ድለ

2024.06.05  conferenza internazionale dedicata a “Religious Freedom and Human Integral Development” 2024.06.05 conferenza internazionale dedicata a “Religious Freedom and Human Integral Development” 

ንሓድሽ ዓለምለኻዊ መድረኽ ሃይማኖታዊ ናጽነት ዝጽውዕ ዋዕላ

ሉዓላዊ ስርዓት ማልታ ብዛዕባ ሃይማኖታዊ ነጻነት ዘደንፍዕ ፖሊሲታትን ተሳትፎታትን ንምምሕያሽ ዜኽእል ሓድሽ ስርዓታትን ውጥናትን ንምምዕባል ብዛዕባ ሃይማኖታዊ ናጽነትን ምሉእ ሰብኣዊ ዕቤትን ዘተኰረ ልዑል ደረጃ ዘለዎ ዋዕላ ክካየድ የተባብዕ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

"ሃይማኖታዊ ናጽነትን ምሉእ ሰብኣዎ ዕቤትን - ሓድሽ ዓለምለኻዊ መድረኽ" ዘርእስቱ ልዑል ደረጃ ዘለዎ ዋዕላ ብዕለት 5 ሰነ ኣብ ከተማ ሮማ ተኻዪዱ። እዚ ዋዕላ እዚ ብሉዓላዊ ስርዓት ማልታ ኣብ ቅድስቲ መንበርን፣ በቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቤት ምኽሪ ማእከል ናጽነትን ብልጽግናን ከምኡ ውን ብጳጳሳዊ መንበረ ጠበብ ኡርባኒያና እተወደበ ኣኼባ ኢዩ ዝነበረ። እዚ ኣብ ከተማ ሮማ እተኻየደ ዋዕላ ብዛዕባ ሃይማኖት ዝግደስ ፖሊሲታትን ተሳትፎታትን ንምምሕያሽ ዜኽእል ሓድሽ ስርዓታትን ውጥናትን ኣብ ምምዕባል ዘተኰረ ኢዩ ዝነበረ። ገለ ኻብቶም ቀንዲ ተሳተፍቲ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋለገርን ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ካብ ሰበ-ስልጣን ው. ሕ. ሃ.ን ከምኡ ውን ዓበይቲ ዓለምሓቆፍ ክኢላታትን ዘአንገደ ውን ኢዩ ዝነበረ።

ልኡከ መንግስቲ ሥርዓት ማልታ ናብ ቅድስቲ መንበር አንቶኒዮ ዛናርዲ ላንዲ ብፍላይ ነቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ዓለምለኻዊ ግጭታት ኣብ ግምት ብምእታው ብዛዕባ ሃይማኖታዊ ናጽነት ዘተ ምክያድ ዘለዎ ኣገዳስነትን እዋናዊ ዛዕባ ምዃኑን ብምጕላሕ ነቲ ዋዕላ ከፈቶ ።

ዋዕላ ሃይማኖታዊ ነጻነትን ምሉእ ሰብኣዊ ምዕብልናን
ዋዕላ ሃይማኖታዊ ነጻነትን ምሉእ ሰብኣዊ ምዕብልናን

ቀንዲ መልእኽቲ

ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋለገር ነቲ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ሃይማኖታዊ ናጽነት ንምድንፋዕ ዝገበረቶ ቘራጽነት ኣጕልሑ፣ ካብቲ “ሰብዓዊ ክብሪ” ዘርእስቱ ኣዋጅ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብምጥቃስ ድማ ሰፍሕ ዝበለ መግለጺ ኣቕሪቦም። ሃይማኖታዊ ናጽነት መሰረት ናይ ዅሉ ሰብኣዊ መሰላት ምዃኑ ብምግላጽ ድማ ነዚ ናጽነት እዚ ምጥሓስ ማለት ንብምሉኡ ሰብኣዊ መሰላት ከም ዘዳኽሞ ኣጕልሑ።

4.9 ቢልዮን ዝዀኑ ሰባት ሃይማኖታዊ ናጽነት ብብርቱዕ ዓመጽ ኣብ ዝጥሕሳሉ ሃገራት ከም ዝነብሩ ዝገልጽ ዘሰምብድ ኣሃዛዊ ጸብጻብ ውን ገለጹ፣ ብፍላይ ከኣ ክርስትያን ምእመናን ተኣፈፍቲ ኮይኖምሉ ዘለው ኩነት ምዃኑ ውን ኣመልከቱ።

ዋዕላ ሃይማኖታዊ ነጻነትን ምሉእ ሰብኣዊ ምዕብልናን
ዋዕላ ሃይማኖታዊ ነጻነትን ምሉእ ሰብኣዊ ምዕብልናን

ዘይንጸል ዕቤት ደቅሰብ (IHD)

ካብ መንበረ ጥበብ  ኖተር ዳም ዝመጸ ዲን ስኮት ኣፕልቢ ብዛዕባ ደቅሰባት እንክገልጽ ተዛመድቲ ፍጡራት ከም ምዃኖም መጠን እቲ ዕቤትን ምዕብልና ደቅሰባት ካብ ዕቤትን ብምዕባለን ማሕበረሰቦም ከም ዘይንጸል ዚገልጽ ሓሳብ ኣቕረበ ። ሃይማኖታዊ ናጽነት ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ብሓቂ ኣበርክቶ ዘለዎ ንምግባር ኣብ ውሽጢ እቲ ዝያዳ ውጽኢታዊ ዝዀነ መዳያት ምዕብልና ደቅሰብ ክቱት ምዃኑ ብሰፊሑ ገለጸ።

