ድለ

CHINA-SPACE-PLANETARIUM CHINA-SPACE-PLANETARIUM  (AFP or licensors)

ስምምዕ ኣብ መንጎ ሓልዮ መራኸቢ ብዙሓን ቅድስቲ መንበርን ኣገልግሎት ዜና ኖቫን

እቲ ኣብ 2015 ዓ.ም. ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እተመስረተ ንብምሉኡ ስርዓት መራኸቢ ብዙሓን ቅዱስቲ መንበረ ማለት ቫቲካን ዜና፡ ሎሶርቫቶረ ሮማኖ ተለቪዥን ቫቲካንን ቤት ማሕተም ቫቲካን ዝሓቁፍ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓን ምስ "ኣገልግሎት ዜና ኖቫ " ናይ ሓበሬታ ትሕዝቶ ንምልውዋጥን ንምትሕብባርን ዝሕግዝ ሓድሽ ናይ ስምምዕ ሰነድ ከም ዝኸተመ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣገልግሎት ዜና ኖቫ ሳላ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዝፍንዎ ሓበሬታ ከምኡ እውን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብዘለውዎ ወኪላት ኣቢሉ ኣብ ኣህጉራዊ ፖለቲካውን ቁጠባውን እዋናዊ ጉዳያትን ዝድህስስ ብምዃኑን ነዚ ዘለዎ ብቕዓትን ክእለትን ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት፥ ዘለዎ ተመክሮን ህብረ ቋንቋን ኣብ ግምት ብምእታው ሓበሬታ ኣብ ምልውዋጥን ምትሕብባርን ዘማእከለ ስምምዕ ከም እተገብረን እቲ ናይ ስምምዕ ሰነድ ኣብ መንጎ ናይ ቅድስቲ መንበር መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ዶክተር ፓውሎ ሪፊኒን ናይ ኖቫ እተሰምየ ኣገልግሎት ዜና ዋና ኣሰናዳኢ ፋብዮ  ስኵይላንተን ዝተኸተመ ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥  እቲ ስምምዕ መራኸቢ ብዙሃን ቫቲካን ናይ ኖቫ ኣገልግሎት ዜና ዜናታት ክጥቀመሉ ከምዝኽእል ዝገልጽ ኮይኑ፡ እቲ ትካል ብግዲኡ ድማ . . . ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር መራኸቢ ብዙሓን ማዕክናት ረድዮን ጋዜጣን ብሓፈሻ ኣብቲ www.vaticannews.va ዝቐርብ ትሕዝቶታት ምስ ንጥፈታት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ቅድስቲ መንበርን ቫቲካንን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ዝተኣሳሰረ ሓበሬታ ክጥቀመሉ ከም ዝኽል ዘረጋግጽ ከም ዝኾነን፥

“እዚ ስምምዕ ብወገን ዓለም ምንጭታትና ከነስፍሕ ዘኽእለና እዩ – እንክብል ናይ ዜና ቫቲካንን ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካንን ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድርያ ቶርኒየሊ ገሊጹ -  ኣብ ሰላምን ዘተን ምትሕብባርን እናኣመንና ኣብ ዓለም ንዘሎ ብዙሕ ኣጸጋሚ ዅነታት ክንምርምሮ ኣብ ዘድልየሉ እዋን ሓበሬታን መመያናን ንምድልዳል ክሕግዘና ዝኽእል ስምምዕ እዩ” ከም ዝበለ ኣመላኺቱ፥ ዋና ኣሰናዳኢ ኣገልግሎት ዜና ኖቫ ፋብዮ ስኵይላንተ “እዚ ስምምዕ ብምኽታሙ ሕጉሳት ኢና ብፍላይ ንዝቕጽል ዓመት ኢዮቤል ኣብ ግምት ብምእታው - እዚ ድማ ኣብ ርእሰ - ማላዊ ረብሓ ዘለዎም ኣርእስታት ንዝህቦ ሓበሬታ ዝያዳ ከነሀብትም ዘኽእለና እዩ - ከምኡ’ውን . . .  ነቲ ኣገልግሎት ዜና ኖቫ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ክሃንጾ ዝኸኣለ ብቕዓት ኣፍልጦ ዝህብ እዩ” ከም ዝበለ ኣፍሊጡ።

26 July 2024, 14:45