ድለ

ሊቀ ጳጳሳት ቪጋኖ ብኣንቆረይናነት ገበን ይኽሰሱ ሊቀ ጳጳሳት ቪጋኖ ብኣንቆረይናነት ገበን ይኽሰሱ 

ሊቀ ጳጳሳት ቪጋኖ ብኣንቆረይናነት ገበን ይኽሰሱ

ሊቀ ጳጳሳት ካርሎ ማርያ ቪጋኖ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ቅድስቲ መንበር ነበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ቅድሚ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቀሪቦም አንቆረይናነት - መናፍቕነት ብዝብልከት ጉዳይ ንዝቐረበሎም ክሲ መልሲ ክህቡ ዝተመሓላለፈሎም ናይ ውሳኔ ሰነድ ቅዳሕ ወግዓዊ ከም ዝገበርዎ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሓዋርያዊ ልኡኽ ዝነበሩ ሊቀ ጳጳሳት ካርሎ ማርያ ቪጋኖ፡ እቲ ዝቐረበሎም ክሲ ኣንቆረይናነት ዝምልከት ኮይኑ፡ ነዚ ዝቐረበሎም ክሲ ብኣካል ኣብ ፊት ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት፥ ዕለት 21 ሰነ ድሕሪ ቀትሪ (ወይ ብዝሰምዮ ጠበቓኦም) ሰዓት 15፡30 “ነቲ ዝተኸሰሰሉ ገበን ዝምልከት ክስታትን መርትዖታትን (ምስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሕብረት ንምዕቃብ ዘድልዩ ባእታታት ምኽሓድ ዘስዕብ ህዝባዊ መግለጺታት፤ ሕጋውነት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ምኽሓድ፤ ሓድነት ምብታኽን ከምኡ እውን ምንጻግ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን) ብኣካል ተረኺቦም መልሲ ክህብሉ ከም እተሓተትቱን  ብኣካል እንተድኣ ዘይተረኽቡ ብጽሑፍ ዝተደገፈ ናይ መከላኸሊ ሰነድ ክሳብ ዕለት 28 ሰነ እንተደኣ ዘየቕረቡ ግና “ብኣካል ኣብ ዘይተረኽብሉ ጉባኤ ፍርዲ ክወሃቦም ምዃኑ” እቲ ናይ ዓንቀጸ እምነት ናይ ክሲ መዝገብ የጠንቅቕ።

ኣብ መስከረም 2018 ዓ.ም. ሊቀ ጳጳሳት ቪጋኖ ንጉዳይ ናይ ሽዑ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካርዲናል ቴዎዶር ማካሪክ ዝምልከት ብወሲብ ዓመጽ ዝተኸሱን ደሓር ማዕርጎም ኩሉ ተቐንጢጦም ናብ ተራ ምእመን ዝተበየኖም ዝጸሓፍዎ ሃዋኽን ኣናዓዓቢ ደብዳቤ ወግዓዊ ዝገበርዎ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ስልጣኖም ክወርዱ እንክብሉ ከም ዝሓተቱን። ደሓር እውን ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ዓ.ም. ንር.ሊ.ጳ. ብኹሉ መዳይ ዝነጽግ ዝርዝር ጸብጻብ መሰረት ብቅድስቲ መንበር ምሉእ ብምሉእ መልሲ ከም እተወሃቦን እዚ ጉዳይ እዚ እውን ኣብቲ ዝቐረበሎም ክሲ ዘይተጠቐሰ ከም ዝኾነን እቲ ዝቐረበሎም ክሲ፥ ባዕሎም ሊቀ ጳጳሳት ቪጋኖ ከም ዝበልዎ፥ ሕጋውነት ናይቶም ሕጂ ዘለዉ ር.ሊ.ጳ.ን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ኣፍልጦ ዘይምሃቦም ዝምልከት ኮይኑ። እቲ ዝቐረበሎም ክሲ መሰረት ኣብ ቅድሚ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ንኽቐርቡ ዝጽውዕ ዝተመሓላለፈሎም ናይ ጽሑፍ መልኽቲ ብመራኸቢ ብዙሓን ወግዓዊ ዝገበርዎ፥ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ዓንቀጸ እምነት ርእይቶ ከም ዘይሃበ ድማ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እቲ ምስ ሊቀ ጳጳሳት ቪጋኖ ዝተኣሳሰረ መራኸቢ ብዙሓን ነቲ ኣዋጅ ወግዓዊ ኣብ ዝገበሮ ገጽ፥ “እቲ ኣብ ልዕለይ ዝቐረበ ክስታት ከም ክብሪ እየ ዝቖጽሮ . . . ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ድማ “ስነ-ሓሳባዊ፡ ቲዮሎጊያዊ፡ ግብረ ገባዊ ሊጡርጊያዊ መንሽሮ እዩ” እንክብሉ ገሊጾም፥ “ሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን ድማ ናይቲ ሕማም መንሽሮ ዝለዓለ ጠርዚ እዩ - ደረጃ ለብዐ” እዩ ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉን። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ዝምልከት ካብ ጋዜጠይናታት ሕቶ ዝቐረበሎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን፥ “ሊቀ ጳጳስ ቪጋኖ ገለ ንዝገለጽዎ ኣተሓሳባን ስጉምትታቶምን መልሲ ክህብሉ ግድን እዩ” ክምልሱሉ ኣለዎም ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ሕጋዊ መሰል ኣለዎም ዝኾነ ተኸሳሲ ናይ ምክልኻል ዕድል ኣለዎ” ቢሎም ቅድሚ ሕጂ ምስ ሊቀ ጳጳሳት ቪጋኖ ናይ ምስራሕ ተመክሮኦም ዘስተንትኑሉ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ “ኣዝየ እየ ዝጒሂ ምኽንያቱ ኩሉ ግዜ ከም ዓቢ ሰራሕተይና የድንቆምን ኣዝዩ እሙን ንቅድስቲ መንበር፣ ብገለ መልክዑ እውን ኣብነት ዝነበረ ሰብ ገይረ እየ ዝርእዮም ዝነበርኩ፡ ከም ሓዋርያዊ ልኡኽ ጽቡቕ ሰሪሖም እዮም፥ ሕጂ ግን “እንታይ ከም ዘጋጠመ ኣይፈልጥን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

21 June 2024, 14:54