ድለ

ሲኖዶስ፡ ናይ መዛተይ ሰነድ ካልኣይ ክፋል ናይ ምድላው ዕዮ ከም እተጀመረ ሲኖዶስ፡ ናይ መዛተይ ሰነድ ካልኣይ ክፋል ናይ ምድላው ዕዮ ከም እተጀመረ 

ሲኖዶስ፡ ናይ መዛተይ ሰነድ ካልኣይ ክፋል ናይ ምድላው ዕዮ ከም እተጀመረ

ካብ መላእ ዓለም ኣስታት ዕስራ ሊቃውንቲ ቲዮሎጊያ ናይ ካልኣይ ኣኼባ ናይ መበል 16 ተራ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ናይ ስራሕ ሓርፋፍ ሰነድ ንምድላው ናይ ዕዮ ኣኼባ ክኸካይዱ ሮማ ከም ዝኣተዉ ካርዲናል ማሪዮ ግረች ሓፈሻ ዋና ጸሓፊ ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መገልጺ ኣፍሊጦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ናብ ኩሎም ጳጳሳት ዓለም ብዝለኣኽዎ ሰነድ ናብ ሲኖዶስ ጥቅምቲ 2024 ዓ.ም. ዝብል ኣርስቲ ዝሃብሉ ኣብ ገለ መዳያት ናይቲ ንዛዕባ ሲኖዶስ መሰረታዊ ዝኾነ ጽሙር ጸብጻብ ካብ ሓደ ናይ ምሉእ መስርሕ ሲኖዶስ ዝውክል "ከመይ ጌርካ ኣብ ተልእኾ ሲኖዶሳዊት ቤተ ክርስቲያን ትኸውን?" ካብ ዝብል መሪሕ ሕቶ ተበጊሶም ክምርምሩ ሓቲቶም ከም ዝነበሩን ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ብውልቂ ነፍሲ ወከፍ ናይ ከባቢ ኣብያተ ክርስቲያን ብናይ መንበረ ጳጳሳት ጉባኤታትን ምብራቓዊ ካቶሊካውያን ኣብያተ ክርስቲያናትን ኣህጉራዊ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታትን ኣቢለን ኣበርክቶአን ብምልኣኽ ዕዮአን ከም ዝፈጸማ ካርዲናል ግረች ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ግሬች፡ ሲኖዳላዊት ቤተ ክርስቲያን ህያው ክውንነት

ሓፈሻ ዋና ጸሓፊ ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ካርዲናል ማሪዮ ግሬች፡ “ብፍላይ ኣብዚ ነዊሕ መስርሕ መመያ ምሉእ ማሕበረሰብ ቤተ ክርስቲያን ተሳትፎ ምርኣየይ ኣዝዩ እዩ ዘገረመኒ . . .  ብጀካ’ቲ ካብቲ ኣብ ጸማሪ ጸብጻብ ቀዳማይ ኣኼባ ዝተገብረ ስራሕ ዝመጽእ ኣስተንትኖታት፡ እቲ ዝረኽቦ ጽሑፍ መብዛሕቲኡ ግዜ እተን ፍሉያት ናይ ከባቢ ኣብያተ ክርስቲያን ንሲኖዳውነት ብኸመይ ከም ዝርድኣኦ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ድሮ ኣብ ግብሪ የውዕልኦ ከም ዘለዋ እውን ሓቀይና ምስክርነት እዩ። ሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን ክትጭበጥ ዘለዋ ሕልሚ ዘይኮነስ ድሮ ኣብ ውሽጢ ሓደ ከባብያዊ ማሕበረሰብ ወይ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስቲያናት ወይ ጉጅለታት ቤተ ክርስቲያን ምህዞን ሓደስቲ ዝምድናዊ ቀጥዕታት ዘመንጩ ህያው ክውንነት እያ" ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ኣበርክቶ ኡስግን ኡይስግን ካህናት ሰበኻን።

