ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፡ ሰላም ምድንፋዕ ሓቀይና መሳርሒ ምክልኻል እዩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብዚ እዋን'ዚ "ኣናተፈናጨለ ሳልሳይ ኲናት ዓለም" ኣብ ዝካየደሉን ምስ ቅድድም ኣጽዋር፡ ኑክልየሳዊ ስግኣታትን ግብረሽበራን ኣብ ዝገጠመሉ እዋን፡ ንዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ዝበታተን ዘሎ ግጭታት ኣብ ዝገጥመና እዋን፡ "ምክልኻል ብዛዕባ ወተሃደራዊ ሓይሊ ጥራይ ዘይኮነስ ብዛዕባ ተቕዋማት ምትብባዕን ኣብ መንጎ ህዝብታት ስምምዓት ምድንፋዕን" ዘለዎ ኣገዳስነት ክንርዳእ ኣለና” እንክብሉ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ቫቲካን ዓርቢ ዕለት 5 ሰነ ኣብ ፊሊፒንስ ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ዑደት ኣብ ዝዛዘመሉ እዋን ንናይ ፒሊፒንስ ናይ ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክባት ኣካላት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ዝሃብዎ ገምጋም ክኽውን እንከሎ፥ ሊቀ ጳጳሳት ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ተቕዋም ኣገልግሎት ወጻኢ ኣብ ከተማ ፓሳይ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ብዛዕባ ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብ ቅድስቲ መንበር ኣብ እዋናዊ ኣህጉራዊ ኩነታት ሰፊሕ ኣስተንትኖ ብምሃብ፡ ኣብዚ ሕጂ ዘለናዮ ኩነታት ብዛዕባ ዓወት ወይ ስዕረት ምዝራብ "ዘይክውንነታዊ" ምዃኑ ደጊሞም ብምርግጋጽ፥ ኣብ ክንድኡስ፡ ምፍልላይ ሰጊሩ ናብ ኣፍልጦ ክብሪ ወዲ ሰብ ዝጥምት "ሓድሽ ፍትሓዊ ስርዓት" ምምስራት የድሊ እንክብሉ ከም ዘመላኸቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ወሲኾም፡ እዚ ብሓቂ ናይ ቅድስቲ መንበር ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብ ኣገባብ ኮይኑ፡ “ብእወታዊ ገለልተይናነት" ዝልለ "ምልክት ተስፋ ክኸውን" ዝደሊ እዩ።
ከምዚ ዓይነት ኣካይዳ፡ ስልጣን ወይ ዕብለላ ኣብ ክንዲ ዝስዕብ፡ " ንሃለዋት ኩሉ ሰብኣውነት ቀዳምነት ዝህብ፡ ሰብኣዊ ክብሪን፡ ነባሪ ሰላምን ዝጣበቕ" ኣብ ዝብሉ መትከላት ዝተሰረተ ምዃኑን፡ ምስ እዚ ድማ "ናይ ሓባራዊ ረብሓ፡ ምትሕግጋዝ ኣህዛብ ዝጣበቕ ትሕተ - ቅርጺ” ዝድግፍ እዩ እንክብሉ ገሊጾም።
ስለዚ ናይ ቅድስቲ መንበር ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብ "ተገዳስነት ዘለዎ ስግረ-ሃገራዊ ትውሳኤ" ከምኡ'ውን "ልዑላውን ነጻን ግብረ ገባዊ ስልጣን" ብምዃኑ፡ "ፍትሒ፡ ሰላምን . . . ብዓለምለኻዊ ደረጃ ምትሕግጋዝ" ዝብል እዩ፥ . . . ካብ ፖለቲካዊ ምሕዝነትን ቀጽራውነትን" ነጻ ዝኾነ "እምንቲ" መንጎይና ኮይና "ካልኦት ዘይስገር ምፍልላይ ጥራይ ኣብ ዝርእይሉ ኩነታት ዘራኽብ ድልድላት ክትሃንጽ" ከምእትኽእል ገሊጾም፡ ኣብ ማእከላይ ነጥቢ መደረኦም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምክልኻል ሰብኣዊ መሰላት፡ ዘይነጻጸል ምሉእ ኵለንታዊ ሰብኣዊ ምዕባለ፡ ንሓባራዊ ቤትና ምሕብሓብ፡ ከምኡ’ውን ሰላምን ዘይጎነጻውነትን ንምጉስጓስ ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕሪ ዘማእከለ እዩ፥ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
