ናይ ጴጥሮስ ሳንቲም ፦ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ተልእኾኦም ንምድጋፍ

ቤተ-ክርስትያን ነቲ ሰንበት ዕለት 30 ሰነ ዝውዕል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘቕረብዎ ዓመታዊ ጻውዒት ኣብ እትዳለወሉ ዘላ፣ ካቶሊካውያን ንንጥፈታት ናይቶም ተኸታሊ ጴጥሮስ ዝኾኑ ጳጳስ ንምድጋፍ፣ ማለት ነቲ ምስ ኩሉ ሰብ ቅርበት ንምህላው ብፍላይ ከኣ ምስቶም መከራ ዝወርዶም ዘሎ ሕዝብታት ደው ንኽብሉን ንዘለዎም ፍቓድ ንምድጋፍ ወላውን ሒደት ገንዘብ እውን እንተኾነ ኩሎም ምእመናን ወፈያ ንኽገብሮ ተዓዲሞም ኣለዉ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ዝመጽእ ዘሎ ሰንበት ዕለት 30 ሰነ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስቶም ዚሳቐዩ ዘለዉ ሕዝብታት ዘለዎም ቅርበት ንኺገልጹ ኵሉ ሰብ ንኺሕግዞም ኣጋጣሚ ይፈጥሩ ኣለዉ።

እታ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ግብረ-ሰናይ መዓልቲ፣ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ምእመናን ናይ ጴጥሮስ ሳንቲም ብዝብል ወፈያ ብምግባር ነቶም ናይ ሮማ ጳጳስ ኣብ ተልእኾኦም ማለት ተልእኾ ሰላምን ግብረ-ሰናይን ሓድነትን ነቶም እተሸገሩ ንምሕጋዝን ዘቅርብዎ ዘለዉ ጻውዒት ንምድንፋዕ ሓደራ ይብሉ ኣለዉ።

ዝዀነ ይኹን ሰብ በዛ ፍልይቲ መዓልቲ ወይ ኣብ ካልእ መዓልቲ ክግበር ብዝከኣል ወፈያ ኣቢሉ ነቲ ኣድማሳዊ ተልእኾ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብንጥፈት ኣበርክቶ ኽገብር ይኽእል ኢዩ ።

እዚ ተልእኾ እዚ ኣብዛ ብውግእን ብውድድር ኣጽዋርን ምጕዳል ፍትሒን ምኽንያት ስቓይ ብዙሓት ድኻታት ከምኡ ውን ኣብ ቅድስና ሰብኣዊ ህይወትን ብሕታዊ ኽብርን መጥቃዕቲ ዝወረዳ ዓለም ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ኣድላዪ ኢዩ ።

ንጥፈታት ናይ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መዓልታዊ ንቅዱስነቶም ኣብ ብዙሕ ኣጸጋሚ ዅነታት ድምጾም ብጭቡጥ ደገፍ ኣብ ምሃብ ከምኡ ውን ንእተሸገሩ ውልቀ - ሰባትን ስድራቤታትን ብናይ ግብረ - ሰናይ ዕዮ ኣብ ምድጋፍ ብባህርያዊ ሓደጋታትን ውግኣትን ንእተጐድኡ ሰባት ኣብ ምሕጋዝ ዝድግፎምን ዘበራትዖምን ኢዩ ።

መልእኽቲ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ንጴጥሮስ ዝኾኑ ጳጳሳ ናይ ሮም ኣብ ኣድማሳውነትን ኣብ ወንጌላዊ ሕመረትን እተመስረተ እዩ ። ንዅሉ ሰብ ንምብጻሕ ደገፍ ነፍሲ ወከፍና የድልየና እዩ ። ወፈያና ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ተልእኾኦም ሒደት ኣበርክቶ ብምግባር ንኻልኦት ክሕግዙ ዘኽእሎም ድማ ኢዩ ። ምስ ኵሉ ጂኦግራፍያውን ናይ ህልውና ከባቢታን ንኽቀራረቡ ዘኽእሎም ነቲ ትንቢታዊ መልእኽቶምን ድምጹን ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ምዝርጋሕ ከምኡ ውን ነቲ ንሰላምን ሕውነትን ንምድንፋዕ ደኺመ ከይበሉ ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕርታት ኣብ ምስፍሕፋሕ ንኽንተሓባበር ዕድል ዝኸፍተልና ኢዩ  ።

ናይ ጴጥሮስ ሳንቲም ሒደት ኪኸውን ዚኽእል ግን ከኣ ዓብዪ ምሳልያዊ ዋጋ ዘለዎ ወፈያ እዩ ።

ኣባል ቤተ-ክርስትያን ናይ ምዃን ስምዒትናን ነቶም ንዅለን ኣብያተ-ክርስትያን ኣብ ናይ ግብረ-ሰናይ ኣገልግሎት ዝመርሑ ጳጳስ ናይ ሮማ ዘሎና ፍቕርን ዘደልድልል ጭቡጥ መገዲ ኢዩ።

ንጴጥሮስ ሳንቲም ምውፋይ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳስ ኣብቲ ነቶም ዝሳቐዩ ንምሕጋዝ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብቲ ወንጌል ንምብሳር ከምኡ ውን ነተን ኣብ ዝተፈላለየ ኸባቢታት ዘለዋ ኣብያተ - ክርስትያን በቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝዓዪ ዘሎ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንብርን በቲ መርበባዊ ኣሰራርሓ ናይቶም ተወከልቶምን ኣብ ምሉእ ሰብኣዊ ምዕብልና ደቅሰብ ትምህርቲ ሰላም ንምስፋሕ ከምኡ ውን ሓድነት ንምድንፋዕ ኣብ ዝገብርዎ ተልእኾ ውን ንምክፋል ኢዩ ።

 

ሕጂ ንምውፋይ ነዚ ሊንክ ተጠቀሙ፦ https://www.obolodisanpietro.va/en/dona.html

26 June 2024, 17:34