ጊሶኒ፡ ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝዝትይ ዓውደ ጉባኤ ዓቕለስያውያን ምንቅስቓሳት
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
"ካብ መላእ ዓለም ዝመጻ 95 ክውንነታት ካብተን ብቕድስቲ መንበር ኣፍልጦ ዝረኸባ 117 ማሕበራት 80 ናዕለዎት ኣካላት ዝርከብዎ ብድምር ልዕሊ 220 ሰባት ኣሳቲፉ ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመክር ዓውደ ጉባኤ ዓቕለሲያውያን ምንቅስቓሳት፥ “ማእሰር ምሕዝነት ብምድልዳል ኩሉ ሰብ ኣብ ጉዕዞ ዘሎ ሕዝበ እግዚኣብሔር ናይ ምዃን ጸዋዕታ ብምስትውዓል ንኽነብር ብትግሃት ብሲኖዶሳዊ ኣገባብ ክሰርሕ ዝተጸውዕ እዩ” እንክብላ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ስድራ ቤትን ህይወትን ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ምኽትል ዋና ጸሓፊት ሊንዳ ጊሶኒ፡ ነቲ ዕለት 13 ሰነ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ናይ ሲኖዶስ ኣዳራሽ ኣብ ሲኖዳውነት ኣማእኪሉ ንኽካየድ ናይ ዝተጸወዐ ዓውደ ኣኼባ ዓቕለሲያውና ምንቅስቓሳት ጸማሪ ሓሳብ የቕርባ።
ንተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ዝኸውን ቅዲ
ናይቲ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዝካየድ ርክብ ዝዛዘም ዕለት 13 ሰነ ዝካየድ ዓውደ ጉባኤ መርሕ ቃል ‘ብድሆ ሲኖዳውነት ንተልእኾ’ ዝብል ከም ዝኾነን፡ እቲ ዝካየድ ዓውደ ኣኼባ “ተወሳኺ መሓውራት ናይ ምድንፋዕ ሕቶ ዘይኮነስ ነቲ ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመኸረ ሲኖዶስ ምስ ዘቕረቦ ጽሙር ሰነዳዊ ጸብጻብ ምሉእ ስኒት ከምዘለዎ ዘስተብህል እዩ። . . . ንተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ዝውክል ናይ ሲኖዳውነት ኣብነት እዩ፡ ሲኖዳውነት መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ኵሉ ህሞት ህይወት እዘን ዓቕለሲያውያን ምንቅስቓሳት እዚኣተን ማለት ምስ ንጥፈታትን ሃዋርያት ኣገልግሎተን ጸሎት ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ንቅዋማዊ ምሕደራኡ ዘሰንይ ዓቐን እዩ” እንክብላ የብርሃ።
እቲ መደብ
እምበኣር እቲ ኣብ ቫቲካን ዕለት 13 ሰነ ዝካየድ ዓውደ ጉባኤ ካብቶም ኣካየድቲ እቲ ዓውደ ጉባኤ ጀሚርካ ነዚ ሃብታም ሲኖዳዊ ተመክሮ ንምዕባይ ዝዓለመ እዩ። ብሓፈሻ እቲ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ኣገባብን ኣካይዳን ዘጉልሕ እዩ። ዕለት 13 ሰነ ድሕሪ ንግሆ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ክኽፈትን ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዝካየድ ርክብ ዝዛዘም ከም ዝኾነን ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ህይወትን ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ካርዲናል ከቪን ፋረል ብዘስምዕዎ ቃል ሰላምታ ቀጺሉን ድሕሪ ቀንዲ መደረታት፡ ኩሎም ተጋባእያን ብናጽነት ሓሳቡ ከቕርቡ እዮም” “ድሕሪ ቀትሪ ካብቶም ኣብቲ ባይቶ ዝሳተፉ ኣካየድትን ልኡኻትን ሕቶታት ከቕርቡን ርእይቶ ክህቡን እዮም እዚ ድማ እቲ ዓውደ ጉባኤ ዛዕባ ሲኖዳውነት፥ ናይ ዘተን ምስማዕን ቦታ ምዃኑ ይምስክር . . . "።
ክብረወሰን ዝሓዘ ቁጽሪ ተሳተፍቲ
እቲ ዓመታዊ ኣኼባ ዘለዎ ጥቕሚ ንኽንርዳእ ዚሕግዘና ኽልተ ካልእ መዳያት እውን ኣሎ ። እቲ ቐዳማይ ምስቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ 'ኽውንነት ምግጣም' ኣድላዪ ምዃኑ ዘመላክት እዩ። "እቲ ክውንነት ዓቕለሲያውያን ማሕበራት ምስቲ ሎሚ ዘሎ ሓሳባት ዝሰማማዕ ቋንቋታት ዘቕርብ ዓቢ ሃብቲ ምዃኑ እተረጋገጸ ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ምንቅስቓሳትን ሓደስቲ ማሕበረሰባትን እውን ኣብ ናይ ሎሚ ዓለም ዝያዳ ጽልዋ ንኽህልዎም ዝረኽብዎ ህንጸት ከሐድሱ ይጽውዑ" ምስ በላ፥ ኣብ መወዳእታ ኣብቲ ዝካየድ ዓውደ ኣኼባ “ካብ መላእ ዓለም ዝመጻ 95 ክውንነታት ካብተን ብቕድስቱ መንበር ተፈላጥነት ዝረኸባ 117 ማሕበራት 80 ናይ ማሕበራት ሓለፍቲ ዝርከብዎም ብድምር ልዕሊ 220 ተጋባእያን ክሳተፉ እዮም” እንክብላ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳርሽ ዝሃበኦ ጋዜጣዊ መገለጺ ይዛዝማ።