2024.06.24 Membri del Consiglio Ordinario della Segreteria Generale del Sinodo 2024.06.24 Membri del Consiglio Ordinario della Segreteria Generale del Sinodo  (Vatican Media)

ቀዋሚ ቤት ምኽሪ ሲኖዶስ ኣብ ሰነድ መምርሒ ዕመም ይዓዪ ኣሎ

ኣባላት መበል 15 ቀዋሚ ቤት ምኽሪ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብምዃን ንዝመጽእ ዘሎ ካልኣይ ክፋል ስሩዕ መበል 16 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ዝኸውን "ናይ ዕማም መምርሒ ሰነድ" ኣብ ምዕያይ ይርከቡ ኣለዉ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ድሕሪ እቲ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ሊቃውንቲ ሥነ መለኮት ዝገበርዎ ኣኼባ፣ እቲ ኣባላቱ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ እተገብረ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ እተመርጹሉ ቀዋሚ ቤት ምኽሪ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት፣ ነቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ጥቅምቲ ዝኻይድ ጉባኤ ኣቦታትን ኣዴታትን ሲኖዶስ ዝመርሕ ናይ ዕማም መርሒ ሰነድ (IL) ኣብ ምዕያይ ኣበርቲዑ ይሰርሕ ኣሎ 

ደድሕሪ እቲ በቶም 108 ዝኾኑ ካብ 114 ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ዝተላእኩን፣ 9 ካብቶም 14 ጉባኤ ምብራቓውያን ኣብያተ-ክርስትያን ካቶሊክ ዝመጹን ጸብጻባትን ከምኡ ውን ካብ እተፈላለዩ ካቶሊካውያን ትካላትን ውልቀ-ሰባትን "ካብ መላእ ዓለም ካብ እተፈላለየ ፍልይ ዝበለ ስምዒታትን ከምኡ ውን ካብ እተፈላለየ ሥነ መለኮታውያን ኣብያተ-ትምህርትን" እተዋህበ መልሲ ናይ ሊቃውንቲ ሥነ መለኮት ዝገበርዎ ምይይጥ ኣብ ግምት ብምእታው ናይ መጀመርታ ንድፊ ናይዚ ሰነድ እዚ ተዳልዩ ኣሎ።

ትግባሬ ተሓታትነት ብዝምልከት

ብፁዕ ካርዲናል ማሪዮ ግሬች ብዛዕባ እዚ ዕዮ እንክገልጹ "ምስ መሰረታዊ ስርዓተ ዑደት (ካብ ሱር መሰረት ብምብጋስ ናብ ሱር መሰረት ምምላስ) ኣብ ዝብል ምእንቲ ኽንሰማማዕ ነዚ ሰፊሕ ምኽሪ እዚ ኽንፍጽሞ የድሊ ኣሎ" በሉ። ጻዕርታቶም "ሥርዓተ ተሓታትነት ንምንቅስቓስ" ምዃኑ ውን ገለጹ። ብዛዕባ እዚ ተሓታትነት እዚ ሓንቲ ሲኖዳዊት ቤተ-ክርስትያን መለለዪ ክኾና ዝኽእል ኣየናይ ኢዩ... እዚ ድማ ንኣማናዊነት ሲኖዶዊ ተግባራት ዚምስክር እዩ።"

ዝሓለፈ ሰኑይ ኣባላት እዚ ቤት ምኽሪ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ተራኺቦም፣ ቅዱስነቶም ድማ ዕዮኦም ኪቕጽሉ ኣተባብዕዎም ።

ብርቱዕ ለውጢ ጕስነት

ደድሕሪ እቲ ምስ ቅዱስ ኣቦና ዝገብርዎ ርክብ እቶም ኣባላት ጋዜጣዊ መግለጺ ኣካዪዶም፣ እዚ ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ክፋላት ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ እተወስደ ግዜ ንምእመናን እቲ ሲኖዶስ ንእተወሰነ ጸገማት ንምፍታሕ ዘይኰነስ "ብዛዕባ ሲኖዳውነትን ከምኡ ውን ብዛዕባ ዕቱብ ጉስነታዊ ለውጢ" ንምግባር ምዃኑ ንኽርድኡ ከም ዝሓገዞም ገለጹ፣ እዚ ድማ "ብደገፍ መንፈስ ቅዱስ" እምንቶ ኽግበረሉ ዝሓትት ምዃኑ ኢዩ።

ኣብ ዚቕጽል መዓልትታት ደድሕሪ እቲ ዝካየድ ዋዕላ "ሰፊሕ ድግማን ገምጋምን" ምክያድ ናይቲ ሓድሽ ክፍላ ናይዚ ሰነድ ኪዳሎ እዩ። እዚ ንድፊ እዚ ናይ መወዳእታ ስምረት ንምርካብ ናብ ቅዱስ ኣቦና ቕድሚ ምቕራቡ ስምረት ንምርካብ ናብ ቀዋሚ ቤት ምኽሪ ክምለስ ኢዩ።

እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ  መጀመርታ ወርሒ ሓምለ እዚ ሰነድ ናይ ዕማም መምርሒ ኣብ ዝሕተመሉ ዕለት ክካየድ ትጽቢት ይገብረሉ  ።

ንብምሉኡ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሲኖዶስ ክርከብ ይከኣል ኢዩ።

26 June 2024, 17:36