ዋና ጸሓፊ ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ እውን ካብ ናይ ልኡካነ ወንጌልን ገዳማውያንን ዓበይቲ ኣሕሉቕ ዝቍፍ ማህበርን ናይ መላእ ደናግል ማሕበራት ኣሕሉቕ ማሕበርን ኣበርክቶን ዝሳነ ትዕዝብትን ከም እተቐበለን ከምኡ እውን ካብ ዓለምለኻዊ ክውንነት ዘለዎም ኣካላት፣ መናብርተ ጥበባት፣ ማሕበራት ምእመናን ወይ ውልቀ ማሕበረሰባትን ህዝብን ዝመጸ እውን ከም ዝኾነን። ካልእ ትርጉም ዘለዎ ምንጪ ኣስተንትኖ ድማ ኣብዚ ቀረባ እዋን ካህናት ሰበኻ - ቆሞሳት ንጉባኤ ሲኖዶስ ኣብ ዝገበርዎ ናይ ሰለስተ መዓልታት ስራሕ ካህናት ሰበኻ ዘቕረብዎ ጸብጻባት ከም ዘሎ ካርዲናል ግረች ኣመላኺቶም፥ ካብ ሰሉስ ዕለት 4 ሰነ 2024 ዓ.ም. ጀሚሩ፡ ጉጅለ ሊቃውንቲ ቲዮሎጊያ፡ ክኢላታት ዝተፈላለየ ስነ-ፍልጠት (ስነ ሃምነነ፡ ስነ ዓቕለስያ፡ ሃዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ቲዮሎጊያ፡ ሕገ ቀኖና ወዘተ)፡ ነዚ ኩሉ ዝተላእከ ኣበርክቶን ትዕዝብትን ክትንትንዎ እዮም። “ንኣጋጣሚ ዝገደፍ ነገር የለን። ነፍሲ ወከፍ ሰነድ ኣብ መወዳእታ እቲ መስርሕ ነቲ ካብቲ ታሕቶ ዝረኸብናዮ ስራሕ፡ ሕቶታትን ገምርን ምልከትን ዘንጸባርቕ ጽሑፍ ንምቕራብ ብጥንቃቐ ክንበብ ኣለዎ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቀዳማይ ትንታነ

ኣባ ጃኮሞ ኮስታ ፍሉይ ዋና ጸሓፊ ናይ መበል 16 ጉባኤ ሲኖዶስ ብወገኖም፥ "ካልኣይ ክፋል ጉባኤ ሲኖዶስ ዝምልከት መዛተዪ ሰነድ ንምቕራብ ዘይኮነስ፡ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ማሕበረሰባት ዝፍጽምዎ ርክባትን ጽቡቕ ልምድታትን ናይ መጀመርታ ትንታነ ንምግባር ከምኡውን ነቲ ናይ ሓቂ ናይ መዛተዪ ሰነድ ንምቕራብ መገዲ ንምድላው ብዛዕባ ቲዮሎጊያ ሕቶታትን ምስትንታንን ሓባራዊ መመያ ንምክያድ እዩ” ቢሎም፥ . . . ዕዮ ናይቲ ኣህጉራዊ ጉጅለ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንቲ ብዕጽው ዝካየድ ኮይኑ ብናይ ፍርቂ መዓልቲ መንፈሳዊ ሱባኤ  ዕለት 4 ሰነ ዝጀመረ ክሳብ ዕለት 13 ሰነ ክቕጽል እዩ። እተን መዓልታት ብዝተፈላለየ ናይ ስራሕ ህሞታት (ብውልቂ፡ ብሙሉእ ኣኼባን ብጉጅለን) ዘጠቓልል እዩ። መዓልታዊ መስዋዕተ ቅዳሴ ንውልቃዊ ጸሎት ዝኸውን ህሞታትን እቲ ስራሕ ኣብቲ ንመመያ ኣብ ዝድለ ሃዋህው ዝፍጸም እዩ።

ዝቕጽል ስጉምትታት

መስርሕ ምምዕባል ናይ መዛተይ ሰነድ ብኻልእ መድረኻት ክቕጽል እዩ: ሳላ እቲ ካብቶም ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንቲ ዝቐርብ ኣንደበተ ርቱዕ ናይ መላግቦ ሰነድ ናይ ሲኖዶስ ናይ መዛተይ ሰነድ ንምልላይ ክከኣል እዩ፡ እቲ ስሩዕ ቤት ምኽሪ ብዛዕባ እቲ እተዘርበ ነገራት ናይ መጀመርታ መመያ ክገብር ኢዩ። እቲ ጭቡጥ ሰነድ ናይ ምንዳፍ መድረኻትን ሰፊሕ ናይ ምርግጋጽ ስርዓትን ክሳብ እቲ ብስሩዕ ጉባኤ ንቅዱስ ኣቦና ንውዱእ ምጽዳቕ ዝቐርብ ሰነድ ዝጸድቕ ክስዕብ እዩ። እቲ ጽሑፍ ኣብ ውሽጢ ቀዳሞት ዓሰርተ መዓልታት ወርሒ ሓምለ ክሕተም ትጽቢት ይግበር። ነዚ ዝምልከት ሓበሬታ ድማ ኣብ ግዚኡ ክቐርብ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

07 June 2024, 14:39