ቫቲካን፡ ኣብ ጸለምቲ ነዃዓትን ማዕበላት ስሕበትን ዘተኰረ ዋዕላ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብዚ ሓጺር እዋናት ናይ ቅድስቲ መንበር ተቕዋም መጽናዕቲ ሥነ ጠፈር ብዛዕባ ጸለምቲ ነዃዓትን ብዛዕባ ማዕበላት ስሕበትን ከምኡ ውን ብዛዕባ ኣብ ጠፈር ዚርኣዩ ፍሉያት ነገራት ዚገልጽ ሓድስቲ ምርምራትን ርኽበታትን ንምዝታይ ዋዕላ ከካይድ እዩ። እዚ ዋዕላ እዚ ንናይቲ በልጅዩማዊ ሊቅ ሥነ-ፍልጠትን ካህንን ዝኾነ የኔታ ሉሜኽት ውርሻ ንምጽምባል እተገብረ ካልኣይ ኣህጉራዊ ዋዕላ ኢዩ ።
እዚ ዋዕላ ካብ ዕለት 17 ኽሳዕ 21 ሰነ ኣብቲ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ ቅድስቲ መንበር ተቕዋም መጽናዕቲ ሥነ ጠፈር ዝርከበሉ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ኣብ ብደቡባዊ ምብራቕ ከተማ ሮማ እዩ ክካየድ። ዳይረክተር ናይዚ ተቕዋም ቅድሰቲ መንበር ዝኾኑ ኢየሱሳዊ ሓው ጉይ ኮንሶልማኞ ኣብቲ ብዕለት 11 ሰነ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዘቕረብዎ መግለጺ ኣመልኪቶም።
እዚ ዋዕላ ኣብቲ ብ2017 ዓ.ም. እተገብረ ናይ መጀመርታ ኣኼባ ነቲ የኔታ ሉሜኽት ዝሓደጎ ውርሻን ከምኡ ውን ነቲ ንሱ ዘተኰረሉ ርኽበታት ኣብቶም ኣብ ቀረባ እዋን እተገብሩ ምርምራትን ርኽበታትን ብዛዕባ ቆዝሞስ ማለት ከም እኒ ንዓብይ ሂምታን፣ ጸለምቲ ነዃዓትን ዘጠቓልል ስዉር ባህርይ ጠፈርን ከምኡ ውን ብዛዕባ እቲ እዚኣቶም ዝፈጥርዎ ማዕበላት ስሕበት ንምምርማር ዝዓለመ ኢዩ ዝነበረ ። ከምኡ ውን ብዛዕባ እቶም ዝተሓላለኹ ኣርእስትታት ድቀታዊ ስሕበት፣ ምትሕንፋጽ ጠፈራውያን ኣካልትን ከምኡ ውን ብዛዕባ መሰረታት ድቀታዊ ህልዮ ኣብ ዝብሉ ጕዳያት እውን ዘማእከለ ኢዩ ዝንበረ ። ብቐንዱ ዕላማ ናይዚ ዋዕላ ኣብ ሓድስቲ ሓሳባት ንምትኳርን ብዛዕባ እቲ ኣብ ክልሰ ሓሳብን ትዕዝብትን እተራእየ ሓድስቲ ምዕባለታት ዘተ ንምክያድን እዩ።
ካብቶም ኣብቲ ቀዳማይ ዋዕላ እተሳተፉ 40 ተሳተፍቲ እቶም ተሸለምቲ ኖበል ዝኾኑ ኣዳም ራይስን፡ ሮጀር ፔንሮዝን ይርከብዎም። ተመራመርቲ ቆዝሞስን ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ኣንድሬ ሊንደ፡ ጆሴፍ ሲልክ፡ ዌንዲ ፍሪድማን፡ ሊስያ ቨርደ፡ ኩምሩን ቫፋን ከምኡ ውን ናይ ፊልድስ መዳልያ ተሸላሚ ኤድዋርድ ዊተን ኢዮም ዝነበሩ።
ናይ ቅድስቲ መንበር ተቕዋም መጽናዕቲ ሥነ ጠፈር፣ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለም ብጥንታውነቱ ቐዳማይ ቦታ ዝሓዘ ንጡፍ ሥነ ጠፈራዊ ትዕዝብትን መጽናዕትን ዘካይድ ተቕዋም እዩ። መበቈሉ ኸኣ ካብ 1582 ዝጅምር ኮይኑ ኣብ ጎርጎርዮስያዊ ተሓድሶ ዓውደ - ኣዋርሕ ዓቢይ ኣስተማጽኦ ዝገብረ ተቕዋም እዩ። ካብ ኣርባዕተ ኽፍለ-ዓለም ዝመጹ ሓያሎ ካህናትን ኣሕዋት መነኮሳንን (ኢየሱሳውያንን ደቂ ሰበኻን) ዘመናዊ ስነ-ፍልጠታዊ ሜላታት ብምጥቃም ንህዋ የጽንዑ ኣልዉ፣ ኸምኡ ውን ካብ እተፈላለየ ስነ-ፍልጠታዊ ዓውድታት ዝመጹ ሊቃውንቲ (ካህናትን ካብ ዓለማውያን ምእምነንን) ከምኡ ውን ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዚርከብ ዓበይቲ ትካላት መጽናዕቲ ሥነ ጠፈር ዚርከቡዎም ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት መጽናዕቲ የካይዱ ኣለዉ ።