ቫቲካን፦ ብዛዕባ ኣመንጫዊ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት
ኣባ ተወልድ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
እዚ ዋዕላ እዚ ካብ ዕለት 20 ክሳዕ 22 ሰነ ኣብቲ ኣብ ከተማ ሮማ ዝርከብ ጳጳስቲ ተቕዋም ሥነ-ኣበው ቤተክርስቲያን ኣጉስቲንያኑም ክካየድ ኢዩ። ኣብ መወዳእታ እቲ ዋዕላ ቀዳም ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ክራከቡን ብብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብዝቕርቡሎም መደረ ክዛዘም ኢዩ ።
ብመሰረት እቲ ብናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ ዕላማ ናይዚ ኣህጉራዊ ዋዕላ "ምስ ቅልጡፍን ሰፊሕን ምዕባለ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት እተተሓሓዘ ጥቕሙን ጉድኣታቱን ንምምርማር" ክኸውን ኢዩ ። ብፍላይ ኣመንጫዊ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ዘተኮረ ውን ክኽውን ኢዩ። እዚ ኸኣ ንደቂ-ሰባትን ንኣከባብን ዝጠቅም ስነ-ምግባራውን ቀጻልን ኣጠቓቕማ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ንምውሓስ ዝዓለመ ኢዩ።
እዚ ዋዕላ እዚ ነቲ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ዘለዎ ስነ-ምግባራውን ማሕበራውን ጽልዋ፣ ከምኡ ውን ነቲ ኣብ ናይ መጻኢ "ምዕባለ ንደቅሰባትን ሓባራዊት ቤትና ንምድርን ዘገልግለሉ" ግብራዊ መፍትሒታት ንምርካብ ዝዓለመ ኢዩ። ሓደ መወከስን ኣበጋስን ናይዚ ዋዕላ እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እንክኾኑ፣ ቅዱስነቶም ኣብቲ ብዕለት 14 ሰነ ኣብ ኣፑልያ ዝካየድ ዋዕላ ናይተን ብኢንዳስትሪ ዝማዕበላ ጉጅለ ሸውዓተ ሃገራት ተረኺቦም ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ክዛተዩ እዮም። ብመሰረት ሥልጣነ ኣስተምህሮት ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት እዚ ዋዕላ ናይ "ጳጳሳዊ ማሕበር ምእተ-ዓመት" ዝተሰምየ ተቕዋም ብዛዕባ ስነ ምግባራዊ ኣጠቓቕማ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ክዝቲ ኢዩ።
ኣመንጫዊ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ብጽሑፍ፡ ብዝስማዕ ትሕዝቶ፡ ብስእልታት ወይ ብቪድዮ ገይሮም ትሕዝቶ ንዜፍርዩ ኣካላት ንዘመንጭዎ ቅዲ ኣስተውዕሎት ዘመልክት ኢዩ።