ካብ መንበረ ጥበብ ሚላን ዝመጸ ፕሮፌሰር ሕግን ሃይማኖትን ዶ/ር ሲልቪዮ ፌራሪ ናጽነት ሃይማኖት ኣብ ምሉእ ሰብኣዊ ምዕብልና ብኸመይ ኣበርክቶ ኸም ዚገብር መጽናዕቲ ኣቅሪቡ ። ምዕባሌ ንምዕቃን ኣብ ቍጠባዊ ረቛሒታት ጥራይ ምውካል ብምንቃፍ ንሃይማኖታዊ ናጽነት ዜደንፍዕ ዝያዳ መለክዒታት ኪህሉ ድማ ምሕጽንታ ኣቕረበ።

ዋዕላ ሰብኣዊ ነጻነትን ምሉእ ሰብኣዊ ምዕብልናን
ዋዕላ ሰብኣዊ ነጻነትን ምሉእ ሰብኣዊ ምዕብልናን

ብልጽግና ሰብኣውነት

 እቲ ዝቐጸለ ዛዕባታት ሃይማኖታውን መንፈሳውን ናጽነት ምስ ዕቤት ደቅሰብ ዘለዎ ኣገዳስነት ዘጕልሕ ኢዩ ዝነበረ ። ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ማእከል ናጽነትን ብልጽግናን ው.ሕ.ሃ ማይክል ፊሽ ንሃይማኖታዊ ናጽነት ከም እምኒ መኣዝን ነጻነትን ብልጽግናን ሕብረተሰብ ገይርካ ብዝሓሸ መገዲ ንምርዳእን ንምሕላውን ቀጻሊ ምርምርን መጽናዕትን ምክያድ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሐ ።

ናዚላ ጋንያ ናይ ው.ሕ.ሃ ፍልይቲ ተዓዛቢት ናጽነት ሃይማኖታት ወይ እምነት፣ ነዚ መደብ እዚ ንምድንፋዕ ብሓባር ከም እትጽዕር ውን ኣመልከተት። ምክብባር ዝሰፈኖ ዘተን ውጥናት ዝምድናታትን ምምዕባል ዳግም ክሕሰበሉ ከም ዘድሊ ውን ወሲኻ ኣጕልሐት ።

ሃይማኖታዊ ናጽነትን ዓለምለኻዊ ምዕባሌን ፦

ከም ፕሮፌሰር ያዎቪ ዣን ኣቲላን፣ ብራያን ግሪምን ዝኣመሰሉ ኽኢላታት እውን ኣብ ኵሉ ደረጃታት ብፍላይ ከኣ ኣብቶም እተገለሉ ማሕበረሰብ ሃይማኖታዊ ነጻነትን ንምሉእ ሰባኣዊ ዕቤት ንምድንፋዕ ኣድላዪ ምዃኑ ገለጹ ። ዓበይቲ ተቅዋማትን ትካላትን ኣብዚ ዕዮ እዚ ዘለወን ግደ እውን ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቦም ።

ዋዕላ ሰብኣዊ ነጻነትን ምሉእ ሰብኣዊ ምዕብልናን
ዋዕላ ሰብኣዊ ነጻነትን ምሉእ ሰብኣዊ ምዕብልናን

ኣብ መንጎ ሃይማኖት ዚግበር ዘተ

ብኸምዚ ዝቐጸለ መደባት ናይዚ ዋዕላ ንምሉእ ሰብኣዊ ምዕብልና ምስ ሰብኣዊ ክብሪ ከምኡ ውን ሃይማኖታዊ ናጽነት ኣወሃሂዱ ዝዘተየ ዋዕላ ኢዩ ዝነበረ፣ እዚ ሓሳባት እዚ ንፖሊሲታት ብኸመይ ከም ዝሕብሮን ሓሳባት ብኸመይ ናብ ስጕምቲ ክቕይር ከም ዝኽእልን ድማ ኣጕልሐ።

እዚ ዋዕላ እዚ ኣብ መንጎ ሃይማኖታዊ ናጽነትን ምሉእ ሰብኣዊ ዕቤትን ዘሎ ምትእስሳር ኣጕልሐ ። እዞም ተሳተፍቲ ድማ ንሃይማኖታዊ ናጽነት ከም መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ተፈላጥነትን ዕቝባን ምእንቲ ኽርከብ ዓለምለኻዊ ተሳትፎን ሓድሽ ፖሊሲታትን ክግበረሉ ጻውዒት ኣቕረቡ ። እቲ ዝተኻየደ ዘተ መንግስትታት ወገንን ጸግዕን ከይሕዙን ነቲ ንውልቀ-ሰባትን ሕብረተሰብን ኣድላዪ ዝዀነ ሃይማኖታዊ ነጻናት ንህዝቢ ንምግላጽ ማዕረ መሰላት ከቕርቡሎም ከም ዘለዎም ውን ዜጕልሕ ኢዩ ነበረ።

እቲ ዋዕላ ብዛዕባ እዚ ጕዳያት እዚ ዓሚቝ ምርዳእ ከም ዝህሉ ብምግባር ንሃይማኖታዊ ናጽነት ዝድግፍን ዝሰፍሐ ሸቶታት ዕቤት ደቅሰብ ኣበርክቶ ዝገብርን ሓድሽ ዓለምለኻዊ መድረኽ ንምቛም ዝዓለመ ኢዩ ዝነበረ። እዚ መድረኽ እዚ ነቲ ነዚ ሸቶታት እዚ ንምውቃዕ ተባሂሉ ኣብ መጻኢ ዝግበር ዘተታትን ምትሕብባርን ኣብነት ዝኸውን ኢዩ።

ዋዕላ ሰብኣዊ ነጻነትን ምሉእ ሰብኣዊ ምዕብልናን
ዋዕላ ሰብኣዊ ነጻነትን ምሉእ ሰብኣዊ ምዕብልናን
06 June 2024, 11:43