ድለ

ካርዲናል ፓሮሊን፡ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዩክሬን ፍትሓዊ ሰላም ንኽህሉ ኣበርቲዓ ከም እትዓዪ ይረጋግጹ ካርዲናል ፓሮሊን፡ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዩክሬን ፍትሓዊ ሰላም ንኽህሉ ኣበርቲዓ ከም እትዓዪ ይረጋግጹ 

ካርዲናል ፓሮሊን፡ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዩክሬን ፍትሓዊ ሰላም ንኽህሉ ኣበርቲዓ ከም እትዓዪ ይረጋግጹ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ብምኽንያት ጽምብል መካነ ንግደት ቅድስተ ማርያም ዘበርዲቺቭ ኣብ ዩክሬን ዘካየድዎ ናይ ሽዱሽተ መዓልታት ዑደት፡ ቅድስቲ መንበር እቲ ኣብ መንጎ ሩሲያን ዩክረይንን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብቕልጡፍ ክዛዘምን ፍትሓዊ ሰለም ንክረጋገጽ ነቕ ዘይብል ዘለዋ ተስፋ መሰረት እተካይዶ ናይ ሰላም ጻዕሪ - ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ዓርቢ ዕለት 19 ሓምለ ናብ ምዕራባዊት ዩክሬን ከተማ ልቪቭ ብምእታው ናይ ሽዱሽተ መዓልታት ዑደት ከም ዝጀመሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ እዚ ድማ ድሕሪ ምጅማር ወራር ሩስያ ኣብ 2022 ዓ.ም. ንፈለማ እዋን ናብታ ብኲናት ዝተሃስየት ሃገረ ዩክረይን ዘካየድዎ ምብጻሕ ኮይኑ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጳጳሳዊ ልኡኽ ብምዃን ኣብ ምዕራብ ኪየቭ ዝርከብ ናይ ላቲን ስረዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መካነ ንግደት ቅድስቲ ማርያም ዘበርዲቺቭ ዩክሬናውያን ዘካይድዎ ዓመታዊ ንግደት መዛዘሚ ዕለት 21 ሓምለ ዝዓረግ መስዋዕተ ቅዳሴ ንኽሰርዑ ማእከል ዝገበረ ዑደት ከም ዝኾነን ዓርቢ ዕለት 19 ሓምለ ድሕሪ ቀትሪ ዩክረይን ምስ ኣተዉ ኣብ ዩክረይን ብናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ቪስቫልዳስ ኩልቦካስ ተሰንዮም ኣብ ሊቪቭ ኣብ ዝርከብ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ሓጺር ምብጻሕ ከም ዘካየዱን ኣብኡ ድማ ምስ ሊቀ ጳጳሳት ሚቺስላው ሞክሪዚይኪን ምስ ተራዳኢ ጳጳስ ኤድዋርድ ካቫን ሊዮን ማሊን ናይ ግሪኽ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊ ርእሰ ኤጳርቅና ተራዳኢ ጳጳስ ቮሎዲሚር ህሩስታን ብተወሳኺ ከንቲባ ከተማ ሊቪቭ ኣንድሪ ሳዶቪይን ሓላፊ ዞባዊ ምምሕዳር ሊቪቭ ማክሲም ኮዚትስኪን እውን ከም ተራኸቡ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ንሰላም ምጽላይ

ካርዲናል ፓሮሊን ድሕሪ እዚ ቀዳማይ ኣኼባ ምስ ቫቲካን ኒውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ምኽንያት ተልእኾኦም ብሕቶ ናይ ዩክሬን ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳሳት ዘቕረብዎ ሕቶ ምዃንን እዚ ኸኣ መካነ ንግደት ቅድስተ ማርያም ዘበርዲቺቭ ናብ ንኡስ ባዚልካ ክብ ንምባልን መዛዘሚ ንግደት ምመናን መስዋዕተ ቅዳሴ ንኽሰርዑ ምዃኑ ኣብሪሆም።

