ድለ

ዓመታዊ ኣኼባ ሮኣኮ፡ ኣብተን ብኲናት ዝተሃስያ ሃገራት ትኹረት ምግባር ዓመታዊ ኣኼባ ሮኣኮ፡ ኣብተን ብኲናት ዝተሃስያ ሃገራት ትኹረት ምግባር  (AFP or licensors)

ዓመታዊ ኣኼባ ሮኣኮ፡ ኣብተን ብኲናት ዝተሃስያ ሃገራት ትኹረት ምግባር

ካብ ዕለት 24 - 27 ሰነ መበል 97 ጉባኤ ትካላት ረድኤት ንምብራቓውያን ኣብያተ ክርስቲያናት - ROACO ካብ ቅድስቲ መሬትን ዩክሬንን ብዝተረኽበ ኣበርክቶን ጸብጻባትን ኣማእኪሉ ኣብ ሮማ ክካየድ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

መበል 97 ምሉእ ዓመታዊ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ ትካላት ረድኤት ንብራቓውያን ኣብያተ ክርስቲያናት (ROACO) ካብ ሰኑይ ዕለት 24 ሰነ ክሳብ ሓሙስ ዕለት 27 ሰነ ኣብ ሮማ ክካየድ እዩ። እዚ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ እዚ ሮማ ኣብ ዝርከብ ናይ ማሕበር ኢየሱሳውያን ቀንዲ ህንጻ ኣብ ዘሎ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ድሕሪ ቐትሪ ዝጅምር ኮይን፡ ዕለት 25 ሰነ ንግሆ ናይ ምብራቕ ስርዓት ናይ ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ጉዳይ ዝክታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተን ትካላት ረድኤት ንብራቓውያን ኣብያተ ክርስቲያናት (ROACO) ኣቦ መንበር  ካርዲናል ክላውድዮ ጉጆሮቲ ነቲ ዓውደ ጉባኤ ናይ መኽፈቱ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሰርዑ ከም ዝኾኑንን ኣብኡ ድማ ብህይወት ዘለዉን ዝዓረፉን ገበርቲ ሰናይ ክዝከሩን ጸሎት ምእንቲ ሰላም ክድገምን እዩ።

ኣተኲሮ ንህልው ኩነታት ማእከላይ ምብራቕ

ኣብ ቀዳማይ ዋዕላ እቲ ዓውደ ኣኼባ፡ ኣብ ቅድስቲ መሬት ንዘሎ ኩነታት ትኹረት ክወሃቦ እዩ፡ ካብ ሊቀ ጳጳሳት ኣዶልፎ ቲቶ ይላና፡ ኣብ ኢየሩሳሌምን ፍልጥኤምን ሓዋርያዊ ወኪል ኣብ እስራኤል ናይ ቅድስቲ መንበር ሕዋርያዊ ልኡኽ፤ ናይ ቅድስቲ መሬት ካቶሊካዊ ቅዱሳት ቦታታት ዓቃቤ ፍራንቸስካዊ ካህን ኣባ ፍራንቸስኮ ፓተን፤ ከምኡ’ውን ምኽትል ዋና ሓላፊ መንበረ ጥበብ ቤተ ልሄም ኣባል ማሕበር ኣሃው ላሳል ሓው ሄርናን ሳንቶስ፤ ናይ 2023 ዓ.ም. ምስ ናይ ደጋፊ ንቕድስቲ መሬት ሓገዛት ዝተኣሳሰር ሓበሬታ እውን ክካፍሉ እዮም። ድሕሪ ቀትሪ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ናይ ቅድስቲ መንበር ምስ ሃገራትን ዓለም ለኸ ትካላትን ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ብዛዕባ ህሉው ስነ ክሌኣዊ መላዊ ርክባት ንጥፈታት ቅድስቲ መንበር ብፍሉይ ንዩክሬን፣ ማእከላይ ምብራቕን ኢትዮጵያን ብምውካስ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ከቕርቡ እዮም። ብድሕሪኡ ኣቓልቦ ናብ ዞባ ካራባክ ዝገበረ ሓበሬታ ብሓላፊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ናይ ኣርመናዊት ሓዋርያዊት ቤተ ክርስቲያን ወኪል ላዕለዋይ ፓትርያርክን ካቶሊኮስ መላእ ኣርመንያውያን ቅድስነቶም ካረኪን ዳግማዊ ጳጳስ ገርቮርክ ሳሮያን ክቐርብ እዩ።

ጉስነት ምብራቓውያን ካቶሊካውያን ካብ ግዝኣቶም ወጻኢ

ረቡዕ ዕለት 26 ሰነ "ጉስነት ናይቶም ካብ ግዝኣቶም ወጻኢ ዝነብሩ ምብራቓውያን ካቶሊካውያን: ሎሚ ብድሆታትን ተኽእሎታትን" ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ንምስትንታን ዝውፈ ክኸውን እዩ፣ ኣብዚ ዋዕላ እዚ እውን ሊቀ ጳጳሳት ቦሪስ ጉድዚያክ፣ ሜጥሮጶሊታ ፊላደልፍያ ንዩክሬናውያን ናይ ግሪኽ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን፤ ናይ ቅዱስ ቶማስ ሃዋርያ ዲትሮይት ንከለዳውያን ካቶሊካውያን ጳጳስ ፍራንክ ዋይ ሌላባት፤ ናይ ፈረንሳ ጉባኤ ጳጳሳት ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ስደትን ተልእኾ ወንጌል ሓላፊ ኣባ ኤሪክ ሚሎት፤ ጳጳስ ኣንቶንዮ ኣውዶ፡ ካብ ኣለፖ ናይ ከለዳውያን ስርዓት ናይ ዝኽተሉ ካቶሊካውያን ወኪል ከምኡ’ውን ዳውድ ቡትሮስ ታየህ ዋና ጸሓፊ ጉስነት ቤት ምኽሪ ማሮናዊ ኤጳርቅና ጆኒየህ። ኣብ መወዳእታ ብፁዕ ካርዲናል ማሪዮ ዘናሪ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ሶርያ ብዛዕባ ምምዕባል ውጥን "ክፉት ኣባይቲ ሕክምና" ጸብጻብ ከቕርቡ እዮም።

ተጋባእያን ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት

እቲ ዓውደ ኣኼባ መደብ ሓንጻጺ ሽማግለ ድሕሪ ዘቕርቦ ናይ መጻኢ ውጥናት ሓሙስ ዕለት 27 ሰነ ንግሆ ኩሎም ተጋባእያን ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተራኺቦም ካብ ቅዱስነቶም ብዝልገሰሎም ቃለ ምዕዳን ክዛዘም ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

22 June 2024, 17:28