ድለ

ንቅድምና ብኤቍመናዊ ትርጉም ዳግማይ ምሕሳብ ንቅድምና ብኤቍመናዊ ትርጉም ዳግማይ ምሕሳብ  (AFP or licensor) ርእሰ ዓንቀጽ

ንቅድምና ብኤቍመናዊ ትርጉም ዳግማይ ምሕሳብ

ኣብ መጽናዕታዊ “ጳጳስ ሮማ” ዘርእቱ ሰነድ ኣስተንትኖ፡ ተራ ር.ሊ.ጳጳሳት፡ ሲኖዳውነትን ካልኦት ኣብያተ ክርስቲያናትን ኣማእኪሎም ናይ ዜና ቫቲካንን ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካን ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ኣብ ዘቅረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ታሪኽ ናይ ሓደ ሓባራዊ መገድን ንዘመናት ዝጸንሐ ሓድነትን ኢዩ፣ እንተዀነ ግን ኣብ ክንዲ ብናይ ቲዮሎጊያዊ ፍልልያት ብፖለቲካ ዝውሰን ምግምማዕ ሓድሕዳዊ ምውግጋዝን ከምኡውን ቃልሲ ዝመልኦ እውን እዩ። ኣብ ውሽጢ እቲ እተፈላለየ ኑዛዜ ናይ ቀደምን ሓድሽን ቅልውላው እኳ እንተ ኣጋጠመ ዳርጋ ንኽልተ ሽሕ ዓመት ዝኸውን ታሪኽ ክርስትና ኣብ ኤቁመናዊ ጕዕዞ ኣገዳሲ ስጕምትታት ኢዩ ዝወስድ ዘሎ። እቲ ናይ ሮማ ጳጳስ ዘርእስቱ ሓድሽ እተሓትመ ሰነድ ብዛዕባ እቲ ኣብ 1995 ዓ.ም. ብቅዱስ ዮሃንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝተደርሰ ‘Ut unum sint - ሓደ ምእንቲ ክኾኑ’ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ጴጥሮሳዊ ቅድምና ኣብ ዝብል ዛዕባ ምይይጥ ክህሉ ዘርኣይዎ ፍቓደይናነትን ግልጽነት ክሳዕ ክንደይ ጽሑፍ ኰይኑ ኸም ዘይቀጸለ ይሕብር። እቲ ዝርርብ ንቕድሚት ስጒይሙ ኢዩ፡ እቲ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኣብ ኵሉ ደረጃታት እተሕልፎ ዘላ ናይ ሲኖዶስ መገድታት እውን ክፍሊ ናይቲ ዘተ ኢዩ። ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ንኣገዳስነት ሲኖዳውነት ኣብ ቤተ - ክርስትያን ከም ጭቡጥ መገዲ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ ዘለዉ እዚ ድማ ድሮ ኣብ ካልእ ክርስትያናዊ ልምድታት ዘሎን ተመክሮ ዝረኸበን ኢዩ።

ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ተራ ጳጳስ ሮማን ቅድምናን ብኻልኦት ክርስትያን ኣብ ኵላዊ ጉዕዞ ከም ዕንቅፋት ወይ ጸገም ጥራይ ኣይቁጸርን እዩ: ብሓቂ ክርአ ከሎ ሲኖዳውነት ኩሉ ግዜ ንህላወ “ጴጥሮሳውነት” ማለት ቅድምና የስተንትን።

ብርግጽ ንኻልኦት ኣብያተ ክርስቲያናት ከምቲ ኣብ ካልኣይ ሽሓዊ ዓመት ር.ሊ.ጳጳሳት ዝጥቀሙሉ ዝነበሩን ብፍላይ ድማ ብቀዳማይ ጉባኤ ቫቲካን ከም እተደንገገን ቀዳምነት ጴጥሮስ ተቐባልነት ዘይብሉ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። ኣብዚ ጉዳይ እዚ እውን እቲ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ሰነድ፥ ዝተበጽሑ ርኡይ ስጉምትታት የርኢ። እቲ ኣብ ኤቍመናዊ ምይይጥ እተገብረ ዕዮ ኣብ መንጎ እቲ ጳጳስ ኣብ ልዕሊ ናይ ላቲናዊት ቤተ-ክርስትያን (ወይ ምዕራባዊት ቤተ-ክርስትያን ከምቲ ምብራቓውያን ዝደልይዎ) ዘለዎ ስልጣናዊ ቅድምና ከምኡውን ኣብ ኣብ ግብረ ሰናይን ሮማ ዘሎ ቅድምና ፍልልይ ከም ዘሎ ዝሕብር ኢዩ። "ድያቆንያ" ማለት ካብ ሓይሊ ዘይኰነስ ካብ ኣገልግሎት ዝመጸ ቅድምና ዘመልክት እዩ። ካብ ኵሎም ኣቡናት ሓባራዊ ስምምዕ ንምርካብ ብሲኖዳውነት ዝግለጽ ናይ ሓድነት ቅድምና እዩ።

ስለዚ ኣብ ካልኦት ኣብያተ - ክርስትያን ተቐባልነት ዘለዎ ዓይነት ጴጥሮሳዊ ቅድምና ኣሎ ወይ እንተ ወሓደ ክህሉ ይኽእል ኢዩ። ቅድሚ ገለ ዓመታት ናይ ቁስጥንጥንያ ኤቁመናዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትርያርክ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ "ብትሕትናን ብርሕራሐን" ኣባይ ቅድምና ዘለኩም እንክብሉ ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም ዝገለጽዎምን እዚ ኸኣ ነቲ ቕድሚ ሰላሳ ዓመት ር.ሊ.ጳ. ዮሃንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝገለጽዎ ሕልሚ (‘Ut unum sint -  ሓደ ምእንቲ ክኾኑ’ ) ንምፍጻም ናብ ዚግበር ጕዕዞ ዚመርሕ ጭቡጥ መገዲ እዩ።

(Andrea Tornielli)

14 June 2024, 15:15