እቲ መካነ ንግደት ቅድስተ ማርያም ዘበርዲቺቭ ኣብ ምዕራብ ኪየቭ ዘቦ ኦብላስት ዚቶሚር ዝርከብ ኮይኑ፡ ካብ መላእ ዩክሬንን ካልኦት ሃገራትን ዝመጹ ካቶሊካውያን ምእመናን ዝነግድሉ ቅዱስ ስፍራ ከም ዝኾነን፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብፍላይ ምእንቲ ሰላም ብኣማላድነት ማርያም ንምጽላይ ምእመናን ከም ዝነግዱ ዜና ቫቲካን የመላኽት። እዚ ምብጻሕ እዚ ብተወሳኪ ዋና ጸሃፊ ቅድስቲ መንበር ምስ ርእሰ ብሔር ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ሓዊሱ ምስ ሰበስልጣን ዩክሬን ክራኸቡ ዕድል ከም ዝህቦምን ምስኦም ምስ ሩስያ ብዛዕባ ክህሉ ዝኽል ተስፋ ናይ ሰላም ዘተ ከም እተዘራረቡ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።

እቲ ናብ ዩክሬን ክበጽሑ ዝገበሮም ኸኣ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ምስቲ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ዩክሬን ዘለዎም ቀጻሊ ቅርበት ንምርግጋጽ ምዃኑ ኣስተብሂሎም: "እዚ ምብጻሕ እዚ ካልእ መግለጺ ናይቲ ቅዱስ ኣቦና ንዩክሬን ዘለዎም ሓልዮትን ናይቲ ንሰላም ዘለዎም ዓቢ ተስፋን እዩ" ቢሎም፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ካብ መጀመርታ ወራር ሩስያ ኣትሒዞም ነቲ ኲናት ከብቕዕ ኣብ መወዳእታ “ፍትሓዊ ሰላም” ንምብጻሕ ዝሕግዝ መንገዲ ንምልላይ ክፍትኑ ምዃኖም ከም ዝሓበሩን፡ “ብዛዕባ እዚ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ በርገንስቶክ [ኣብ ስዊዘርላንድ] ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ሰላም ዝርርብ ከም እተገበረሉ የዘኻኽሩ።

ንፍትሓዊ ሰላም ተወፋይነት

ካርዲናል ፓሮሊን ብስም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስን ቅድስቲ መንበርን ደጊሞም ብዛዕባ ኩነታት ዩክሬን ስክፍታኦም ገሊጾም፡ ቅድስቲ መንበር “ናብ ፍትሓዊ ሰላም ንምብጻሕ ዘኽእል መፍትሒ ንምርካብ" ኣበርቲዓ ከም እትዓዪ እውን ኣረጋጊጾም፥ "ክሳብ ሕጂ፡ ካብ ምብጻሕ ካርዲናል ዙፒ ናብ ኪየቭ ጀሚሩ፡ ድሕሪኡ ናብ ሞስኮ፡ ኣብ ፍትሓዊ ሰላም ንኽብጻሕ ብሓልዮትን ድላይን ቅዱስ ኣቦና ዝፈጸመዎ ሰብኣዊ ተበግሶታት ሰላም ንቕድሚት ዝወስድ መንገዲ ምዃኑ ድማ ከነስተውዕል ገይሩ እዩ . . . ምስ በሉ ወሲኾም፡ “ደሓር ከኣ እዚ ሓሳብ እዚ ብሰበስልጣን ኪየቭ ዝካፈል ይመስል፡ ምኽንያቱ ኣብ ስዊዘርላንድ እውን ብዛዕባ ሰለስተ ጉዳያት ተዛሪቦም እዮም፡ . . . ስለዚ ቅድስቲ መንበር ናብ ፍትሓዊ ሰላም ከብጽሕ ዘኽእል ስጉምትታት ምውሳድ ዝብል ኣመለኻኽታ ግምት ብምእታው ብሓቂ ናብ ሰላም ንኽብጻሕ ህርኩት ጻዕርታት ተካይድ ኣላ" እንክብሉ ዝሃብዎ መግለጺ ይዛዝሙ።

22 July 2024, 15:05