2024.07.04 ኣብ ባንግላደሽ ሲኖዳውነት ንኹሉ እትሓቁፍ ቤተክርስትያን ኣብ እስያ ዘረጋግጽ መድርኽ 2024.07.04 ኣብ ባንግላደሽ ሲኖዳውነት ንኹሉ እትሓቁፍ ቤተክርስትያን ኣብ እስያ ዘረጋግጽ መድርኽ  (FABC)

ኣብ ባንግላደሽ ሲኖዳውነት ንኹሉ እትሓቁፍ ቤተክርስትያን ኣብ እስያ ዘረጋግጽ መድርኽ

ኣብ ባንግላደሽ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሰለስተ መዓልታት ጉባኤ ካቶሊካውያን ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ሲኖዳውነት ዘማእከለ፡ ብፍሉይ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን እስያ ንኹሉ እትሓቁፍን ዘተን ለውጢ ዘምጽእ ኣገባብ ኣብ ዝብል ሓሳብ ትኩረት ዝሃበ ከም ዝነበረን ሊካስ ኣገልግሎት ዜና ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ካብ መላእ ሸሞንተ ሃገረ ስብከታት ባንግላድሽ ዝመጹ ተሳተፍቲ ዘራኸበ መደብ፡ ሲኖዳውነት ከም ምትሕብባርን ምምኽኻርን ኣገባብ ምሕደራ ቤተ ክርስቲያንን ምትእስሳር ማሕበረሰብን ኣብ ዝብል ርድኢት ዘተኮረ ኮይኑ . . . ሲኖዳውነት ቀላሲ ራእይ ቤተ ክርስቲያን እዩ፣ ብመስርሕ ምቕማጥ ቀጻሊ ዕላማታት ዝግለጽ” እንክብላ እናቴ ናታሊ ቤክዋርት ምክትል ጸሓፊት ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ተረኺበን ኣብ ዘስመዐኦ መደረ ከም ዘመላኸታን ሓደ ካብቲ ቀንዲ እርስቲ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ምትዕጽጻፍ ሲኖዳውነት ማለት ምስ ፍሉይ ማሕበረ - ባህላዊ መልክዕ ዝኸይድ ከም ዝኾነ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣባ ጆርጅ ፕላቶታም፡ ፈጻሚ ዋና ጸሓፊ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ርክብ ፈደራላዊ ጉባኤታት ጳጳሳት እስያ፡ ካቶሊካውያን “ንመስርሕ ሲኖዶስ ኣብ እንሓቑፈሉ እዋን፡ ሓድሕዳዊ ምክብባር፡ ምትሕብባርን ብሓባር ምስ... ኩሎም ዘሀልው እዩ” እንክብሉ ኣብቲ ዋዕላ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዘስመሩሉን ቤተ ክርስቲያን ንከባብያዊ ብድሆታት ከም ድኽነት፣ ስደትን ባህላዊ ብዙሕነትን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ምትሕብባርን ብምምራጽ ብኸመይ ብሲኖዳውነት ኣገባብ ክትምልሶ ከምእትኽእል” የጉልሑ። ተሳታፊ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ዞባዊ በዓል መዚ መንግስቲ ነበር ፒዩስ ኮስታ፡ “ናይ ዘተን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ባህሊ ኣገዳሲ’ዩ” እንክብል ኣብ ዘስመዖ መደረ ገሊጹ፥ ሲኖዳውነት ኣብ ውልቃውን ሞያውን ህይወቶም ብኸመይ ከም ዝጸልዎ ኣስተንትኖኡ ብምክፋል፥ “ምስ ኣሕዋትን ኣሓትን ካልኦት እምነታት ኣብ ዝግበር ጉዕዞ፡ ሲኖዳውነት ምዕቃብ ይሓትት” ክብል ርእይቶ ከም ዝሃበን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ውሽጢ ትውፊታው መሓውራት ቤተ ክርስቲያን መስርሕ ሲኖዳውነት ንምትግባር ዘጋጥሞ ብድሆታት እውን ብዕምቆት ከም እተመልከተ ሊካስ ኣገግሎት ዜና ጠቒሱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ናይ ባንግላደሽ ርእሰ ከተማ ርእሰ ሰበኻ ዳካ ሊቀ ጳጳሳት ቢጆይ ኤን ዲ’ክሩዝ ሲኖዳውነት ኣብ ውልቃዊ ተመኩሮታቶም ከመይን እንታይን ይመልስ ኣካፊሎም፡ ተራ ማሕበረሰብ ክርስትያን ኣብ ህብረ ሃይማኖታውን ባህላውን ባንግላድሽ ዘተኮረ መደረ ከም ዘስምዑን ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ዘሎ ህሉው ጽልዋታት ስልጣን፡ ገንዘብን ዘይምጽውዋርን ኣመልኪቶም፡ እዞም ጉዳያት ብመትከላት ሲኖዳውነት ክእለዩ ከም ዝኽእሉ ከረጋግጹ እንከለዉ፥ “ከምቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ንመከራ ካልኦት ዝድንግጽን፡ ንሕና’ውን ንኻልኦት ክንሰምዖም፡ ብልብና ክንቅበሎምን ክንሓቑፎምን ይግባእ” ከም ዝበሉ የመላኽት።

ኣብ ባንግላድሽ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ኬቪን ራንዳል፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ  እትሰምዕን እትተሓባበርን ቤተ ክርስቲያን ዝብል ዘለዎም ቀላሲ ራእይ ደጊሞም ብምቅላሕ፣ እዚ ድማ ዝያዳ ንኹሉ ዝሓቁፍን ርድኢት ዘለዎን ማሕበረሰብ ቤተ ክርስቲያን ንምምዕባል ዝወስድዎ ኣገዳሲ ስጉምቲ ምዃኑ ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዘስመሩሉ ኣገልግሎት ሓበሬታ ሊካስ ዝጥቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

05 July 2024, 15:06