ድለ

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ ምእንቲ ሰላም ይጽለዩ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ ምእንቲ ሰላም ይጽለዩ 

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ ምእንቲ ሰላም ይጽለዩ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ዩክሬን ኣብ ዝርከብ መካነ ንግደት ቅድስተ ማርያን ዘበርዲቺቭ ከም ልኡክ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ፥ "ዋላ ክፍኣት ብርቱዕ ኢድ ዘለዎ እንተመሰለ ሰላም ሰዓሪ ምዃኑ ዘረጋግጸልና እምነት ከይነጥፍ" እንክብሉ ንምመናን የተባብዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ዩክሬን ከተማ በርዲቺቭ ኣብ ዝርከብ መካነ ንግደት ቅድስተ ማርያም ዘቀርመሎስ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዩክረይን ሰላም ክወርድ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ደጋጊሞም ዘቕርብዎ ጻውዒት ሰላም ኣቃሊሖም። እቲ መካነ ንግደት ሓደ ካብ መንፈሳዊ ማእከላት ማሕበረሰብ ካቶሊክ እታ ሃገር ከም ዝኾነ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ . . . ዳርጋ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ብዝቍጽር ዘሎ ኲናት ንዝሳቐ ህዝቢ፡ ንነዊሕ እዋን ዝተጸበናዮ ህያብ ሰላም ክርከብ ዘለዎም ዓሚቝ ተስፋ ገሊጾም . . . ንኣምላኽ ዝሰኣኖ ነገር ከምዘየለ ደጊሞም ብምዝኽኻር፡ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅርበት ንህዝቢ ዩክረይ ኣረጋጊጾም፡ ቅዱስነቶም ኣብቲ እተንብርዎ ዘለኹም ቃንዛ ተኻፋልን ቀረባን እዮም እንክብሉ ከምዝገከጽ የመላኽት።

እግዚኣብሄር ልቢ ይልወጥ

ቤተ ክርስቲያን ዩክሬን "ብዘየቋርጽ ጸሎት ነቢይ ክትከውን ኣተባቢዖም፣ እግዚኣብሄር ልቢ እቶም ካብ መገዱ ርሒቖም ጊልያዎት ናይ ገዛእ ርእሶም ትዕቢት ኮይኖም፣ ዓመጽን ሞትን ዝዘርኡ፣ ክብሪ ናይ ደቂ ኣምላኽ ዝረግጹ ኩሎም ክልውጥ ናብ ጎይታ ክንጽሊ ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ኩሉ ግዜ ኣብ ኣምላኽ ተወከል

"ኣብ እግዚኣብሄር እምነትን ተስፋን ፈጺምካ ዘይምጥፋእ፡ ብፍላይ ሎሚ፡ ክፍኣት ዝበርተዐ ኢድ ዘለዎ ኮይኑ ኣብ ዝረኣየሉ እዋን፡ ራዕዲ ኲናትን ቃንዛ ናይቶም ብዙሓት ግዳያትን ሰፊሕ ዕንወትን እምነት ኣብ መለኮታዊ ሓልዮት ኣብ ዘዳኽመሉ እዋን፡ ኣእዳውና ክደክም እንከሎን" ድሕሪ ሕጂ ክንጽሊ እኳ ሓይሊ የብልናን እንብለሉ እዋን” ዝብሉ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ስብከቶም ቀጺሎም፥ ነቲ ዝተሰቕለ ክርስቶስ ምጥማት የድሊ” እንክብሉ እተባቢዖም፡ ኣብ ዓርቢ ስቕለት፣ ሓጢኣት ዝሰዓረ ኣብ ዘመሰለሉ ልክዕ ኣብቲ እዋን . . . ወጋሕታ ፋሲካ ከም ዘርከበን ሞት ናይ መወዳእታ ቃል ከምዘይኮነን ድማ ተረጋጊጹልና” እንክብሉ ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንኣማላድነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምጽላይ

ኣብ መወዳእታ ብጹዕነቶም ኣብ ማእከል ውልቃዊ መስቀላትና ኣብ ጎንና ደው ኢላ ናብ ትንሳኤ "ብህድኣት እተሰንየና" ኣዴናን ኣመ እምላክን እትሕብር ቅዱስ ምስሊ ቅድስቲ ማርያም ኣመ ኣምላኽ ዘበርዲቺቭ እናሓሰቡ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ምልክት ለውሃትን ፍቕርን ምዃና የረጋግጸልና . . . ማሪያም "ብስራት ወጋሕታ እያ . . . እዚ ንሳ እተመላኽተልና ወጋሕታ ብርሃን ድማ ኢየሱስ እዩ እንክብሉ ኣስተብሂሎም፡ ኣብ ጓሂ መጸናንዒት ኮይና ንዅሉ ውሑስ መዕቆቢ ክትህብ ድልውቲ እያ . . . “ኦ ብርኽቲ ኣደ፡ ቆልዑን መንእሰያትን ሰላማዊን ርግጸይናን መጻኢ ክህልዎም፡ ስድራ ቤት ናይ ፍቕሪ ቦታታት ክኾኑ፡ ኣረጋውያንን ሕሙማትን ኣብ ስቓዮም ምጽንናዕን ህድኣትን ክረኽቡ፡ እቶም ንዓዶም ዝከላኸሉ ካብ መጥቃዕቲ ክፍኣት፡ ምሩኻት ውግእ ንዝፈትውዎም ሰባት ተመሊሶም ክሓቝፉ፡ እቶም ግዳያት ድማ ናብ እግዚኣብሔር ኣብ መንግስቱ ክቕበሎ ኣማልድልና” እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

22 July 2024, 15:09