እዚ ባህርያት እዚ ንር.ሊ.ጳ. ኣብ ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብ ቫቲካን "ቐንዲ ተዋሳኢ" ይገብሮም፣ እዚ ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብ እዚ ንባዕሉ "ብቕንዕና እተመስረተ" ኰይኑ፡ ኣብ ግብረ ሰናይ ዝጸንዐ እዩ። ኣብ ቅድሚ እቲ "ኣብ መንጎ ኣህዛብ ዝፈርስ ዘሎ ምትእምማንን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ቁጽርን ጽንኩርነትን ግጭታትን ውግኣትን" ሊቀ ጳጳስ ጋላገር ዓለም ሓቆፋዊ ተሳትፎ ቅድስቲ መንበር ኣጉሊሖም። ቤተ ክርስቲያን " ኣብዚ ዘመን እዚ ኣብ ሓጎስን ሓዘንን ሻቕሎትን ሰባት ትካፈል - ቢሎም - ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ከም ዝገለጾ፡ ሃገራትን ህዝብታትን ካብ "ኣገባብ ውግእን ቂምን ጽልእን" ንምርሓቕ እጃማ ተበርክት . . . ቤተክርስትያን ኣህዛብ፥ "ብሓይሊ ሕጊ ዘይኮነስ ብልዕልና ሕጊ ከምኡ'ውን ብተፈጥሮኣዊ ሕጊ ተመሪሒም ብመንገዲ ዘተ ክስጉሙ" ከም እተተባብዕ ሓቢሮም፥ እተሓሒዞም እውን "ግብረ ገባዊ ሓላፍነት" ጳጳሳዊ ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብ ኣስሚሮም፡ እዚ ተወፋይነት ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ርኡይ ምዃኑን፡ ካብ ምጽናስ ክሳብ ተፈጥሮኣዊ ሞት ኣብ ምክልኻል ቅድስናን ክብርን ህይወት ወዲ ሰብ፤ ምሕላው ፍጥረት፤ ኣንጻር "ጓሓፋይ (ተጥቒሙ ምድርባይ ዝብልን) ከም ውዳቕ ዝሓብ ባህልን ዓለማዊ ምትእትታው ዘይምግዳስን ሸለልትነትን ዝግበር ቃልሲ፡ ምስ ምድንፋዕ "ባህሊ ርክብን ዓለምለኻዊ ምትእስሳር ሕውነትን" ዝተሰነየ።
እዚ ኩሉ፡ ኣብ ውሽጢ ኵላዊ "ክርስትያናዊ ክውንነት" ዝሰማማዕ ምዃኑ ደጊሞም ገሊጾም፡ "ስነ-ጥበብ ምምሕዳር ኣህጉራዊ ዝምድናታት ኣብ ሓቀይና ዓለም ጽኑዕ መሰረት ዘለዎ፡ ግብራዊ ብድሆታት ዝምልስን ዝጭበጥ ፍታሕ ምድላይን"።
እዚ ኸኣ ካብ ስልጣን ወይ ካብ ንውልቃዊ ረብሓታት ንላዕሊ “ንሕውነት: ድሕነትን ምርግጋእን ኣህዛብ” ቀዳምነት ምሃብ የጠቓልል።
ምስዚ ብዝምልከት ሊቀ ጳጳሳት ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብ ቫቲካን ንምትግባር መሰረት ዝኾኑ ፍሉያት መዳያት እንከመላኽቱ፥ መሰረታዊ መሰል ጥዕና ምርካብ፤ ንፍትሓዊ ቁጠባዊ መምርሕታት ዝድግፍ፤ ኣንጻር "መርዛም መዓት" ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ዝግበር ቃልሲ፤ ምድንፋዕ ብዙሕነታዊነትን ምክልኻል ሃይማኖታዊ ናጽነትን” ዝብል ተንቲኖም፥ እዚ "ቅድስቲ መንበር ሃይማኖታዊ ናጽነት ሰብኣዊ መሰል ጥራይ ዘይኮነስ ምፍልላይ ንምፍዋስን ዓለማዊ ሰላም ንምድንፋዕን ኣገዳሲ መንገዲ ምዃኑ ከም እተመላኽት ዘረጋግጽ እዩ” ክብሉ ኣዘኻኺሮም፡ ቅድስቲ መንበር "ሰላም፡ ዕርቅን ብዘይጎነጻዊ ምፍታሕ ግጭታትን ኣብ ምጉስጓስ ዓቢ ተራ" ከምዘለዋ ሓቢሮም።
ኣብ መወዳእታ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ካብ 1991 - 1995 ዓ.ም. ኣብ ማኒላ ኣማኻሪ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኮይኖም ኣብ ዘገልገልሉ እዋን ከምኡ’ውን ኣርባዕተ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ፊሊፒንስ (ማለት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ 1970 ዓ.ም.፡ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1981 ዓ.ም. ከምኡ’ውን ኣብ 1995 ዓ.ም. ከምኡ እውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2015 ዓ.ም. ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ዘኪሮም፥ እታ ሃገር ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያ፡ ከም ኣተባባዒት "ዞባዊ ምትሕግጋዝ" ኣብ እስያን ከም ሃናጺ "ዝያዳ ሰብኣውን ንኹሉ ዝሓቁፍን ሕብረተሰብ ኣብ ምህናጽ እትጻወቶ ወሳኒ ተራ" ክትቅጽል ብምትብባዕ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።