ስነ-መለኮታዊ ዘተ ካልእ ኣገዳሲ ስጕምቲ እዩ ዝነበረ። እቲ ሰነድ ውን ንእተወሰነ ዓመታት ብጽዑቕ ኣገባብ እተዓየ ኢዩ ዝነብረ ።

ካብ 1980 ኣትሒዙ እተገብረ ዘተ

እቲ ወግዓዊ ክሌኣዊ ዘተ ካቶሊክን ኦርቶዶክስን ብ1980 ዓ.ም. ኢዩ ተጀሚሩ። ክሳዕ እዚ እዋን እዚ ድማ ምስ እስክንድርያ እውን ሓዊስካ 15 ናይ እዚ ኮሚሽን መደባት ዘተ ተኻይዱ ኢዩ፣ ነፍሲ ወከፎም ኸኣ 30 ኣባላት ካቶሊካውያንን 30 ኣባላት ኦርቶዶክሳውያንን ዘጠቓልሉ ኢያቶም ።

ካርዲናል ኮኽን ሊቀ-ጳጳስት ጆብን ኣቦታት መንበር ናይትዚ ኮሚሽን ዘተ ኢዮም ። ኣብ መንጎ እቲ ዓበይቲ ኣኼባታት ናይዚ ኮሚሽን፣ ኣብ ውሽጢ መርሓግብር ናይቲ ዘተን ንትሕዝቶ እዞም ጉባኤታት እተዳሉ እዛ ኣወሃሃዲት ኮሚተ ኢያ።

ሸውዓተ ሰነዳት ሓባራዊ ስምምዕ

ክሳዕ ሕጂ በኮሚሽን ዘተን ምትሕብባትን ሸውዓተ ናይ ሓባር ሰነዳት ተሓቲሙ ይርከብ ኣሎ - "ምስጢረ ቤተ-ክርስትያንን፣ ቅዱስ ቍርባንን ኣብ ብርሃን ምስጢረ ቅድስት ስላሴ" (ሙኒክ 1982) "እምነትን ምስጢራትን ሓድነት ቤተ-ክርስትያንን" (ባሪ 1987)፣ "ምስጢረ ክህነት ኣብ ምስጢራዊ ቅርጻ ቤተክርስቲያንን ፍሉይ ምንጽጻአር ምስ ትርጕም  ሰንሰለት ሓዋርያትን" (ኡሲ ቫላሞ 1988)  "ሓድነት - ዝነበረ ሕሉፍ ኣገባብን ሕጂ ምሉእ ሕብረት ንምርካብ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪን" (ባላማንድ 1993)፣ "ምምሕልላፍ ሕብረት፣ ምትሕብባርን ስልጣንን" (ራቬና 2007) "ሲኖዳውነትን ቅድምና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ኣብ ቀዳማይ ሽሕ ዓመት" (ቺየቲ 2016) ከምኡ ውን ሕጂ "ኣብ ካልኣይ ሽሕ ዓመትን ሎሚን ሲኖዳውነትን ቅድምና ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት" (እስክንድርያ 2023) ዝብሉ ሰነዳት ኢዮም ዝነበሩ።

11 June 2024, 12:54