ዶክተር ሩፊኒ፡ ካቶሊካዊ ጋዜጠይናነት ‘ንሓበሬታ ናብ ተስፋ ክቕይሮ ይግባእ’
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ካብ ሰሜን ኣመሪካ ዝመጹ ብዓሰርተታት ዚቝጸሩ ጋዜጠይናታትን ክኢላታት መራኸቢ ብዙሓንን ኣብቲ ካብ ዕለት 18 - 21 ሰነ እተገብረ ዓመታዊ ኣኼባ መራኸቢ ብዙሓን ካቶሊክ ኣብ ኣትላንታ ግዝኣት ጆርጅያ ነቶም ተጋባእያን ነቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዚርአ ዘሎ ሓድሽ ኣንፈት ንኽፈልጡን ብመርበብ ሓበሬታ ኣቢሎም ርክብ ንኺሃንጹን ኣጋጣሚ ዝኸፍተሎም ኮይኑ፡ ካብ መራኸቢ ብዙሓን ዚጥቀሙሉ ሓደስቲ መገድታት ከም ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ንሰማዕቲ ዘሳትፉ መገድታትን ኣትሒዙ ኽሳዕ መንፈሳውነት ሰብ ሞያ መራኸቢ ብዙሓንን ኣብተን ብውግእ ዝዓነዋ ሃገራት ዚነብሩ ምብራቓውያን ካቶሊካውያንን ኣገልግሎትን ዝተመልከት ኮይኑ፡ ኣብ መዛዘሚ እቲ ዋዕላ ዕለት 21 ሰነ ናይ ቅድስቲ መንበር ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒ፥ መራኸቢ ብዙሓን ካቶሊክ ሓሳብ ንሓሳብ ንምልውዋጥን ተስፋ ኣብ ምስራጽን ዘለዎ ኣገዳስነት ሕመረት ዝገበረ መደረ ከም ዘስምዑን፡ ሩፊኒ ኣብቲ ዘስምዕዎ መደረ፡ ነቲ መዓልታዊ ፍጻመታት ብብርሃን ወንጌል ንምትርጓምን ኣብ ቤተ - ክርስትያን ሕብረት ከም ዝሃንጽ ብምግባር ጸብጻብ ንምሃብን መንፈስ ቅዱስ ጥራይ ኢዩ ንልብና ከብርሆ ዝኽእል ከም ዝበሉን፥ “ካቶሊካውነት ብልክዕ ኣብዚ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ጴጥሮስን ተኸተልቱን ዘሎ ናይ ብዙሕነት ሕብረት እዩ ዝቐውም . . . ጽባቐ ቤተ ክርስቲያን ምትሕልላፍ ማለት ነዚ ሓድነት ምምስካር ማለት እዩ፣ እዚ ሓድነት እዚ ምስ ኩሎም እቶም ሓበሬታ እነመሓላልፈሎም ዘራኽብና እዩ።”
ኣብ ዓለም ዝርአ ዘሎ መርዛም ኣካይዳ ውልትውና ኣመልኪቶም፡ “እዚ ኣካይዳ እዚ ንሱር ደሞክራሲ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብቲ ሓደ ቤተ ክርስቲያናዊ ኣካል ናይ ሓድሕድና ኣባላት ምዃንና ንዘሎ ሓቂ እውን ዝጸልዎ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ነቲ ካብ ዕለት 17 - 21 ሓምለ ኣብ ኢንዲያናፖሊስ ክካየድ ዝተመደበ ሃገራዊ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን ኣመሪካ ኣስተብሂሎም፡ ነቲ ንካቶሊካውያን ናብቲ ማሕበረሰብ ዝመልስ ናይ ቅዱስ ቁርባን ውሁድ ሓይሊ ኣጉሊሖም፡ እዚ ድማ ንካቶሊካውያን ናብ ማሕበረሰብነት ከም ዝምለሱ ብምግባር ተስፋ ንኽንምስክር ዘኽእለና እዩ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ "ነቲ ሓበሬታታት ናብ ተስፋ ምቕያር ንምንቅስቓስ ሰናይ ኣፍልጦ ምሃብ ልቢ ምውዕዋዕ ናብ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ከምኡውን ነቲ ሓበሬታታት ብካልእ ዓይነት ምርኣይ ኣፍራይን መሃዝን ብዝኾነ ኣገባብ ነቲ ቃል ብስራት ንምዝርጋሕን ኣብ ዓለም ንዝፍጸም ዝዀነ ይኹን ነገር ክርስቲያናዊ ትርጕም ብዝህብ ኣገባብ ምቕራብ እዩ። ሓበሬታ ምቕራብ ኪበሃል ከሎ ንኻልኦት ሰባት ድልድል ኣብ ምርዳእን ኣብ ምህናጽን ምስናይ ማለት እዩ፣ እዚ ኸኣ ባህ ዜብል ሃዋህው ከም ዚሰፍን ምግባርን ንሓባራዊ ጥቕሚ ገዛእ ርእስኻ ምሃብን ማለት እዩ።
ቍጽሮም እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ሰባት ብሰንኪ ዘየቋርጽ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ካብ ሓበሬታ እናረሓቑ ብዝኸዱ መጠን መራኸቢ ብዙሓን ካቶሊክ ዘለዎም ግደ እተፈልየ ኣረኣእያ ምሃብን ንሰባት ምስቲ ተስፋ ዚግበረሉ ሓበሬታታት ምትእስሳርን ኪኸውን ኣለዎ።
ዶክተር ሩፊኒ ብዛዕባ እቲ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎ ኪዛረቡ እንከለዉ፥ ሰብኣውነት ሰብ ኣብ ማእከል ክኸውን ኣለዎ ቢሎም፥ ንሰብኣዊ ክውንነት ብሓቂ ኺርድኦ ዘለዎ ድሩትነት ኣጕሊሖም፥ ይኹን እምበር ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ሰባት ርክብ ንኺምስርቱ ዚሕግዞም ወይ ከኣ ጽምዋ ክህልዎም ዝድርኽ ከኸውን ከም ዝኽእል ኣስተብሂሎም፥ "እቲ ናይ ቤተ - ክርስትያን ብድሆታት ዋላ ብሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣቢልካ፡ ኣብቲ ዝጥርንፈና ሕብረት፡ ኣብቲ ሓራ ዘውጽኣና ሓቂ፡ ኣብቲ ንኹሉ ዘረድእ ፍቕሪ ዝተመርኮሰ መርበብ ርክብ ምህናጽ እዩ” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከምዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።